ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምክልኻል ውግኣት ንዓለም ኣብ ሓደጋ የእቲዋ ይረክብ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምክልኻል ውግኣት ንዓለም ኣብ ሓደጋ የእቲዋ ይረክብ 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምክልኻል ውግኣት ንዓለም ኣብ ሓደጋ የእቲዋ ይረክብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ፍጻመታት ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብቐዳምነት ሓይሊ ካብ ዝልለ ሓደገይና ምልዓል ብዝሓ ውልትውና የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ፍግረት ኣህጉራዊ ሕጊ ብሓቂ ዘተሓሳስብ'ዩ፡ ፍትሒ ንሓይሊ ቦታ ሓዲጉ፤ ሓይሊ ሕጊ ብሕጊ ሓይሊ ተተኪኡ" ኣሎ! ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝምልከት ዕለት 4 መጋቢት ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ብምምልካት፡ “ብቐዳምነት ሓይልን ርእሰ-ውከሳን ዝተለለየ ሓደገይና ብዝሓ ውልትውና (multipolarism) መገዲ ዝሕዝ  ዘሎ ይመስል” እንክብሉ ናይ ዜና ቫቲክን ዋና ኣሰናዳኢ ንዘቕረበሎም ቃለ መሕትት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ስክፍታኦም ይገልጹ።

ሕቶ፡- ብጹዕነትኩም ነዚ መዓታዊ እዋን ብኸመይ ትርእይዎ?

ብዓቢ ሓዘን፡ ምኽንያቱ ህዝብታት ማእከላይ ምብራቕ - እንኮላይ እቶም ድሮ ኣብ ከቢጽ ጸገም ዝርከቡ ዘለዉ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት - ዳግማይ ኣብቲ ንህይወት ደቂ ሰባት ብጭካነ ዘጥፍእን ዕንወት ዘምጽእን ንመላእ ኣህዛብ ናብ ዘይርጉጽ ውጽኢት ዘለዎ ዓንኬል ዓመጽ ዝጎትት ራዕዲ ውግእ ተሸሚሞም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 1 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብዛዕባ “ዘስደምም መዓትን ሓደጋ መዋጽኦ ዘይርከቦ ዓዘቕትን ዝበልዎ ብምዝካር እቲ ነሕልፎ ዘሎና ህሞት ብትኽግል ዝገልጽ ርቱዕ ሓሳብ እየን። ካብዚ ንላዕሊ ክገልጾ ዝዝኽእል ሓሳብ ዘሎ እውን ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን እንታይ ትብሉ?

ሰላምን ድሕንነትን ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብዘቕርቦ ተኽእሎታት ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ብዝሓ ጎናውያን ኣካላት ብዝካየድ ስነ ሜላዊ ክሌዊ ርክብ ክረጋገጽን ክሰዓብን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ኣብዚ ሃገራት ግጭታት ብዘይ ደምን ዝያዳ ፍትሓውን መንገዲ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ኣለወን።

ድሕሪ እቲ ኣስታት 60 ሚልዮን ሞት ዘስዓበ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ እቶም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖሙ ኣበው፡ ንደቆም ካብቲ ባዕሎም ዘጋጠሞም ራዕዲ ከድሕኑ ከም ዝደለዩን። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅዋም ኣብ ምሕደራ ግጭታት ንጹር መምርሒ ክህቡ ጻዕሪ ገይሮም እዮም።

ሎሚ እቲ ጻዕርታት እቲ ዝፈረሰ ይመስል። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡካን ዘዘኻኸርዎ “ዘተ ዘስፍሕን ኣብ መንጎ ኩሎም ምርድዳእ ክህሉ ዝጽዕር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብናይ ሓይሊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፣ ናይ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለ ምሕዝነት ይትካእ ኣሎ፣” ሰባት ድማ ሰላም “ብኣጽዋር” ክረጋገጽ ከምዝከእል ይሓስቡ።

ብዛዕባ ጠንቂ ኲናት ክንዛረብ እንኮለና፡ መን ቅኑዕን መን ጌጋን ምፍላጥ ዝተሓላለኸ እዩ። እቲ ርግጸይና ዝኾነ ነገር ግን ኲናት ወትሩ ግዳያትን ዕንወትን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ከም ዘለዎ እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ክልላት ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኩሎም ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝቐርቡ መጋበርያታት ምጥቃም ከምዘድሊ ምዝካር ትመርጽ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ምትእምማን ክውስኽን ልምዓት ከስፋሕፍሕን ሰላም ክዕቅብን ዝኽእል ፖለቲካ ጥራይ እዩ - ብጻዕሪ ዘተን ንረብሓታት ሚዛን ንምሃብ ትኹረት ምሃብን - ምሂሩና እዩ።

ሕቶ፡ መመኽነይታ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ሓደስቲ ሚሳይላት ንኸይፈሪ ንምክልኻል ዝብል እዩ - ብሓጺሩ “ክህሉ ዝክእል ኲናት ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ኲናት”

ከምቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቅዋም ዝሕብሮ፡ ድሕሪ’ቲ ኩሉ መጋበርያታት ፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣውን ዘተ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ፡ ደረት ኣድላይነትን ተመጣጣንነትን ብጥንቃቐ ድሕሪ ምግምጋም፡ ብመሰረት ጽኑዕ ምርግጋጽን ቅኑዕ መሰረት ዘለዎ ምኽንያታትን፡ ኩሉ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ መቓን ብዙሓ ጎናዊ ምሕደራን፡ ንሓይሊ ምጥቃም ከም ናይ መወዳእታን ኣዝዩ ከቢድን መፍትሒ ጥራይ ክውሰድ ኣለዎ።

ግዝኣታት ብመሰረት ናተን መዐቀኒታትን ብዘይ ልዕለ ሃገራዊ ሕጋዊ መቓን “ናይ ምክልኻል ኲናት” መሰል ከምዘለወን ኣፍልጦ እንተዝወሃበን፡ ዓለም ብምልእታ ኣብ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኣተወት። እዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ፍግረት ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ: ፍትሒ ንሓይሊ ቦታ ሂቡ፤ ሓይሊ ሕጊ ብሕጊ ሓይሊ ተተኪኡ ኣሎ፣ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ጸላኢ ምስተደምሰሰ ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ እዩ።

ሕቶ፡- ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ጎደናታት ኢራን ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣድማ፡ ብደም ዝተዓፈነ፡ እንታይ ክብደት ኣለዎ? ክርስዑ ይኽእሉ ድዮም?

ብርግጽ ዝርሳዕ ኣይኮነን፤ እዚ እውን ዓሚቝ ሻቕሎት ፈጢሩ እዩ። ባህግታት ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ሕጋዊ ቅርጺ ናይቲ ኩሉ ሰብን ከም ህዝብን ብናጽነት ሓሳባቱ ክገልጽ ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ክኣቱን ውሕስነት ክወሃቦን ኣለዎ - እዚ ድማ ነቲ ክቡር ህዝቢ ኢራን እውን ይምልከት። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ እቲ ፍታሕ ብመውቃዕቲ ሚሳይላትን ቦምባታትን ክመጽእ ከም ዝኽእል ብሓቂ ዝኣምን ሰብ ኣሎ ድዩ ኢልና ንነብስና ክንሓትት ንኽእል ኢና።

ሕቶ፡- ንምንታይ እዩ ሎሚ ኣህጉራዊ ሕግን ስነ ሜላዊ ርክብን ከምዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ዘጋጥሞ ዘሎ?

እቲ ዝጠፍአ ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ ናይ ሓባር ረብሓ - ሰናይ ብሓቂ ንኹሉ ከም ዝጠቅም ምፍላጥ እዩ- ማለት ናይቲ ካልእ ሰናይነት ንዓይ እውን ሰናይ ምዃኑ ምፍላጥ እዩ፡ ስለዚ ድማ ፍትሕን ምዕባለን ውሕስነትን ኩሎም ክጥቀሙሉ ብዝኽእሉ መጠን እዩ ዝረጋገጽ።

እዚ መትከል እዚ ኣብ መሰረት ምፍጣር ብዝሓ ጎናውነት ስርዓትን ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣመሰለ ተባዕ ውጥን እዩ ዝርከብ። እቲ ንቕሓት እቲ ተዳኺሙ፡ ምስኡ ድማ ሸውሃት ናይ ገዛእ ርእስኻ - ውልቃዊ ረብሓታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ካልእ ሳዕቤን እውን ኣለዎ፡ ስርዓት ብዝሓ ጎናዊ ስነ ሜልዊ ርክብ ኣብ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ግዝኣታት ብዓሚቝ ቅልውላው ይሓልፍ ኣሎንገለ ካብቲ ግዝኣታት ኣብ ልዕሊ ስጉምተን ዝድርት ሕጋዊ ደረታት ዘለወን ዘይምትእምማን እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ነቲ ካልእ ወገን ናይ ስልጣን ድሌት ዝውክል እዩ: ብናጽነት ክትዋሳእ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ናይ ምጽዓን ድሌት፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብቲ ብዘተ፣ ብምይይጥ፣ ንርእስኻ ብልጫታትን ንኻልኦት ሕድገታትን ኣብ ዝብል መርገጺ ዝቖመ ካብ ክቡር ጻዕሪ ፖለቲካ ምርሓቕ ዝብል እዩ። “ብቐዳምነት ሓይልን ርእሰ-ውከሳን ዝተለለየ ሓደገይና ብዝሓ ውልትውና (multipolarism) መገዲ ዝሕዝ  ዘሎ ይመስል።”

እቲ ዘሕዝን ግን ከም ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት፡ ግዝኣታዊ ልኡላውነት፡ ከምኡ’ውን ንባዕሉ ንኲናት ዝምልከት ሕግታት (ius in bello) ዝኣመሰሉ መትከላት ተመሊሶም ኣብ ሕቶ ይኣትዉ ኣለዉ። ኣብ ከም ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ዋንነት፡ ከምኡ’ውን ንግድን ስግረትን ዝኣመሰሉ መዳያት ዝተሃንጸ ምሉእ ኣካል ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣቱን በብቑሩብ ዕሽሽ ይበሃል ኣሎ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ፈላስፋ ኤማኑኤል ካንት ኣብ 1795 ዝጸሓፎ፡ “ኣብ ሓደ ኽፋል ዓለም መሰል ምግሃስ ኣብ ኵሉ ኽፋል ዓለም ዝስማዕ እዩ” ዚብል ንቕሓት ዝጠፍአ ይመስል። ካብዚ ዝኸበደ ድማ ብገለ መዳያት፡ ከከም ምቹእነትካ ንኣህጉራዊ ሕጊ ምውካስ እዩ። ከድይለይካ ትጥሕሶ ከድልየካ ድማ ትውከሶ።

ሕቶ፡- እንታይ ኢኹም ትውከሱ ዘለኹም?

ኣነ ዝጠቅስ ዘለኹ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ተቖጢዑን ዝንቀሳቐሰሉን ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ዘይገብሮ-ወይ ኣዝዩ ዝያዳ ድኹም ዝገብሮ-እዚ ድማ ጥሕሰት ሕጊ ክቕጻዕን ካልኦት ክጽወሩን፡ ሰላማውያን ግዳያት ክሕዘነሎምን ካልኦት ድማ ከም “ጎናዊ ዕንወት” ዝቑጸሩን ጦብላሕታ ዝፈጥር ምዃኑ እየ ዝጠቅስ ዘለኹ።

ዝሞቱ ቀዳማይ ደረጃን ካልኣይ ደረጃን ዝውሃቦም፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ካልእ ኣህጉር፡ ወይ ኣብ ፍሉይ ሃገር ስለ ዝተወልዱ ጥራይ፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ናይ ምንባር መሰል ዘለዎም ሰባት የለዉን። ኣገዳስነት ናይቲ ምኽባር ኣብ ኩነታት ወይ ኣብ ወተሃደራውን ስነ መላዊ ኣቀማምጣን ረብሓታት ክምርኮስ ዘይክእል ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክዝክር እፈቱ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ናይ ሰላማውያንን በርገሳውያን መሓውራትን - ከም ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣባይቲ ሕክምናን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን - ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝሳተፍዎ ኩሉ ዓይነት ምትእትታው ብሓይሊ ደጊማ ትኹንን፣ መትከል ዘይግሃስ ክብሪ ሰብን ቅድስና ሕይወትን ኩሉ ግዜ ክሕሎ ትሓትት።

ሕቶ፡- ነዚ ሓድሽ ቅልውላው እንታይ ናይ ሓጺር ግዜ ተስፋታት ትርእዩ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 መጋቢት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ሓላፍነት ጻውዒት ክስማዕን ልቢ እቶም ውሳነ ዝህቡ ሰባት ክሰብርን ተስፋ እገብርን እጽልን። እቲ ድምጺ ኣጽዋር ኣብ ቀረባ እዋን ከቋርጽን ናብ ዘተ ክንምለስን ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ብጹዕነቶም ብምዝኽኻር፡ ዘተ ዘለዎ ዓሚቝ ትርጉሙ ባዶ ክንገብሮ የብልናን: ብትዕግስትን ቆራጽነትን እናሰራሕና ኣብ ጭቡጥ ውጽኢት ንኽበጽሑ ዘድሊ ግዜ ምፍቃድ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኣህጉራዊ ስርዓት ካብቲ ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ምስ ምምስራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነደፈ ኣዝዩ ከምዝተቐየረ ክንኣምን ይግባእ።

ብዘይ ናፍቖት ሕሉፍ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕጋውነት ኣልቦነት ኣህጉራውያን ትካላት ምቅዋምን፡ ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብስነ ሜልዊ ዝምድናን ፖለቲካን ንዘጋጥመን ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ልዕለ ሃገራዊ ስርዓታት ምሕያልን ምድንፋዕን የድሊ።

ሕቶ፡- ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ እንታይ ተስፋ ኣሎ?

ክርስትያን ኣብቲ ኣብ ጌተሴማኔ ንጴጥሮስ ሰይፉ ናብ ሰገባኡ ኼእትዎ ዝኣዘዞን ኣብ መስቀል ከኣ ነቲ ዕዉርን ትርጕም ዘይብሉን ዓመጻ ዜስዕቦ ራዕዲ ብዓይኑ ዝረኣየ ኣብቲ ሰብ ዝኾነ ምኣምላኽ ስለ ዝተኣማመኑ ተስፋ ይገብሩ እዮም። ውግእን ዕንወትን ምጥርጣርን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ምድንጋርን እናሃለወ ኽነሱ ካብ ብዙሓት ክፋላት ዓለም ሰላምን ፍትሕን ዝጽውዑ ድምጽታት ይስማዕ ስለ ዘሎ ተስፋ ይገብሩ።

ህዝብና ሰላም ይደሊ ኣሎ! እዚ ጻውዒት እዚ ነቶም ሃገራት ዝመርሑን ኵሎም እቶም ኣብ ኣህጉራዊ ርክባት ዚዓዩ ሰባትን ኬለዓዕሎም ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ንሰላም ዚገብርዎ ጻዕርታት ኬስፍሑ ኺምሕጸኖምን ዝድርኾምን ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 Mar 2026, 15:13