ናይ ሚካኤል ኣንጀሎ ቅብኣ 'ናይ መወዳእታ ፍርዲ' ናይ ምሕዳስ ስራሕ ተጀሚሩ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቫቲካን ነቲ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ዚርከብ ቅብኣ ፍሉይ ጽገና ንኽግበረሉ መደያየቢ መሳልል ኪትከል ከም ዝጀመረ ኣብያተ-መዘክር ቫቲካን ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
30 ዓመት ድሕሪ " ሕዳሴ ዘመን"
ፓውሎ ቫዮሊኒ ሓላፊ ዳግመ ምሕዳስ ቅብኣን፡ ብናውቲ ዕንጨይቲ ናይ ዝተሰርሑ ናይ ዳግመ ምሕዳስ ቤተ-ምርምርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ እቲ ቅብኣ "ብሰፊሕ ጻዕዳ ሽፋን" ተኸዲኑ ከም ዘሎን ናይ ጽሬት መደባት ከኣ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ እዚ ናይ ሕጂ ስራሕ ካብቲ "ሕዳሴ ዘመን" ተባሂሉ ዚፍለጥ ነቲ ዜደንቕ ሕብርታት ናይ ሚካኤል ኣንጀሎ ከም ዝንጸባረቕ ዝገበረ ሕዳሴ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ይግበር ከምዘሎ ተዘክሮኡ ገሊጹ።
እቲ ሽፋን "ብንፋስ ዝኣትዉ ብዝተፈላለዩ ጥረ-ነገራት ዝፍጠር ምዃኑን፡ ነቲ ናይ ሕብሪ ተነጻጻርነት ከኣ ድሕሪ ግዜ ከም ዝንኪ ከም ዝገብሮን፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ሕብሪ እቲ ቅብኣ ከም ዘህስሶን ኣፍሊጡ።"
ቤት ጸሎት ሲስቲን ክፉት ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ
ኣብተን ናይ ሕዳሴ ስራሕ ዝፍጸመለን ሰለስተ ኣዋርሕ ከኣ፡ ቤት ጸሎት ሲስቲን ንምእመናንን በጻሕትን ንምቕጻል ክፉት ኰይኑ ኪቕጽል እዩ።
እቶም ዳግም ዝሕድሱ ክኢላታት፡ ነቲ ኣብቲ ውሩይ ቅብኣ ዘሎ ስእልታት፡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ንጹርነት ንከብጽሕዎ ክሰርሑ ኢዮም።
እቲ መደያየቢ መሳልል ንብምሉኡ እቲ ምድሪ ቤት ክሽፍኖ ኢዩ፣ ነቶም ክኢላታት ከኣ ነቲ ናይ መጀመርታ ሕብርን፡ ነቲ ኣንጽባራቒ ዓይነታዊ ብርሃንን ዳግም ከሕድስዎ ክኽእሉ ኢዮም።
እቲ ስራሕ በቲ ኣብ ቤተ-መዘክር ቫቲካን ዚርከብ ምዕራፍ ሓለውቲ ስነ-ጥበብ ፍሎሪዳ እተደገፈ ኰይኑ፣ ኣብ ርእሲኡ ናይ ምሕዳስ ቤተ ምርምርን፡ ጉጅለ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትን፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቤተ መዘክርን፣ ናይ ስእሊ ቤተ ምርምር አብያተ-መዘክር ቫቲካን ዜጠቓልል እዩ።
ኣብ ትሕቲ ቐጻሊ ቍጽጽር
እቲ ብ1994 ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ሽዑ ዋና ሓላፊ ዝነበረ ካርሎ ፒትራንጀሊ እተዛዘመን፡ ብሓላፊ ናይ ምሕዳስ ስራሓት ጂያንሉጂ ኮላሉቺ እተገብረ ዓብዪ ናይ ምዕቃብ ስራሕ፡ እቲ ናይ ዓባይ ቤት ጸሎት ቅብኣ፡ ኣብዚ ሓለፈ ዓመታት ብኣብያተ-መዘክር ቫቲካን ኣብ ትሕቲ ቐጻሊ ምርምርን ምክትታልን ኢዩ ጸኒሑ።
እዚ ንጥፈታት እዚ ምስቲ ልዑል መዓልታዊ ዋሕዚ በጻሕቲ ብእተተሓሓዘ ናይ ምዕቃብ ኵነታት ንምግምጋም ኣድላዪ ስለ ዝነበረ ኢዩ ተኻይዱ።
ነቲ ብምሉኡ ዝተሓላለኸን ዓቢይን ውቑብ ህንጻ፡ ናይ ምዕቓብን ምትዕርራይን መደብ ስራሕ ብናይ ምሕዳስ ቤት ምርምር ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ነቲ ምስ ጊዜ ዝተኣከበ ድበት ንምእላይ ኢዩ ተገይሩ። ክሳዕ ሕጂ እዚ ናይ ጽሬት ስራሕ በብዓመቱ ብሓገዝ ተንቀሳቓሲ መድረኻት ብለይቲ ይካየድ ጸኒሑ። እዚ ናይ ጽሬት ስራሕ ነቲ ኣብ ንፍቀ ክባዊ ቅርጺ ዘለዎ መናድቕ ዘሎ ቅብኣ ናይ ሚካኤል ኣንጀሎን ፡ ቅብኣ ናይቶም ተኸታቲሎም ዝመጹ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቲ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዘመን ዝነበረ ዓበይቲ ትርኢታትን ዜጠቓልል እዩ።
ንሓደ ሰብ "ኣብ ተመስጦን ኣድናቆትን" ዘብጽሖ ብሉጽ ስራሕ
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝዓበየ ኣቓልቦ ናብቲ ብ1533 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅሌምንጦስ ሻውዓይ ካብ ማይክል ኣንጀሎ እተመዘዘ፡ ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሳልሳይ ከኣ ዝጀመረ፡ ብድሕሪ መንበረ ታቦት ዘሎ ዓብዪን ውሩይን መንደቕ ኢዩ ዘሎ።
እቲ ስራሕ 180 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ሕብሪ ዘለዎ ቦታን፡ ሕይወት ሂብዎ ዘሎ 391 ስእልታትን ኰይኑ፡ ኣብ ቀውዒ ናይ 1541 ዝተዛዘመ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዓመት እቲ ብ31 ጥቅምቲ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሉጽ ስራሕ ናይ ምሸት ናይ ዋዜማ ጸሎት ክጽልዩ እንከለዉ፡ ኵሎም እቶም ዝረኣይዎ ሰባት "ብተመስጦን ኣድናቆትን መሊኦም" ነበሩ ክብል ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ጆርጅዮ ቫሳሪ ተዘክሮኡ ይገልጽ።