ካርዲናል ቸርኒ ኣብ ቺክለዮ ፔሩ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ንመበል 34 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማን ንምዝካር ከም ፍሉይ ልኡኹ ቅዱስነቶም ናብ ሰበኻ ቺክለዮ ፔሩ ለኣኽዎም። እዚ ሰበካ እዚ ቅዱስነቶም ቅድሚ ናብ ቅድስቲ ምንበር ምቕማጦም ዘገልግሉሉ ዝንበሩ ሰበኻ ኢዩ ዝንበረ።
ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሃሊ ላዕለዋ በትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ደበረ ቅድስቲ ድንግል ማርይም ንግሰተ ሰላም ተረኺቦም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ምስ እዛ ካብ 2015 ክሳዕ 2023 ብጵጵስና ዘገልገልገሉላ መንበሮም ዘለዎም ፍሉይ ርክብ ዘኪሮም።
ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘስተምሃሮ ምሳሌ ብምጥቃስ ድማ፣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኵሉ ሰብ ንስቓይ ካልኦት ሰባት ክጸውር ከም ዚዕድም ገለጹ።
ካርዲናል ቸርኒ ካብቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብምጥቃስ ድማ፣ እቲ ዘሕዊ ፍቕሪ ብብሕታዊ ተመክሮ ተመሪሑ ናብ ሓቀይና ጐደና ተሓድሶ ወይ ከኣ ናብ ስቓይ ካልኦት ሰባት "ምምላስ" ዝብል ኣምር ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
"ፍቕሪ ቲሓቀይና ትርጉሙ ክርኣ እከሎ፣ ናይ ተሓድሶ መስርሕ እዩ!" ድማ በሉ። "'ብዓይኒ ኣምላኽ ምጥማት' ደኣ እምበር ልኡም ኮይንካ ገለ ትንቢታት ብምእዋጅ ወይ ነቲ ዘሕዝን መረረ ብምእዋጅ ዕጋበት ምርካብ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣንፈት ንምቕያር ወትሩ ድሉዋት ምዃንን፣ ደጋጊምካ ናብ ካልኦት ብተስፋ ምኻድ ማለት እዩ።"
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣስዒቦም፣ ንክርስትያን ምእመናን ስቓይ ካልኦት ንህይወትናን መደባትናን ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺቕይሮን ብጸጋ ምእንቲ "ክልውጦ" ክጽልዩ ተማሕጸንዎም።
ብተወሳኺውን ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሕን ርሕራሐን ጠቒሶም፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ሓደ ሰብ ተጸምዶ ንላዕሊ ዝዀነ መርበብ ርክባት ይሰርሕ በሉ።
ካርዲናል ከም ዝገለጽዎ፦ "በዚ መገዲ እዚ ጥራይ እዩ ኣምላኽ ባዕሉ ነቲ ብዙሓት ንዜድልዮም ነገራት ምላሽ ኪህብ ዝኽእል፣ እቶም ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምግልጋል ብዘለዎም ባህጊ ጥራይ ሓቢሮም ስቓዮም ዝስከሙ ሰባት ብንጥፈት ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም" ከአ በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ፣ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ምፍቃርን ነቲ ንብጻይና ዘለዎ ግብራዊ ግድነታት ምግልጋልን ዘሎ ምትእስሳር ከም ዝድግፍ ከአ ኣመልከቱ።
ከምዚ ድማ በለ፦ "ክርስትያን ከም ምዃንና መጠን፣ ንኻልኦት ዘላትና ፍቕሪ ወትሩ ጭቡጥ መግለጺ ናይታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ምዃናን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብመገዲ ፍቕሪ፣ ማለት በቲ ካባና ዝጽበ ሰብ እተዋህበ ፍቕሪ ከይሓለፍና፣ ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ክንምስክር ወይ ክንሓስብ ከም ዘይንከእል ፈጺምና ኽንርስዕ ኣይንኽእልን ኢና።"
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ነቶም ብሕማም ብስጋ ዝሳቐዩ ሰባት፣ ምስ ኣምላኽ ክንራኸብ ጻውዒት ኣቕረቡ።