ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ኩዌት፦ 'ነዊሕ ኲናት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይጠቅምን እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደድሕሪ እቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ እተላዕለ ሃንደበታውን ከቢድን ውግእ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዩጂን ኑጀንት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ኩዌት ባህሬን ካታርን፣ ብዛዕባ እታ ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ዘለው ዓሚቝ ሓዘን ኣመልኪቶም፣ ህጹጽ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም። ደድሕሪ እቲ ንህይወት ወጻእተኛታት ዝቐዘፈን ከምኡውን ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን መሳለጥያታት ዒላማ ዝገበረ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት፣ ምእመናን ድሙቕ መብራህቲ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ኪዀኑ ተጸዊዖም ኣለዉ ክብሉ እውን ኣመልከቱ። ኣብ መንጎ እዚ ብርቱዕ ድምጺ ኣጽዋር፣ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ብጸሎትን ብጾምን ሓድነትን ክትሕብር ምሕጽንታ ተዋሂብዋ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ዘየቋርጽ ምሕጽንታ ብምስምማዕ፣ ንሰብኣዊ ረብሓ ዘይጠቅም ዝኾነ ኲናት ደው ንኽብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ኣቃልሑ።
ግዝያዊ ውግእን፡ መጥቃዕትታት መሰረተ ልምዓትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ
ብዕለት 28 ለካቲት ሃንደበታዊ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ጂኦፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ወሽመጥ ዓረብ ኣጸቢቑ ተጋዲዱ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ ንግስነት ኩዌት ከምኡውን ባህሬን ሓሙሽተ ወጻእተኛታት ብዜሕዝን መገዲ ተቀቲሎም፣ ኣብ ከተማታት ዱባይ ኣቡ ዳቢ ዶሃ ከምኡውን ማናማ ድማ ሓደስቲ ነትጒታትን ደብዳባትን ይስምዑ ኣለዉ። ኣብ ኩዌት እቲ ዅነታት "ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዘስደምም መንገዲ እናገደደ ይኸይድን ኣሎ" ክብሉ ድማ ነቲ ኩነታት ገለስዎ። ኣገደቲ ትሕተ ቕርጺ ከቢድ ዒላማ ተገይሩሎም ኣሎ፣ ብነፈርቲ እተፈነወ መጥቃዕቲ ድማ ኣብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ከቢድ መጉዳእቲ ኣውሪዱ ኣሎ፣ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት፣ እንተላይ እተን ኽልተ ነፈርቲ ኣመሪካ ዝወደቓሉ መዕርፎ ኣየር "ኣሊ ኣል ሳሌም" ኣብ ጐድኒ ቀዳማይ ተርሚናል ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ዝኾነ ቀንዲ ዒላማ ዀይኖም ኣለዉ።
ውሕስነት ቤትጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር
ብሓልዮት ኣምላኽ እታ ኣብ ህዱእ ዞባ ሻዓብ ኩዌት እትርከብ ቤትጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ በቲ ኣብቲ ከባቢኣ ዝወረደ ዓመጻ ኣይተጐድአን ዘላ። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኑጀንት ከም ዝገለጽዎ እቲ ኤምባሲ ኢራን ዝርከበሉ ዲፕሎማስያዊ ኣውራጃ ብተዛማዲ ቐረባ እኳ እንተ ዀነ፣ እቲ ከባቢ ግን ሰላማዊ ኩነታት ኢዩ ዘለዎ። እቶም ዲፕሎማስያውያን ሰራሕተኛታት እዚ ዘስግእ ኵነታት እናሃለወ ኽነሱ፣ ህድኣት ዘለዎም ብምዃኖም ነቲ ኣገዳሲ ጕስነታውን ግዝያውን ዕዮኦም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ዲፕሎማስያውን ጂኦፖለቲካውን ሕልኽላኻት
እቲ ሃንደበታዊ ኩነታት፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ምይይጥን ሰላማውን ሓባራውን ናብራ ንዜተባብዓ ሃገራት ኣሰምቢድወን እዩ ዘሎ። እዞም ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ "ኣብዚ እዋን እዚ፣ ድምጺ ደብዳባትን ቦምብታትን ቅልውላው ፈጢሩሎም ኣሎ"፣ እንተዀነ ግን "ባህላዊ ሜላታት፣ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ክንፍትን ኣሎና" ብምባል እውን ኣጕልሑ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘሎ እተሓላለኸ ኣብ መንጐ ውሽጣዊ ጕጅለታት ዘሎ ዅነታት፣ ዓሚቝ ጸገም ከም ዘሎ ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ ብፍላይ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢራን ዘተ ክግበር ከም ዝኽእል ዝሕብር መግለጺ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዘተ ክጅመር ይኽእል ኢዩ ዝብል ጥንቃቐ ዝመልኦ ተስፋ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኑጀንት፣ "ነዊሕ ኲናት ንዋላ ሓደ ኣይጠቅምን ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ድሮ ብብዙሕ ግጭታት እተፈተነሉ ዞባ፣ ንዋላ ሓደ ኣይጠቅምን ኢዩ" ብምባል ኣትሪሮም ገለጹ።
ጕስነታውን ዲፕሎማስያውን ሳዕቤናት
እቲ ዓመጻ ንክብሪ ደቂ ሰባትን ስድራቤታትን ኣጸቢቑ ዝጐድእ ብምዃኑ ድማ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2022 ኣብ ባህሬን ዝሃብዎ ትንቢታዊ ማዕዳ የጕልሕ በሉ፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ፣ "ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ደቂ ሰብ ንብምሉኡ ኣብ ክንዲ እንከናኸን ብሓዊ ብሚሳይልን ቦምባታትን ኢና እንጻወት ዘሎና" ብምባል ኣጠንቀቑ። ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣልዶ በራርዲ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ሰሜናዊ ዓረብ ዘሎ ሕውነታዊ ብምትሕብባር ብምምልካት፣ እዞም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከም ዘመልከተዎ፣ እቲ ኣብ መንጎ ዓቢይ ጾምን ጾም ረመዳንን ዘሎ ናይ ንስሓ ወቕትታት፣ ነዚ ዞባ እዚ ዓሚቝ መንፈሳዊ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፈተሉ ኣጕልሑ። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኑጀንት ኣስዒቦም "ክርስትያን ምእመናንን ሰዓብቲ እምነት እስልምናን ኣብ ግዜ ጾምን ጸሎትን ኢዮም ዘለዉ" ብምባል ንኣምላኽ ውህበት ሰላም ንኽህቦም ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፣ ሓድነት ከም ዘለዎም ገለጹ። ምእመናን እኳ እንተ ተናወጹ ብፍላይ ካብ ድንግል ማርያም ዘምድረ ዓረብ ኣማላድነታ ክምሕጸኑ ኣተባብዕዎም። ከምቲ ብፁዕነቶም ዝገለጽዎ፣ "እዚ ውግእ መወዳእታ ክረክብ ዝኽእል ናብ ወዳ ብእትገብረልና ኣማልድነት ኢዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
ኣብ መደምደምታ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማስያዊ ንቑሓታን ጉስነታዊ ሓልዮታን ከም እትቕጽል ብምርግጋጽ፣ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምስቶም ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዘለዉ ምእመናን ብጽኑዕ ዘተን መለኮታዊ ጸጋን ደቂ ሰብ እንደገና "ሕውነት ክደልዩን ሓባራዊ ባይታ ክረኽቡን" ከም ዝኽእሉ ብምምሕጻን፣ ልባዊ ጸሎታ ከም እትቕጽል እውን ኣረጋገጹ።