መበል ዓሰርተ ኽልተ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዘመንና ወንጌል ብዓውታ ዝጠልብ እዩ። እቶም "ክብደት ልቢ ዝስምዖ" መንእሰያትና ዝጠምይዎ ወንጌል ሳላ ሕማምን ትንሳኤን ክርስቶስ "እቲ ዝቕይር ሕያውነት ንሰብኣዊ ስቓይ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር መግለጺታቱ እኳ እንተ’ሎ ናብ መዓሙቝ ሲኦል ከም ዚበጽሕን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዝዀነ ይኹን ጽምዋን ብድመትን ናይ መወዳእታ ኣይኰነን" ዚብል ምዃኑ የጒልሑ (ጳጳስ ኦሮል ቫርደም ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጽማሬ)።
ተስፋ ብገበርቲ ሰናይ ዝተቐረጸ ሰብኣውነት ምቛም እዩ
ክርስቶስ "ንዓለም ተስፋ ከነመሓላልፍ ይጽውዓና፣ ክርስትያናዊ ተስፋ ምህላው ግን "ግድን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ ብልግስን ብፍትሕን እተቐርጸ ሓድሽን ጥዑይን ሰብኣውነት ንምቛም ደኺመ ኸይበልካ ምዕያይ” ማለት ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ግናኸ ኣብኡ ተወኪልና፣ "ትምህርቲ ብጽዕና ኣብ ግብሪ ከነውዕል ዝሓትት እዩ፡ ከመይሲ "እንተድኣ ሕጉሳት ኴይንና ብኣና ኣቢሉ - ኢየሱስ - ኺዓዪ ይኽእል እዩ። እቲ ንሱ ዝሃበና ተስፋ "ኣብ መወዳእታ ዘመናውን ስነ ኣሃዛውን ዕደ ጥበባውን ምዕብለ ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ዝዀነን ብንብዓት ዝጸረየትን ዓለም ዝንበር ተስፋ ኣይኮነ" የግዳስ ኣብ "ሓድሽ ሰማይ ኣብ ሓድሽ ምድሪ ኣብ ትንሳኤ ምዉታት ማለት" ምዃኑ የስተብህሉ።
ምልክት ሓድሽ ሃይማኖታዊ ንቕሓት መንእሰያት
እዚ ውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ዝሃባ ዕማም እዩ፣ ንክርስቶስ "ብዘእምን መንገዲ ከም መልሲ ናይዚ ሕጂ ዘሎና ኣዝዩ ተኣፋፊ ሕቶታት፡ ብውሑዱ ነቲ ዝተዓቀበ ትምህርቲ ዓንቀጸ ኣምነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘየእትው መንገዲ ምእዋጅ ዝብል እዩ። ሎሚ ድማ ድሕሪ 60 ዓመት ምዝዛም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብዚ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ዝተዓዘብናዮ እወታዊ ምልክታት ኣለዉ፡ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ሓድሽ ኣስተውዕሎ ሃይማኖ፤ ምምላስ ኣምር ሓቂ ኣብ ህዝባዊ ክትዓትን መደረታትን፤ ምድላይ ሱር" ዝኣመሰሉ - ጠቒሶም፡ እቲ ዘሕዝን ግን "ዓለማዊ ትካላትን ኪዳናትን ይፈርሱ ኣለዉ፡ ንስነ ስልታውን፡ ስነ-ህይወታውን ስነ-ሓሳባውን ሓደጋታት ተቓሊዕና ንርከብ። በዚ ኸኣ፡ ልቦናን ሰናይ ድሌትን ዘለዎም ሰባት፡ ህይወቶም ኣብ ሑጻ ምህናጽ ዝደኸሙ፡ ጽኑዕ ከውሒ ይደልዩ ኣለዉ፡ ልቦም ድማ ዕረፍቲ የብሉን” እንክብሉ የብርሁ።
ኣውያት ሓዘን ኣብ ኮንሰርት መንእሰይ ደራፋይ
ጳጳስ ቫርደን ዘቕርብዎ ኣብነት ምስ ቁስሊ መንእሰያት፡ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ዕለት 8 ለካቲት 2025 ኣብ ናይ ሙዚቃ ትርኢት መንእሰይ ኣመሪካዊት ደራፊት ግሬሲ ኣብራምስ ኣብ ማድሪድ እዩ። ኣብ ደርፍታታ ምስ ተስፋ ምቑራጽ ዝዳወብ፡ ምናልባት'ውን ዝትንክፍ መሪር ጓሂ ብዓውታ ዝስማዕ ዝነበረ ኣውያት ዝተተሓዘ ኮይኑ"፡ እቲ ናይ እዋንና ሰቖቓ - ልቕሶ "ከም ንነገራት ንሰባት ንኣካላት ወይ ንባህላዊ ጕጅለታት ብጸንፈይናነት ኣምልኾ ጣዖት ወይ ጾታዊ ርክብ ብዘለዎ መገዲ ጸንፍይናነት ዕሽሽ ክበሃል የብሉን፡ እቲ እውያትን ዋዕዋኦዕን ብድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ዘሎ ጓሂ የንጸባርቕ። ኣብቲ ናይታ ደራፊት ኣብራምስ ጽሑፍ ወይ ግጥሚ፡ ወትሩ ዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ዝጠፍአ ተስፋ ዘጒልሕ እዩ። ወጺኡ ምስ መንእሰያት ኣብ ዝኾነ ይኹን ስፍራ ዚዘራረብ ወይ ከኣ ኣብ ኑዛዜ ግዜ ዜሕልፍ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናይ ምቑሳል ምስትውዓል ንዓለምና ከቢብዋ ከም ዘሎ ብዕምቆት ይርዳእ።”
ኣይፋልን ነቲ "ሕጉስ ወንጌል" ዝፍትነና ባህሊ
መልሲ ቤተ ክርስቲያንን ንሕና ክርስትያናትን፡ ኣጠማምታና ኣብ ዝተቖሰለን ዝተሰቕለን ኣካል"፡ እቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ፡ "ተስፋ ምዃኑ ብምርግጋጽ" ብምዕዳም፡ ዓቢይ ጾም ምንባር እዩ። ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ሰረተ-እምነት እዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሰባኺ፡ ዕርቅን ምሕረትን ምልዋጥ ጸጋን ሓጐስን ናይ ዘለኣለም ህይወትን" ዘስፈሐ "ፍጹም ማእከላዊ ናይ ምድሓን ሕማማት ኢየሱስ" ክንዛረብ ኣሎና። ግን "ብቐዋሚ ኣገባባትን ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ውጽኢትን ዝግመት ዝያዳ ድሱት ወንጌል ክንዝርግሕ ኣብ ዝፍትነና ባህሊ ኣብነቱ ክንስዕብ" ትብዓት ይሓትት። ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለናሉ እዋን ድማ "ብመስቀላት ዝደበና ጥንታውያን ካቴድራላት ናብ ንኣሽቱ ናይ መዘናግልዒ ስፍራ ይቕየሩ ኣለዉ።"
"ዘይፍረዩ ባእታታት" ቦታ ዘይብሉ ሕብረተሰብ
“ሎሚ ኣብ ቅድሚ ቍስሊ ክልተ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝንባለታት ኣሎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ""ናብ ቝጥዓ ክጥሕል ዝኽእል ማለት ከም መለለዪ መንነት" ጌርካ ይርአ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ቝስሊ ናይ ምድምሳስ - ከም ዘይነበረ ናይ ምግባር ዝንባለ እዩ። ቁስሊ ክህሉ ከምዘይብሉን እንተሃልዩ ድማ እቲ ዝሓመሙ ኣካል ምእላይ ዝብል ሰላሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝሰረጸ ይመስል። ኣብ ሕብረተሰባትና "ዘይኣፍረይቲ ባእታታት ቦታ የብሎምን፤ ከም ዘይልሙድ ተገይሮም እዮም ዝረኣዩ፣ ብጭካነ ድማ ይተሓዙ።" እዚ ኣተሓሳስባ'ዚ ድማ "ኣብቲ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲን ፍርዲ ሞት ክህሉ ኣብ ዝልብ ዝግበር ክትዓት ርኡይ'ዩ።"
ግርደት ሕልና ናይ ዝተሰቕለ
ነዚ ምዕባለ እዚ ብኸመይ ክንትርጕሞ ንኽእል? ግርደት እቲ ኣብ ህዝባዊ ሕልና ዘሎ ምስሊ እቲ ዝቘሰለ ግን ከኣ ዘይተሳዕረ ምስዚ ዅሉ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ምኽሓድ ኣጸጋሚ እዩ። ሓደ ስልጣነ ብርግጽ "ኣድላይነት ትዕግስትን ተበጃዊ መከራን ብዘረጋግጽ ምስሊ፡ መለክዒኡ ናብ ዝገብር ስልጣነ ምስ ግዜ ክቕየር ይኽእል እዩ፤ "ንዝወደቐ ሰብኣውነት ዘይባዕላዊ ርህራሄ ክመሃር" እውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ንዘመናት ንክርስትያናዊ ስምዒት ዝገለጸ "ንቁስሊ ክርስቶስ" ዝብል ኣኽብሮት፡ ኣብ ውፉይነት ንቑዱሳት ቅርስታት ሕማማቱ ዝተገልጸ፡ "ነቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ደቂ ሰባት ዝቖመ ዓቢ ምስጢር መከራ ኣኽብሮት ነይሩ። መስቀል ነቲ ክሓዊ ዝኽእልን ምንጪ ፈውሲ ዝኾነን ዘይተነግረ ባህሪ ቁስሊ ብምርግጋጽ ክውንነት ክንጭብጥ የኽእለና።
እቲ "ጥዕና" ደረጃ ምትላልን "ዘይበቅዕ" ህይወትን
ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ምስጢር እምነት ሱር ምትካል ማለት "ኣብ ሃናጺ ሰውራ ምስራሕ ማለት እዩ" ኣንጻር እቲ ሕብረተሰብን መንግስትን "ንፍጽምና ደቂ ሰባት ብዝብል ዕላማ ብመሰረት ፍልቀት ቀጥዕታት ክመሓደር ኣለዎ" ዝብል ፖለቲካዊ ምትላል እዩ። ከምኡ'ውን ኣንጻር እቲ ስነ ሰባዊምትላል ናይ ሓደ ስርዓታዊ ደረጃ "ጥዕና"፡ ኣብ መንጎ "ንምንባር ዝበቅዕ" ህይወትን "ዘይበቅዕን" ህይወትን ምፍልላይ ንምምልካት ዝጥቀመሉ። ወንጌል ብሓቂ "ቁስሊ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ከም ዘይተወገደ፡ ክቡር ከም ዝኾነ እዩ ዘረጋግጸልና።" ቁስሊ ዓለም ከይተረፈ፡ "ዘይትን ወይንን ክርስቶስ ምስ ፈሰሰ ክሓዊ ይኽእል እዩ።"
ዋጋ መስቀል ነቶም ትርጉም ዝደልዩ
ደቂ ሰባት፡ "ምርድዳእ ይሃርፉ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንጹር ኣተሓሳስባ "ኣብ ክርስቶስ ዘተኰረ ተስፋ፣ እተረጋገጸ መምርሒ የድልዮም ኢዩ።" ከም መስቀል ዝኣመሰሉ ምልክታት የድልዮም እዩ፣ "ኣብ ክውንነት እተመስረተ ካብ ናይ ዓለም እተፈልየ ኣብ ታሪኻዊ ቁስሊ ሰብነት ኣብ እተሳዕረ ሞት ኣብ ዘለኣለማዊ ጽሕፍቶ ብምሉኡ ሰብ ብስጋን ነፍስን ዝቘመ ዘተኰረ።" እወ "ኣረኣእያ እምነትና ኣብቲ ኣብ ሕብረት ምስጢራዊ ኣካል ክርስቶስ እተፈጸመን ገና ዚፍጸም ዘሎን ክውንነት እተመስረተ እዩ።"
መዝሙር 90ን በዓለ ትንሳኤ ቅዱስ በርናርዶስ
ቅዱስ በርናርድ ብዓል ክለርቮን ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ዝተሰብከ ናይ መወዳእታ ኣብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 91 ዝተወፈየ ስብከቱ ተወኪሶም፡ ፈተናታት ህይወት፡ ንኣሕዋቱ መነኮሳት፡ ብህይወት ምህላው እንታይ ማለት ምዃኑ ንኽንፈልጥ ዝሕግዙና ሕርሲ ምዃኖም ይነግሮም፡ "ሓደ ሰብ ህይወት ህያውን ኣገዳስን ኣብ ዝዀነሉ ቦታ እዩ ዚነብር። ከምቲ ፍረ ኣብ ዘርኢ ዘሎ ኽብሪ ኣብ ጸበባ።” ኣብ ህይወት ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ ስለ እንኽእል ነቲ ኣብ መዝሙር 91 "ኣነ ኣብ ጸበባ ምስኡ እየ፡ ምስ ደቂ ሰብ ምዃን ባህ ይብለኒ" ኢሉ ዝኣወጀ ኣምላኽ ዘለዎ ትዕግስቲ ሓጐስ ክንፈልጦ ኢና።
ኢየሱስን ልኡም ብርሃኑን መብራህትናን
“ብነኣሽቱ ግዚያዊ ነገራት ክንዓግብ የብልናን፡ ብምስሊ መን ከም ዝተፈጠርና ክንፈልጥን ክንእውጅን ኣሎና፣ ብጸጋ፣ ብኽእለት እንታይ ዓይነት ‘ዕብየት’ ምዃንና"። በርናርዶስ ነዚ ናይ መወዳእታ ስብከት ምስ ሰበኸ ንግሆ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ባዶ መቓብር ኣብ ዘለኣለማዊ ሕቑፊ ቅድስት ስላሴ ምስጋና ይእውጅ። ኣብ መወዳእታ ብናይ ክርስቶስ ዓወት ፋሲካ ናብቲ ሕቑፊ ተሳሒብና ከም እንርአ ንርኢ፣ ከመይ ከም እተፈለጥና ንፈልጥ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብፍጹም ፍቕሪ ነፍቅር።” እቲ “ደራስን ፍጹምን እምነትና” ዝኾነ ኢየሱስ ገንሸል ኣምላኽ መብራህትና እዩ። እቲ ልኡም ብርሃኑ፡ ህቡእ ኣብ ስመልሰሉ ሰዓት እውን ከይተረኸ ምሉእ ሓጎስ እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስትንት ይዛዝሙ።