ቅድስቲ መንበር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ትጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጀነቫ ኣብ ዝርከቡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባለስትረሮ ዕለት 26 መጋቢት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዓመጽ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ዓሚቝ ስክፍታ ገሊጾም፡ እቲ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውን ሰብኣዊ መሰላትን ከቢድ ሳዕቤናት ዘለዎ ምዃኑ የጠንቅቑ።
ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ ኣስዒቦም ሓሳቦም ብዛዕባ "ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት" ኣቕኒዖም፡ "ነቶም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝርከቡ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ብዙሓት ሰላማውያንን ንጹሓን ዜጋታትን ቈልዑን ዝፈጥሮ ዓሚቝ ሓዘን ገሊጾም። ኣብ ኣባይቲ ስድራ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃንን ኣባይቲ ህክምናን ትምህርትን መንበሪ ቦታታትን" ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትታት ዘሻቕል ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ ገለ ኻብዚ መጥቃዕትታት እዚ ብሓገዝ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝፍጸም ምዃኑ ድማ ኣዚዩ ዝተሓሳስብ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብጹዕነቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ እቲ ብሰንኪ እዚ ዓመጻ እዚ ዘጋጥም ስቓይ ዕሽሽ ክበሃል ከም ዘይክእል ኣጕሊሖም፡- ግዳያት ናይዚ ግጭታት እዚ ዝዀኑ ብዙሓት ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ሰባት ስቓይ እናሃለወ ኽነሱ ስቕ ክንብል ርኢና ከም ዘይረኣና ክንከው ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ዚጐድኦም ዘበለ ዅሉ ንመላእ ደቂ ሰባት እዩ ዚጐድእ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣቃሊሖም፣ "ሰላምን ርግኣትን ሞትን ዕንወትን ጥራይ ብዘምጽእ ኣጽዋርን ሕነ ምፍዳይን ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ - ቢሎም - ኣክንዳኡስ "ከም ስነ ሜላውን ርክባትን ዘተን ዝኣመሰለ ሰላማዊ መገድታት ምስዓብን ከምኡውን ኣህጉራዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ምሕላውን" ክውን ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም ነዚ ጻውዒት እዚ ብምስምማዕ ቅዱስነቶም ከም ዝበለዎ ኵሎም ወገናት "ነዚ ዓመጻ እዚ ዘይስገር ጋግ ቅድሚ ምዃኑ ደው ንምባል ግብረ ገባዊ ሓላፍነታት ክስከሙ ቅድስቲ መንበር ትምሕጸን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ጸገም ስደተይናታት
ቅድስቲ መንበር ኣቐድም ኣቢላ በታ መዓልቲ እቲኣ ቀዋሚ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘካየዶ መበል 95 ዓውደ ኣኼባ ነቲ ምስ ቀጻሊ ግጭታት እተተሓሓዘ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቓልቦ ከም ዝገበረትሉ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ ብምምልካት፡ "ሰብኣዊ ድሌታት ብዘደንቕ መገዲ እናወሰኸ ይኸይድ እኳ እንተሎ ሓገዝ ንምሃብ እተመደበ ገንዘብ ግን እናነከየ ይኸይድ ኣሎ" እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝ ከም ረቂቕ ጕዳይ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ኣጕሊሖም - "ስደተይናታት ክመሓደሩ ዘለዎም ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ኣይኰኑን። ውልቀ - ሰባት ሰብኡትን ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ነፍሲ ወከፎም ስምን ወጅህን ታሪኽን ዘለዎም እዮም።” ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዘለዎ ጽልዋ ኣጕሊሖም፣ ብዙሓት ካባታቶም “ብዘይ ርጉእ ስድራቤታዊ ሃዋህው፡ ብዘይ ትምህርቲ፡ ዋላ እውን ብዘይ እቲ ተራ ዝኾነ ምጽዋት ዝፈጥሮ ሓጐስ” ይዓብዩ ኣለዉ ቢሎም - ቅድስቲ መንበር ማሕበረ - ሰብ ዓለም ሓድነት ከደልድል ብፍላይ “ዝበዝሑ ስደተይናታት ኣብ ጎደና ምዕባለ ብዘለዋ ሃገራት ዝተኣንገዱ ብምዃኖም” ዝያዳ ክትግምቶ ዝከኣል ምወላን ናይ ዳግመ - ምጥያስ ዕድላት ክውስኽን ተተሓሳስብ። ኣስዒቦም ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ "ውግእን ዓመጽን ዘይተርፍ ኣይኰነን፣ ኵሉ ሳዕ ካብ ሕማቕ ሳዕቤን ዝመርሕ ስርዓታትን ውሳነታትን ዝምንጩ ኢዩ - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጠቒሶም "ጽልእን ሕነ ዝመልኦን ቛንቋ" ደው ክብልን ንዝተ ሓድሽ ቈራጽነት ክግበርን ጻውዒት ኣቕሪቦም - "ርግኣትን ሰላምን ብሓባራዊ ምፍርራሕ ወይ ኣጽዋር ብምጥቃም ዘይኮነስ . . . ርትዓውን ቅኑዕን ሓላፍነት ዝስምዖን ዘተ ብምግባር ጥራይ እዩ ዝርከብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኤውሮጳ
ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካልእ ኣተኩሮ ዝገበርሉ ጉዳይ ኤውሮጳ ዝምልከት ኮይኑ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክረይን ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት የቑጽር ምህላውን ሰብኣዊ ሳዕቤናት ከቢድ ምዃኑን ብምዝካር። "ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል እተቕርቦ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ ሰላም ክደናጎይ ኣይክእልን ኢዩ" እንክብሉ ኣጒሊሖም፣ መንግስታት ንስደተይናታት ንምቕባልን ንምድጋፍን ዝገብርዎ ቐጻሊ ጻዕርታት እንኮላይ ግዝያዊ ናይ ምክልኻል ስጕምትታት ንምስፋሕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ቅድስቲ መንበር ሓንጐፋይ ቢላ ትቕበሎ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።