ራድዮ ቫቲካን ብፍሉይ መደባት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ የብዕል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 13 ለካቲት 2026 ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሬድዮ (WRD)፡ ራድዮ ቫቲካና – ዜና ቫቲካን ብሸውዓተ ቋንቋታት ፍሉይ ተበግሶ ከም ዘዳለወን፡ እዚ ድማ ንመጻኢ ሬድዮ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ምህዞ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ሕብረተሰብን ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎን ዘሎ ርክብ ዘማእከለ ፈነወ ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ራዲዮ ቫቲካን ኣብ 1931 ብውሳነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 እተመስረተን በቲ መሓዚ ራዲዮ ዝኾነ ኢጣልያዊ ጉልየልሞ ማርኮኒ ተመስሪቲን ራዲዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓንደ ኻብተን ኣብ ዓለም ዘለዉ ጥንታውያን መደባት ፈነወ ራዲዮ ንቅድስቲ መንበር ምስ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ዘራኽብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረብ ኮይኑ ዝቖመ ምዃኑን ኣብቲ እዋንን ሎሚ እውን እዚ ካብ ካልኦት ፈነወ ረዲዮታት ፍልይ ዘብሎ፡ ምስ እተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ቋንቋታትን ዝዛረብ እዩ እንክብል ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ሕመረት ናይቶም ዝቐርቡ መደባት እቲ ንመዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ረዲዮ - WRD 2026 ዝተመርጸ፡ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መጋበርያ እምበር ድምጺ ኣይኮነን” ዝብል መርሕ ቃል ክኸውን እዩ። እቲ መደባት ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ክብሪ ሰብኣዊ ሓላፍነትን መመያን ኣብ ርክብ ሓቀይና ድምጺ ዘለዎ ዋጋ ዘዘኻኽር መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2026 ዘማእከለ ኣስተንትኖን ዘተን ዘጠቓልል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ መርሓ ግብርታት ፈነወ ካብ ኣውሮጳ ኣፍሪቃ ላቲን ኣመሪካ ከምኡውን እስያን ዝመጹ ተመክሮታት ናብ ዘተ ዘምጽእን፡ እዚ ድማ ራድዮ ብኸመይ መተካእታ ዘይብሉ መጋበርያ ቅርበት፡ ትምህርቲ፡ ስብከተ ወንጌል፡ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ምህዞን ኮይኑ ከም ዝቕጽል ዘረጋግጽ ምዃኑ የመላኽት።