ሱባኤ ዘመነ ጾም፦ ኣቡነ ቫርደን ብዛዕባ 'ተድኤት ኣምላኽ' የስተንትኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እታ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ዝነበረት ንበረት ዓባይ መምህርት ክርስትያን ምእመናን ዝኾነት ሜሪ ዋርድ ነተን ንኣሓታ ደናግል 'ነቲ ዝከኣለክን ግበራ ኣምላኽ ከኣ ክሕግዘክን እዩ' ትብለን ነበረት።
ኣምላኽ ኣብ ጸገማትና ኺሕግዘና ኸም ዝኽእልን፣ ክሕግዘና እዩ፣ ዚብል ሓሳብ እምነት ቅዱስ መጽሓፋዊ እዩ። ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያዕቆብን፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እቲ ርሕሩሕ ስጋ ዝለበሰ፣ ካብቲ ዘይነቓነቕ ምንቅስቓስ ኣምላኽ ፍልስፍና እተፈልየ እዩ ኢዩ ዝገብሮ።
መዝሙር 90 "ኣብ ረድኤት እቲ ልዑል ዚነብር" ብዚብል ጥቕሲ እያ እትጅምር። በርናርዶስ ከም ዝገለጾ ረድኤት ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ኽንነብርን ክንንቀሳቐስን እንኽእለሉን ቀጻልነት ዘለዎ ክውንነት ስለ ዝፈጥር፣ መንበሪ ተባሂሉ ክጽዋዕ እውን ይኽእል እዩ ይብለና። ረድኤት ኣምላኽ ሓሓሊፉ ዝመጸና ኣይኮነን። ሓደ ገዛ ኺነድድ ከሎ ወይ ሓደ ሰብ ሓደጋ መኪና ምስ ኣጋጠሞ፣ ዝጽውዖ ከም ናይ ህጹጽ ረድኤት ቍጽሪ ስልኪ እንጥቀመሉ፣ ሓሓሊፍና እንጽውዖ ህጹጽ ኣገልግሎት ኣይኰነን።
ይኹን እምበር እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት፣ ናብ ሰማይ ዝጭድሩሉ ግናኸ ነቲ ዝባደመ ድምጾም ጥራይ እናሰምዑ፣ ምላሽ ዘይረኽቡሉ እዋናትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል?
ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነቲ ናይዚ እቲ ጸገማት ናይ ኢዮብ ጻድቕ እዩ፣ ኣብታ እተደንቕ መጽሓፊ ኢዮብ ጻድቕ፣ ብሰለስተ ምንቅስቓስ ብምክፋል ከም ሓደ ውህደት ዘለዎ ጌርካ ኽትቀርብ ይከኣል፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ውሽጣዊ ኩነት ጸገማት ብዛዕባ ስግኣታት ግልጸት ብምርካብ፣ ናብ ምሉእ ብምሉእ ዜገርም ተመክሮ ናይ ጸጋ ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ።
ኢዮብ ጻድቕ ነቲ ኣዕሩኹ ዝሃብዎ ርትዓዊ ሓሳባት ኣይተቐበሎን። ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ከም ሚዛን ናይ ገንዘብ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝዓዪ ዘሎ ክዛረብ ኣይደልን እዩ። ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ኣብ ጸበባኡ ክርከብ ቈሪጹ ብጅግንነት ብምትንሳእ፣ 'ንሱ (ኣምላኽ) እንተ ዘይኰይኑ መን እዩ?' ክብል ብምሕታት ኺጽውዖ መረጸ።
ከም ኣመንቲ መጠን ንእምነትና ኸም ናይ መድሕን ፖሊሲ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ብሓገዝ ኣምላኽ ከም እንነብር ርግጸኛታት እንተ ዄንና፣ ካብ ጕድኣት ናጻ ከም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ዓለም ጕድኣት እንተ ኣጋጢምዋ እትፈርስ ክትመስል ትኽእል እያ ። ብጥንቃቐ እተጠርየ መከላኸሊ፡ ሓጹር፡ ከም ዚወድቕ ዝገብር ፈተናታት ብኸመይ ክዋጽእ ግን እንኽእል? እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣብ ገለ ገለ ኣጸጋሚ ዅነታት፣ ልክዕ ከምታ ነቓጽ ሰበይቲ ኢዮብ፣ 'ንኣምላኽ ተገም እሞ ሙት' ክትብል ዝሃበቶ ምኽሪ ንኽስዕብ ዝድርኸና ለውጥታት ድዩ? ወይስ ኣብ ዓሚቝ ርክብ ኢና እንነብር ዘሎና? ቢልና ክንሓትት ይግባእ።
ኣምላኽ ነታ ዓለምና ኢልና እንሓስባ፣ መናድቃ ምስ ኣፍረሰ ሓዳስ ዓለም ንኽትፍጠር ክፈቕደላ ይኽእል እዩ።
ከምቲ ቅዱስ በርናርዶስ ክንገብሮ ዝደልየና፣ ኣብ ትሕቲ ረድኤት ኣምላኽ ምንባር፣ ዋንነትና ብምሻጥ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ዓሚቝ ደረጃ ብጸጋ ንምንባር ብድጕዓን ፍርሓትን ምንባር እዩ።
* ጳጳስ ሰበኻ ትሮንድሃይም ኖርወይ ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ቫርደን ነቲ ካብ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 27 ለካቲት ኣብ ዝጸንሕ ናይ 2026 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኩርያ ሮማና ዝኾኑ ካርዲናላትን ኣስተንትኖታት ከካፍሉ ተሓቲቶም ኣለዉ። ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሰበኻኦም ንምኻድ ኣብዚ ጠውቑ።