ድለ

መደብ ርክብ ኣብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈትን መደብ ርክብ ኣብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈትን 

መደብ ርክብ ኣብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈትን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናትት ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ ዝሃበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፡ ኣብ መንጎ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝን ላዕለዎይ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ኣባ ዳቪደ ፓሊያራኒ “ዘይወግዓውን ውልቃውን ዘተ” ክህሉ ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ መንጎ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝን ላዕለዋይ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ኣኼባ ኽካየድ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ ንሕቶታት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

"እቲ ዘይወግዓውን ክሌኣውን ኣኼባ ናብ እወታዊ ውጽኢት ክመርሕ ዝኽእል ናይ ምይይጥ መሳርሒታት ንምልላይ ዝሕግዝን ዘተ ክካየድን ዘተባብዕ ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ - ቢሉ - እዚ መግለጺ እዚ ኣብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ቅድስቲ መንበርን ርክባት ይቕጽል ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ ዝተወሃበ ኮይኑ፣ "ብዛዕባ እቲ እተላዕለ ጕዳያት ምግምማዕ ወይ ብሓደ ወገን መፍትሒ ንምውጋድ" ሓባራዊ ድሌት ከም ዘሎ እውን ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሩ። ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ብዛዕባ’ቲ ዕለት 2 ለካቲት ዝወጸ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ፍላቪኒ-ሱር- ኦዘራይን ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ኵራቶ ዳ’ርስ ኦፍ ሓደስቲ ጳጳሳት ክስይም ምዃኑ እቲ ማሕበር ካህናት ፒዮስ ዓስራይ ዝሃቦ መግለጺ ዝምልከት ጉዳይ እውን ምይይጥ ክግበረሉ ዝብል ተስፋ እውን ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ እቲ መደብ ምሻም ጳጳሳት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ማሕበር ቀጻልነት ኣገልግሎት ጳጳሳቱ ንምርግጋጽ ፍሉይ ኣድላይነት ዘለዎ” እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናብ ቅድስቲ መንበር ዝተላእከ ደብዳበ ከም ዝሓበረ እውን ብሩኒ ብምዝኽኻር፡ ቅድስቲ መንበር፡ “ንሕቶና ብዝኾነ ይኹን መገዲ መልሲ ዘይህብ መልእኽቲ” ብምልኣኽ፡ እዚ ድማ በቲ ዝገበርናዮ ውሳኔ ክንቅቕጽል ይድርኸና” ዝብል መግለጺ ካብ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ከም እተላእከ ብሩኒ የመላኽት።

06 Feb 2026, 16:08