‘ፈጺመ ኣይክርስዓኩምን እየ’ ናይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ‘ፈጺመ ኣይክርስዓኩምን እየ’ ናይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን  (ANSA)

‘ፈጺመ ኣይክርስዓኩምን እየ’ ናይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን

ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን፥ ‘ፈጺመ ኣይርስዓኩምን እየ’ (ኢሳ 49፡15) ብዝብል ቃል ተመሪሑ ክካየድ ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣልዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን፡ “ፈጺመ ኣይክርስዓኩምን እየ” (ኢሳ 49፡15) ብዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ተመሪሑ ክበዓል ከም ዝወሰኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዘቖምዎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ቅዱስ እያቄምን ቅድስቲ ሃናን ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት 26  ሓምለ ክዝከር ከም ዝወሰኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 26 ሓምለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ነዚ በዓል እዚ ዝተወፈየ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ዓዲሞም፡ ካብ መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተወስደ ናይታ ዕለት መርሕ ቃል ንኹሎም ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ጽምዋ ዝነብሩ ወይ ዝተረሰዑ ኮይኑ ዝስምዖም ናይ ምጽንናዕን ተስፋን መልእኽቲ ክትከውን ዝዓለመት ኮይኑ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣባይቲ ስድራን ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰን ኣብዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘሎ ክቡር ህላወን በረኸትን ብምግንዛብ ከይርስዖም ዘዘኻኽር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓረይዎ መርሕ ቃል፡ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዋላ እውን ኣብ ግዜ ተኣፋፍነትን እርጋንን እውን ከይተረፈ ኸም ዘይጠፍእ ዜጕልሕ እዩ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ብምምልካት እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ፍሉያት ኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራትን ዓቕለሲያውያን ማሕበረሰባትን ኣብ ከባቢኦም ነታ መዓልቲ ንምድንፋዕን ንምብዓልን ዘኽእሉ መገድታት ከናድዩ ኣተባቢዑ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ዝምልከት ፍልዩ ንሓዋርያዊ ጉስነት ዝመርሕ ሓዋርያዊ ሰነድ ከቕርብ ምዃኑ ከም ዘፍለጠ የመላኽት።

12 Feb 2026, 09:05