ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፦ በዓል ትንሳኤ ዕሽነት ውግእ ዘብቅዓሉ እዋን እዩ ካርዲናል ፓሮሊን፦ በዓል ትንሳኤ ዕሽነት ውግእ ዘብቅዓሉ እዋን እዩ  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፦ በዓል ትንሳኤ ዕሽነት ውግእ ዘብቅዓሉ እዋን እዩ

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ሃዋርያዊ ቤተ - መጻሕፍቲ ቫቲካን ኣብ እተካየደ ዓውደ መጽናዕቲ ተክለ ሰብነት ኣልቺደ ደ ጋስፐሪ፡ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት እንተ ወሓደ ኣብ ውሽጢ ቅዱሳት ቦታታት ሰሙነ ሕማማት ክበዓል ተስፋ እገብር ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነዚ ዕሽነት ዝኾነ ውግእ መወዳእታ ግበሩሉ!” ነዚ ዝበሉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጐድኒ እቲ ዕለት 26 መጋቢት ኣብ ቤተ - መጻሕፍቲ ቫቲካን ንናይ መንግስታዊ ኣካል ዝነበረ ኣልቺደ ደ ጋስፐሪ እተወፈየ መዓልቲ መጽናዕቲ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ክኸውን እንከሎ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ከቢድ ቀይድታትን ድሩትነትን ዝተገብረሉ ሰሙነ ሕማማት ንምብዓል እትዳሎ ዘላ ቅድስቲ መሬት እናሓሰቡ፡ "እንተ ወሓደ ኣብ ውሽጢ" ከም ቤተ - ክርስትያን ቅዱስ መቓብር ዝኣመሰሉ ቕዱሳት ቦታታት "ጽምብላት ሰሙነ ሕማማት ክኽበር" ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ንበዓል ትንሳኤ እናጠመቱ ድማ ዓመጽ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ "በዓል ትንሳኤ በዓል ሰላም እዩ፡ ሰላም እቲ ዝተንስአ ጐይታ እዩ፡ ስለዚ ነዚ ዕድመ እዚ ንምሕዳስን ነቲ ዕሽነትን ጽላለን ዝኾነ ውግእ ደው ንምባል ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ" ይብሉ።

ኣብ ኢጣሊያ ንሓባራዊ ረብሓ ምታሕብባር

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ናብ ናይ ኢጣሊያ ፖለቲካ ኣቕኒዖም፡ ውጽኢት ናይቲ "ኣይፋል" ዝብል ድምጺ ዘዓወተ ናይ ኢጣሊያ ቤት ፍርድን ፍትሕን ንምሕዳስ መንግስቲ ዘቕረቦ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ዝነጸገ ህዝባዊ ውሳኔ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ "ብዛዕባ ጉዳያት ኢጣልያ ምዝራብ ኩሉ ግዜ ኣጸጋሚ ምዃኑ" ኣመልኪቶም፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋታት ነቲ መንግስቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ብህዝባዊ ውሳኔ መልሲ ንምሃብ ዘርኣይዎ "ዓቢ ተገዳስነትን ተሳትፎን" ተወኪሶም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ጽሚጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎ ህዝቢ ዘርኣዮ ተሳትፎ ንዅላትና ዘገረመ ይመስል፡ “ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ "ብሓቂ ከም ዜጋ ነቲ ዘሎና ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ምጥቃም ጥበባዊ ተግባር እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣረኣእያ ክህልወካ ባህርያዊ እዩ። እቲ ተሳትፎን ወጽኢትን ነቲ ዝቐረበ ናይ ሕጊ ንድፊ ዝተወሃቦ ዝተፈላለየ ትርጉም መሰረት ዝገበረ እዩ - ቢሎም - ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኢጣልያ ዘሎ ገለ ፖለቲካዊ ውጥረት ኣብ ግምት ብምእታው "እዚ ዅሉ ንሓባራዊ ረብሓ እታ ሃገር ዝያዳ ስኒትን ምትሕብባርን ንኽህሉ ክሕግዝ" ተስፋ እገብር። ይኹን እምበር ውጥረት "ንረብሓ ሕብረተሰብን ሃገርን ስለ ዘይጠቅም" ብርግጽ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ሰባት ነዚ "ብፍላይ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ እተሓላለኸን ዘሳቕን ህሞት ተጠቒሞም ምትሕብባር ንምፍጣር ኪጽዕሩ" ይምሕጸኑ።

ንመንእሰያትና እንታይ ክብርታት እዮም ዘነቓቕሑ?

ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢጣልያ ዘተኮሩ ካርዲናል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ በርጋሞ ሓንቲ መምህር ብወዲ 13 ዓመት ተማሃራይ ብኻራ ከም እተወግአት ዝተነግረ ሓበሬታ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ እንክህቡ፡ "ነዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብእተኻእለ መጠን ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ተርእዮታት እዚ ክንላኸልን ደው ንምባልን ዘኽእል ናይ ምቍጽጻር ምትእትታው ክግበር ኣድላዪ ኢዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብመሰረቱ እዚ ድማ ንክቡራት ዋጋታት ዝምልከት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “መንእሰያትና ዝድረኹሉ ክብርታት እንታይ እዮም? እዚ ዓይነት ምብልሻዋት ንኸይፍጠር ዝከላኸሉ ናብ መንእሰያትና ነመሓላልፎም ዘለና ክብርታት እንታይ እዮም?” እንክብሉ ሕቶ ብምቕራብ፡ “እዚ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ዝምልከት እውን እዩ - ቢሎም - ኣብያተ ትምህርቲ “ንሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን ንሓድሕድና ክንከባበርን ሓነጽቲ ዜጋታት ክንከውንን እንመሃረሉ ቦታታት” ክኾና ተስፋ እገብር” ኢሎም።

ቅዳሴ ዓውደ ውግእ ክኸውን የብሉን

ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጥንታዊ ብቛንቋ ላቲን ዝፍጸም ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታም ዝተነብሮ ቅዱስ ኣቦና ናብ ፈረንሳ ጉባኤ ጳጳሳት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ መኽፈቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝካር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሊጡርጊያ ብዝምልከት ካልእ ቁስሊ ዝኸፍት ቑስሊ ይቕጽል ኣሎ” እንክብሉ ስክፍታኦም ዘካፈሉሉ ሓሳብ ኣስተብሂሎም፣ ኩሉ ሰብ “ነቶም ብቕንዕና ምስ ጥንታዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ (Vetus Ordo) ዝተኣሳሰሩ ብለጋስነት ክሕቆፉ” ቅዱስነቶም ከም ዘተባብዑ ድማ ሓቢሮም፡ “ስርዓተ ቅዳሴን ሊጡራጊያን ጠንቂ ግርጭትን ምፍልላይን ክኸውን የብሉን፡ ሕጋዊ ድሌታት ከማልእ ዝኽእል ቀመር ምርካብ” ኣገዳሲ እዩ። ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ድማ ኣለኒ፣ ስርዓተ ቅዳሴ (ሊጡርጊያ) ናይ ውግእ ዓውዲ ከይከውን መታን” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

27 Mar 2026, 14:34