ካርዲናል ጉጀሮቲ፦ ዓርቢ ስቕለት ዝእከብ ምጽዋት ኣብታ ብውግእ ዝዓነወት ቅድስቲ መሬት ተስፋ ይህብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዓርቢ ስቕለት ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን ምጽዋት ተኣኪቡ፣ እቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ ነቲ እታ ኣብ ዙርያ ቅዱሳን ቦታታት ቅድስቲ መሬት እትርከብ ቤተክርስቲያን እትገብሮ ዕዮ ክድግፍን ኣብ ዕቃቤ ቅድስቲ መሬት ንክኸውን ይለኣኽ።
ትማሊ ሰኑይ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ጉጀሮቲ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
"ሰላም ኣብ መወዳእታኡ ህይወትን ተስፋን ኣብ ቅድስቲ መሬት ከስፍን ተስፋ ንገብር ነበርና!" በሉ። "ዘተን ስምምዓትን እናዛየዱ እኳ እንተ ኸዱ፣ እቲ ኣጽዋር ግን ስቕ ኣይበለን" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ መልእኾቶም፣ ሰላም እኳ እንተ ተኣወጀ ደቂ ሰባት ይሞቱ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፣ ክርስትያን ምእመናን ክስደዱን ቈልዑን ህጻናትን ድማ ብዘይ ትምህርቲ ክተርፉን ገይርዎም ኣሎ በሉ።
ነቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ንቝስሊ እታ ብዓመጻ እተበታተነት ዓለም "ንምዝናንን ንምክንኻንን" ዝገበርዎ ጻዕሪ እውን ኣመስገንዎም።
"ንሕና ክርስትያን ምእመናን ግና ተስፋ ክነቋርጽ ኣይንኽእልን ኢና፣ ከመይሲ ኣምላኽ ተስፋና እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ኣሕሊፉ ኣይህበናን እዩ" በሉ። ወሲኾም ድማ ንህይወት እቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብሩ ዘለዉ ክርስትያን ንምድጋፍ፣ እዚ ዝእከብ ምምጽዋት ንእሽቶ ክመስል ዝኽእል እኳ እንተ ዀነ፣ ከም ሓቁ እኳ ደኣስ "ብትርጕሙ ወሳኒ" እዩ።
"እዚ ግብሪ ምሕረት እዚ ንዓታቶም ኣገዳሲ እዩ፣ ነታ ንነዊሕ እዋን ንህይወት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኣየ ቦታታት፣ እትዕቍብ ቅድስቲ ምድሪ ድማ ኣገዳሲ እዩ" በሉ። "ንዓና እውን ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ ብዘይ መስዋእቲ ወይ ብዘይ ሓቀይና ለውጢ ንነብር እንተ ደአ ኮይና፣ ኣብ ቅድሚ እታ ሃልሃልታ ዝመልአት ዓለም ዘይግድሰና ኢና እንኸውን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ጥፍኣ ተሓባበርቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና" ክብሉ ድማ ኣጠንቀቑ።
ኣብታ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ዝሞተላ መዓልቲ፣ ምጽዋት ኪእከብ እንከሎ ክርስትያን ምእመናን "ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ፍጥረት ዘዳለዎ መደብ" ንምንጽብራቕ እጃሞም ክገብሩ ከም ዘኽእሎም ድማ ገለጹ።
"ስለዚ ንቅድስቲ መሬትን ንብዙሓት ካልኦት ዝዓነወ ዞባታትን ሓባራዊ ሓላፍነትና ንምግላጽ፣ ምስ ኩነታት ሕዝብኹም ዚሰማማዕ ቃላት ክትጥቀሙ እምሕጸነኩም ኣለኹ" በሉ። "ስእልታት ብምርኣይ፣ ንንቕሓቶም ኣማዕብሉ ከምኡውን ነቲ መዓልታዊ ቓልሲ እቶም ኣብ መረበቶም ክጸንሑ ዝኸኣሉ ንኣሽቱ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዝገልጽ ብዙሕ መጋበሪታት እውን ተጠቐመሉ" ክብሉ ተላበው።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ቀጺሎም፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰላም ንምድጋፍ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ስለ ዝህቡ፣ ንምጽዋት ቅድስቲ መሬት ኣብ ዘለዎም ተገዳስነት ተስፋ ከም ዝገብሩ እውን ገለጹ።
ብፁዕነቶም ምስቶም ኣብ ዓዶም ውሑዳት ዝዀኑ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዝገበርዎ ብዙሕ ርክባት ብምዝካር መዓልቲ መዓልቲ ዝነብሩሉ ቦታ “ንረክብ ዶ ንኸውን” ክብሉ ከም ዘተሓሳስቦም ገለጹ።
ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣስዒቦም፣ "ናይ ምጽንናዕ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ጭቡጥ ተስፋ ንኽንህቦም ሓግዙና፣ ከመይሲ ንሕና እንበጽሖም ሰባት ምስ ዘለውዎ ኩነታት ክንቅጽል ኢና፣ ክርስትያን ብምዃኖም እውን ከይተረፈ ኸይጠፍኡ ኢዮም ዝፈርሑ ዘለዉ" ድማ በሉ።
ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ጉጀሮቲ ንካቶሊካውያን ምእመናን፡ ነቲ ዕዮ ናይቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብሩ ዘለዉ ፍራንቸስካውያን ንምቕጻል ዝገበርዎ ኣበርክቶ ትቒሶም እውን ኣመስገኑ።
"እቲ በብመዓልቱ በቲ ፍራንሲስካውያንን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባትን ዘገልግሉ ብዋጋ ዘይትመን ዕዮ ዝዕቀብ ጥርናፈ ኣብ ውቅያኖስ ከም ሓንቲ ነጠብጣብ ክመስል ይኽእል ኢዩ" ድማ በሉ። "ይኹን እምበር ውቅያኖስ እውን ነጠብጣብ ብምስኣን ምድረ በዳ ይኸውን ኢዩ" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።