ካርዲናል ደ መንዶንሳ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግጥሚ፡ 'ግጥሚ ኣብ ጎኒ ሰላም'ዩ!” ካርዲናል ደ መንዶንሳ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግጥሚ፡ 'ግጥሚ ኣብ ጎኒ ሰላም'ዩ!” 

ካርዲናል ደ መንዶንሳ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግጥሚ፡ 'ግጥሚ ኣብ ጎኒ ሰላም'ዩ!”

ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ - ገጣምን ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግጥሚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መንጎ ግጥማዊ ስነ ጥበብን ሰላምን ዘሎ ምትእስሳር የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ግጥሚ ሓደ ካብቶም ዝዓሞቑ መልክዓት ምስማዕን ካብ ስቕታ ዝብገስን ብምዃኑ ገጠምቲ ካብ ጸሓፍቲ ንላዕሊ ምስቲ ዝርአን ዘይርአን ዓውድታት ኣድማስ ዝመዓራረ ትርጉም ከቕርቡ ይጠልብ። ካብዚ ምስጢራዊ ዘተ ምስ ፍጥረት፡ እቲ ቃል ብድምጺ ገጠምቲ ኣቢሉ ቅርጺ ይሕዝ። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስኻ ቦታ ናይ ምፍጣር ክእለት ንግጥሚ ናብ ትምህርቲ ንሰላም ይቕይሮ።

ግጥሚ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ንጡፍ ትርጉም፡ ብርሃን ይኹን ጸልማት የበራብር። ግጥሚ ኣብ ምግራም ስለ ዝዋሳእ ዕጥቁ ዝፈተሐን ዕጥቂ ዘፍትሕን ቃላት የቕርበልና። ግጥሚ ንስነ-ጥበብ ሰላም ቅድመ ኩነት እዩ - ቢሎም - እቲ ብውድብ ትምህርትን ስነ ፍልጠንት ባህልን ወድብ ሕቡራት ሃገራት - UNESCO ኣብ 1999 ዕለት 21 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ግጥሚ ክኸውን ብዘመሓላለፎ ውሳኔ፡ ስነ ጥበብ ግጥሚ ነታ ብኲናት ኣብ ሓደጋ እትወድቕ ዘላ ዓለም ንእተቕርቦ ሕቶታት ዝምልስ ምዃኑ ግሊጾም ከም ገጣሚ ድማ “ግጥሚ ጎኒ ሰላም እዩ” እንክብሉ ኣጽኒዖም የጒልሑ።

ምስ መጻኢ ዝግበር ውዕል

ጥንታዊ ምትእስሳር ንግጥማዊ ስነ-ጥበብ ምስ ሓቂ የራኽቦ ዝበሉ ካርዲናል ደ መንዶንሳ ናብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ፈረንሳዊ ገጣሚ ቻርለስ ቦውደለር ምልስ ቢሎም፡ "ግጥሚ ንልቢ ዕራቑ ይገብሮ፡ ዕርቃን ልቢ ድማ፡ ናብ ዓበይቲ ሕቶታት ሰብኣዊ ፍጥረት የቕርብ፡ ናብ ሓቂ ዘቅርብ መገዲ ይጸርግ። ዓቢ ገጣሚ ፖል ሴላን፡ 'ሓቀይና ኣእዳው ጥራይ እየን ሓቀይና ግጥምታት ዝጽሕፋ'" ከም ዝበሎ እዩ። ኣብ ህውከት ዘመናውነት ግጥማዊ ቓላት ንጽኑዕ መንፈስ ደቂ ሰብ የረጋግጽ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ "ሓደስቲ መልክዓ ምድሪ ተስፋ ምሕንጻጽ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ንኣገዳስነት ግጥሚ ይዝክሩ፡ "ዝዀነ ይኹን ቀመራዊ ምዕሪት ነቲ ንትምህርቲ ሰብኣዊ ዚገብሮ ነገር ኪትክኦ ኣይክእልን እዩ፦ ግጥሚ ዋዛ ፍቕሪ ስነ - ጥበብ ናይ ርኽበት ሓጎስ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጌጋ ትምህርቲ ኸም ኣጋጣሚ ንዕቤት ገይሩ የቕርቦ።

ምስዚ ብዝምልከት "እቲ ቀመራዊ ምዕሪት ኣብ ምድግጋም ይስስን። ንዝሓለፉ ስጉምትታት ዳግማይ ንምትግባር ዝሕግዝ መተግባሪ፡ ኣእምሮ ዘይብሉ ኣገባብ ክኸውን እንከሎ፡ ግጥሚ ድማ ናብቲ ገና ዘይተኸዶ መንገዲ፡ ናብቲ ዘይተረኽበ መንገዲ ይኸፍተና። እዚ ነቲ ዘይተነግረን ዘይተባህለን ምድላይ እዚ ኣብ ዓለም ዝነብር ዘይተሰምዐ፡ ሃብቲ እዩ።

"ሓደ ሰብ ግጥሚ ክጅምር እንኮሎ፡ ካብኡ እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈልጥን እዩ፡ እቲ ዘይምፍላጥ ድማ ኣብ ህንጸት ገዛእ ርእስና ሰብኣዊ ርእሰማል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዓቢ ሓደጋ ናይቲ ቀመራዊ ምዕሪት እንታይ እዩ? ካብ ሰብኣውነት ነቲ ዝከኣል ናይ ምሕሳብ ክእለት ይገፍፍ - እቲ ገና ዘይኮንናዮ ግን ከኣ ብርክብ፡ ዝምድና፡ ህያብን ምስጢራዊ ኣቀራርባ ናብ ሓደ ልዳት ከነብል የኽእለና። እቲ ቀመራዊ ምዕሪት ግን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ትማሊ ይዛረብ፤ ግጥሚ ግና ምስ መጻኢ ውዕል ዘለዎ እዩ" ይብሉ።

ሓዊ ዝመስል ብሕትውና ገጠምቲ

"ግጥሚ ይንበር!" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ፍራንቸስኮ ዘርእስቱ መጽሓፎም እዚ ጥበብ እዚ ኣብ "ሰብ ምዃን" ዘለዎ ኣገዳስነትን ከምኡ'ውን ኣብ ሕንጸት ካህናት ዝጻወቶ ግደን የዘኻኽሩና፡ ካብዚ ነጥቢ እዚ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ሓዊ ዝመስል ብሕትውና ናይ ገለ ግጥማዊ ታሪኽ ህይወት፡ ዓቢ ትምህርቲ ከምዘሎ" የረጋግጹ። ብዛዕባ እቲ ንገዛእ ርእሱ እሙን ንምዃን ዝቃለስ ዝነበረ፡ ‘ንዅሉ ዓበይቲ ተመክሮታት ህይወት ናብ ግጥማዊ ስፍሓት ማለት ናብ ስፍሓት ሕልናን ምስትውዓልን ንምምጻእ ዝጽዕር ዝነበረ ፖርቱጋላዊ ገጣሚ ፈርናንዶ ፐሶኣ ይጠቕሱ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ካብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ምምምላሶም፡ ምዕራባዊ ዓለም ከመይ ጌሩ ካብ ምብራቓዊ ዓለም "ንነገራት ብግጥሚ ክትጥምት" ከም ዝኽእል የስተብህሉ። ግጥሚ እውን ዘገምታውነት እዩ። ቅድሚ ህይወት ዝግበር ስርዓት እውን እዩ። ኣምልኾ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ናብ ቅዱስ ከም እንቐርብ ከነስተውዕል ዝገብር እዩ። ንኣስተንትኖን ስቕታን ዋጋ ምሃብ ማለት እዩ። በዚ መንጽር ግጥሚ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል" ይብሉ።

መጋበርያ ሕንጸት

ኣብ መዛዘሚ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ዕለት 27 ለካቲት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማንን ሕልሚ ጀሮንቲየስ (ኣረጋዊ) ብዝብል ኣርእስታ ዝደረሳ ግጥሚ ጠቒሶም፡ ብመሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ንሞትን ፍርዲ ጀሮንቲየስን ከም ንብርሃን ካብ ሕብሪ ቀስተ ደመና ክፈላሊ ዝኽእል ስሉስ ኩርናዓዊ ቅርጺ - ፕሪዝም ተጠቒሙ ኣንባቢ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍርሒ ሞትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘይብቑዕነት ስምዒትን ከስተንትኑ ይመርሖም።

እዚ ቅዱስ፡ ቲዮሎጊያዊ፡ ኣፍቃሪ ግጥሚ ብዙሕ ዝምህሮ ኣለዎ። "ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ኣብ መሰረት ዘመናውነት ወሳኒ ተራ ይጻወትን ንሰላም ንትምህርቲ ብዕምቆት ዝተወፈየ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ካብቲ ዝሓለፈ መረጋገጺ፡ ፍልጠት ክረክብ ይደሊ፡ ነቲ ሕድሪ ድማ ከማሓድር፡ ኣብ ውሽጡ ከስርጾን፡ ናብ ጸዓት ራእይ፡ ዕላማ፡ ከምኡ'ውን ብሓላፍነት ኣብ ዓለም ናይ ምንባር ክእለት ክቕይሮ ኣለዎ" እንክብሉ ብምምልካት፡ በዚ መንጽር ስነ-ጽሑፍን ግጥምን እውን ኣገደስቲ መምሃሪ ሃብታት እያቶም።

ኵላዊ ቤት ትምህርቲ

ኢጣልያዊ ገጣሚ ዳቪደ ማርያ ቱሮልዶ ኣብ 1991 ንመንእሰያት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ምናልባት ሰላም ዝብል መርሕ ቃል እቲ ኣዝዩ ሰውራዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝኸበደ ክኸውን ከም ዝኽእል የጒልሕ። ሰላም 'ንሕና' ይምህረና"። ብዛዕባ ሰብኣውነት ከም ናይ ሓባር ውርሻ ይዛረብ።" ብዙሕ ግዜ ክንመቓቐል፡ ሓደ ቋንቋ ኣንጻር ካልእ ክንገብሮ ስለ እንፍትን፡ ኣብዚ እዩ እቲ ሕልኽልኻት ደው ዝብል። በዚ መንጽር እዚ ግጥሚ ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ይምህረና፡ ምኽንያቱ ንዶባት ኣህዛብ ዝሰግርን "ከም ዓቢ መኽዘን ሰብኣውነት ስለ ዝኾነ። ስነ - ጽሑፍ ንኣድማሳዊ ዋጋ ስለ ዝህብን እቶም ዓበይቲ ሓሳባት፡ እቶም ኣዝዮም ጽቡቓት ምስልታት፡ ብሓቂ ደራሲ ከም ዘይብሎም ስለ ዝርዳእን ኵላዊ ቤት ትምህርቲ እዩ። ብዙሓት ገጠምቲ ግጥሚ ኣቐዲሙ ዝነበረ ምዃኑን ከምኡ’ውን ክንቃንዮን ክንሰምዖን ከም እንኽእል ይኣምኑ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ሰላም ይዛረበና፡ ምኽንያቱ እቲ ተጻራሪ ራእይ ወይ ናተይ ዝብል ኣበሃህላ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ጽቡቕ ዝኾነ ኣስተንትኖ፡ ምግራም፡ እቲ ናይ ኩሉ ዝኾነ ስለ ዘረጋግጽ" እንክብሉ የብርሁ።

ብዘይ ስቕታ ግጥሚ የለን

ግጥሚ ብዘይ ስቕታ ኺህሉ ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንገጠምቲ ዝፍትኖም እዩ። ቃል ብቐዳምነት ኣብ ስቕታ ምስ ዝቐውም ጥራይ እዩ ኺዓቢ ዚኽእል። ኣብ ግጥሚ ገና ስቕታ ኣሎ ምኽንያቱ ስቕታ ምስማዕ ማለት ስለ ዝኾነ። ምቕባል ኣጋይሽ ማለት ስለ ዝኾነ። ስለዚ ግጥሚ ጽምእን ህርፋንን ድልያ ዝዕቅብ ንሓቂ ብትሕትና ዝነብር ግናኸ ዓው ዓው ዘየብል ከምኡውን ዘየገድዶ እዩ። መንበሪ ሓቂ ክኸውን ይፈቅድ ኣብ ጽሞና ድማ ይህልው። ግጥሚ ዝጽበ ቃል እዩ፡ ንኹሉ ብኸመይ ከም እትጽበዮ ዘስተውዕል ቃል እዩ” እንልብሉ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

23 Mar 2026, 15:23