2025.01.07 Mosignor Erik Varden OCSO, vescovo di Trondheim in Norvegia e presidente della Conferenza Episcopale dei Paesi Nordici 2025.01.07 Mosignor Erik Varden OCSO, vescovo di Trondheim in Norvegia e presidente della Conferenza Episcopale dei Paesi Nordici 

'ብሕቡእ ክብሪ ዝበርሀ' - ኣርእስቲ ናይ ዘመነ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣባልት ኩርያ ሮማና ዝኾኑ ካርዲናላትን ምስ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ዘካየድዎ ናይ ዘመነ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ብትራፒት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ቫርደን ተመሪሑ፣ ካብ ዕለት 22 ክሳዕ 27 ለካቲት ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዘመነ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ካብ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ሰዓት 5 00 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎት ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ምስ ዝርከቡ ካርዲናላትን ኣሕሉቕ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ክጅመር ተመዲቡ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ትማሊ ረቡዕ ብሓለቓ ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ዓመታዊ ኣብ ዘመነ ጾም ዝኻየድ ሱባኤ ብብፁዕ ጳጳስ ኤንሪክ ቫርደን ዝምራሕ ኮይኑ፣ "ብስዉር ክብሪ ዝበርህ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ክኸውን ኢዪ።

ካብ 2019 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ኖርወይ ጳጳስ ሰበኻ ትሮንድሃይም ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪክ ቫርደን ከገልግልዎም ኢዮም።

ኣብ መዓልቲ ክልተሳዕ ኣብ ኣስተንትኖ ምክፋል

ካብ ሰኑይ ዕእለት 23 ለካቲት ክሳዕ መወዳእታ ዕለት 27 ለካቲት ብፁዕ ኣቡነ ቫርደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክልተ ኣስተንትኖታት ከካፍልዎም ኢዮም፣ እቲ ቀዳማይ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ቅ. ቐ. ቅድሚ ናይ መፈፋርቕ ወጋሕታ ጸሎት፣ እቲ ካልኣይድማ ልክዕ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ደድሕቲ ስግደት ቅዱስ ቍርባንን ጸሎት ዘሰርክን ክካየድ እዩ።

ድሕሪ እቲ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ብዛዕባ "ናብ ጾም ምእታው" ዝብል ኣርእስቲ ናይ መጀመርታ ኣስተንትኖ ምክፋሎም፣ ብዛዕባ ቅዱስ በርናርድ ክልተ ኣስተንትኖታት ከካፍልዎም መደብ ተገይሩ ኣሎ - "ቅዱስ በርናርዶስ፣ ሓሳባውን" ከምኡውን "ቅዱስ በርናርድ ክውንነታውን" ዝብል ክኽውን እንከሎ፣ ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 26 ለካቲት ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ካልእ ኣርእስትታት ከኣ ከምዚ ዝስዕብ የጠቓልል፦ ረድኤት ኣምላኽ፣ ሓራ ምውጻእ፤ ግርማ ሓቂ፤ ኣሽሓት ኪወድቁ እዮም፣ "ከኽብሮ እየ"፣ መላእኽቲ ኣምላኽ፣ ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ እቲ መዛዘሚ ኣስተንትኖ ብዛዕባ "ተስፋ ምምምስካር" ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘተኰረ ክኸውን እዩ።

ካብ ኖርወይ ናብ ሬድዮ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪከ ቫርደን ብዕለት 13 ግንቦት 1974 ኣብ ሳርፕስቡርግ ኖርወይ ተወልዱ።

ኣብ መንበረ ጥበብ ካምብሪጅ ፍልስፍናውን ሥነ-ሃይማኖታውን መጽናዕትታት ወድኡ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ሥነ-መለኮት ናይ ሊቅነት መዓርግ ረኸቡ፣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ምብራቓዊ ሥነ-ኣቅላሲያዊ መጽናዕቲ 2ይ ደረጃ መዓርግ ረኸቡ።

ብዕለት 6 ጥቅምቲ 2007 ኣብ ለስተርሻየር ኣብ ዝርከብ ገዳመ ደብረ ቅዱስ በርናርዶስ ብ2002 ዓ.ም. ናብ ማሕብር ሲታውያን ዕጽዋት ገዳማውያን  መብጽዓ ምንኵስና ገበሩ።

ብዕእልት 16 ሓምለ 2011 መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ጸኒሖም ድማ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዚርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቴንያኑም ዘቅዱስ ኣንሰልም ብምምህርና ኣገልገሉ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣፍሊ ክፍሊ ስካንዲናቭያዊ ፈነወ ረድዮ ቫቲካን የገልግሉ ነበሩ።

ብድሕርዚ ናብ ገደም ደበረ ቅዱስ በርናርዶስ ተመልሱ (ካብ 2013 ኣትሒዞም) ድማ ግዚያዊ ጠቕላሊ ሓለቓ ኮይኖም ተመርጹ። ኣብ 2015 ድማ ኣበ ምኔት ናይ ገዳመ ደበረ ቅዱስ በርናርሶስ ኰይኖም ተመርጹ።

ኣብ 2019 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻ ትሮንድሃይም ኖርወይ ጳጳስ ኰይኖም ተሾሙ ኣብ 2020 ድማ ቅብኣተ ጵጵስና ተቐበሉ።

ካብ 2023 ኣትሒዞም ሓዋርያዊ መስተናብር ናይ ዕቅብና ትሮምሶ ዀይኖም ኣገልጊሎም። ካብ 2024 ኣትሒዞም ድማ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ስካንዲኔቪያ ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ኣብ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣባል ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክኾኑ መዘዝዎም።

05 Feb 2026, 11:58