Radio Vaticana logo Regia 9

ሬድዮ ቫቲካን ብሓድሽ ሙዚቃዊ መለለዪ መበል 95 ዓመት ምድማር ፈነወ ተብዕል

መበል 95 ዓመት ምስረታ ፈነወ ሬድዮ ቫቲካን ንምዝካር ሓድሽ ሙዚቃዊ መለለዪ ተዋዲዱ ኣሎ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት12 ለካቲት 2026 መበል 95 ዓመት ምስረታ ፈነወ ብምኽባር ሬድዮ ቫቲካን – ዜና ቫቲካን ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ረቛሒታት መንነቱ የሐድሶን እንደገና ይጅምርን ኣሎ። በዚ ድማ ወትሩ ንሰማዕቲ ሬድዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዜሰንዮም ዝነበረ ሙዚቃዊ መለለዪ ማለት ናይ ድምጺ መለለዪ ጥቕሲ ብሓዲሽ ሙዚቃ ክትካእ ኢዩ።

እዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ነዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዚ፡ ንባህልን ንዘለናዮ እዋንን ብዜጣምር ምልክትን ንምኽባር ተባሂሉ ዝተዳለወ ኢዩ።

እቲ ሓድሽ ሙዚቃዊ መግለጺ ነቲ ብዓቢይ መምህር ሙዚቃ ፒየርሉጂ ሞረሊ ዝምራሕ ኣሰናዳኢ ጕጅለ ሙዚቃዊ መደባት መምህር ማርሴሎ ፊሎተ ብሕድሪ ተዋሂብዎ አሎ። ክፍሊ ቀዋሚ ስሩዕ መደብ ምዃኑ ድማ፡ ሎሚ ዕለት 12 ለካቲት ንምሉእ መዓልቲ ክፍኖ ውዒሉ ኣሎ።  

እቲ ሓድሽ ናይ ድምጺ መለለዪ ጥቕሲታት፡ ናይቲ ታሪኻዊ ማኅበር መዘምራንን ሙዚቀይናታትን ናይ ክርስቶስ ሰዓሪ ኰይኑ፡ ብፈጠራዊ ዘመናዊ ፍልቀት ዓቢይ መምህር ኣልበሪኮ ቪታሊኒ እተዳለወ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብቲ ተወላዲ ሃገረ ቸክ ዝኾነ ኣቀናባሪ ሙዚቃ ያን ኩንክ ዘዳልዎ ቴማ እተመስረተ ኰይኑ፣ ካብ መጀመርታኡ ፍሉይን ፍሉጥን ክፋል መንነት ናይ ሬድዮ ቫቲካን ዝነበረ ኢዩ።

እቲ በዅሪ ቴማ ክርስቶስ ሰዓሪ ምስ ትውፊት ብቀጥታ ንምትእስሳር ብዘመናዊ ኣገባብ ዳግም ተሰሪሕሉ ኣሎ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ምስ ዘመናዊ ባህልን ስምዒታትን ዚሰማማዕ ሓድሽ ናይ ድምጺ መለለዪ ከም ዜቅርብ ተጌሩ አሎ።

ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ "ሬድዮ ቫቲካን ወትሩ ኣብ ሙዚቃዊ መግለጺ እውን ከይተረፈ ንሙዚቃዊ መንነቱ ዚገልጽ ፍሉይ ርክብ ኣማዕቢሉ እዩ" ይብሉ።

ብተወሳኺ "ሙዚቃ ብዛዕባ እቲ ኵላትና ኣብ ሕይወትና እንደልዮ ንጡፍ ውህደት እዩ ዚዛረበና።  ናብ ዘተ ዝቕየር ድምጽን፡ ናብ ሕብረት ዝቕየር ዘተን፡ ናብ ሕይወት ዝቕየር ተዘክሮን ካብኡ ይፍጠር። ንመእተዊ ሙዚቃ ናይቲ መርበብ ዳግም ብምዕዛብ ድማ፣ ሎሚ ን95 ዓመት ረድዮና ከነብዕል እንከሎና ከኣ እዚ ትርጕም እዚ እዩ ዘለዎ፦ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ናይ ድምጺ ጥቕስታት፡ መንነትን ሕብረትን ዘጣመረ፡  ብሓባር እንዓየሉን፡ ከም ገዛና ኰይኑ ከም ዚስምዓና ዝገብርን ታሪኽ ኢዩ፡ ይብሉ።"

እቲ ውጥን ኣርባዕተ ቐንዲ ሙዚቃዊ መግለጺ ዜጠቓለለ ኢዩ፣ ኵሎም እቶም ሙዚቃታት ኣብ ቴማ ናይቲ ክርስቶስ ሰዓሪ  ዝብል እተመስረቱ  ኰይኖም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ፈነወ፡  ሓደ ንንግሆ፡ እቲ ሓደ ንድሕሪ ቐትሪ፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ጊዜ ለይቲ ንምንቕቓሕ እተነድፈ ኢዩ።

ብተወሳኺ ክልተ ሓጸርቲ ሙዚቃዊ መግለጺ ኣለዉ፦ እቲ ቐዳማይ መእተዊ ናይቲ ቴማ ክወስድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ምስቲ ናይ መጀመርታ ናይ ድምጺ ማዕበል ቅልጡፍን፡ ፍሉጥን ምትእስሳር ንምፍጣር ነቲ ናይ መወዳእታ ሙዚቃ ይደገም።

ዓቢይ መምህር ማርሴሎ ፊሎተይ "እዚ ኣብ መንጎ ባህልን ሓድሽ ምህዞን ሚዛኑ ዝሓለወ ልምምድ እዩ ነይሩ" ይብል።

"ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ኣብ እተዘርግሐ ገመድ ብእግርኻ ምኻድ  እሞ ኣብቲ ግሁድ ዝኾነ ከይወድቕ ምፍታን ኢዩ። ዘመናዊነት ኪበሃል ከሎ ነቲ ዝሓለፈ ሓዲግካ ብሓድሽ ዓይኒ ምንባብ ማለት ኣይኰነን።" 

ብተወሳኺውን ብመምህር ፒየርሉጂ ሞረሊ፡ ነቲ ኣብ ጊዜ ባሮካዊ ቅዲ ሙዚቃ ዝነበረ ኦርኬስትራ ብምዝካርን፡ ምስ ልምዲ ረድዮ ቫቲካን ዝሰማማዕ ታሪኻውን ሙዚቃውን ስፍሓት ዜለዓዕል ተወሳኺ ፍሉይ ሙዚቃዊ መግለጺ ውን ተሰናድዩ ኣሎ።

ኵሉ እቲ ሙዚቃዊ መግለጺታት ኣብ ሓደ እዋን ብቛንቋ ጣልያን ኣብ ዝፍኖ መደብን፡  ኣብ 30 ናይ መርበባዊ ረድዮ ቫቲካንን ክዝርጋሕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሰፊሕ ሓባራዊ ናይ ምስማዕ ተመክሮ ክፈጥር ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ ሬድዮ ቫቲካን - ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ ሜኒኬቲ "በቲ ብሙዚቃዊ መደባት ዝቐረበ ተሓድሶ ሬድዮ ቫቲካን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሕሉፍን ህሉውን ዘሎ ድልድል፡ ብብርሃን እምነት ብምጕላሕ፡ ብድምጺ ኣቢሉ ንተልእኾ ኣገልግሎቱ ይዝክሮን የሐድሶን ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ናይ ፈነወ መደብ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን እዩ፦

7 00–9 00 መደብ ምንቅቃሕ

9 00–11 00 ናይ ንግሆ

12፡ 00 ናይ ቀትሪ መደብ ምንቅቃሕ – ምውህሃድ ሙዚቃ ብኣልበሪኮ ቪታሊኒ

14፡ 00–18 00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ መደብ

24፡ 00 ናይ ፍርቂ ለይቲ መደብ – ሙዚቃዊ መሰናድዎ ብኣልበሪኮ ቪታሊኒ

24፡ 00–6፡ 00 ናይ ለይቲ መደብ

 

 

12 Feb 2026, 15:17