ብፁዕ ካርዲናል ዜናሪ ዕድሚኦም 80 ዓመት ስለ በጽሐ ካብ መዝነቶም ተሰናቢቶም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ 2021፡ ቆኖናዊ ዕድመ ናይ ጥሮታ ማለት መበል 75 ዓመት ዕድመ ምስ መልኡ፣ ካብቲ ንዓሰርተው ሸውዓተ ዓመት ከም ዲፕሎማስያዊ በዓል ሥልጣን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓቀይና ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ከገልግሉሉ ዝጸንሑ መዝነት ንክሰናበቱ ሓቲቶም። ኣብ ደማስቆ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርን ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መጠን፡ ናብታ "በጃ" ዝኾነት ሃገረ ሶርያ፡ ከም መወከሲ ናይ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያንን ኰይኖም ኣገልጊሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ነቲ ካብ መዝነቶም ናይ ምውራድ ምሕትት ነጺጎምዎ "ንዘይተወሰነ ግዜ" ኣብ መዝነቶም ክጸንሑ መሪጾም። ነዚ ውሳኔ እዚ ድማ "ኣባ ማሪዮ" ዝተባህሉ ካህን፡ ነቶም ብውግእን ድኽነትን ዝቘሰሉን፡ ብቐጻሊ፡ ናዕቢ ዜጋጥሞምን ህዝቢ፡ ዝያዳ ኣቓልቦ ናይ ምሃቦም ዚሕብር ካልእ ምልክት ምዃኑ ይገልጽዎ።
"ነበር ወተሃደር"
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን ብዕለት 5 ጥሪ መበል 80 ዓመት ዕድሚኦም ምስ በጽሑ፡ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዜናሪ፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተሃስያ ዞባታት፡ ወኪል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃን ዘሕለፍዎ ነዊሕ ኣገልግሎቶም ዛዚሞም። ካብ መዝነቶም ከም ዝወረዱ ድማ ትማሊ ዕለት 2 ለካቲት ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ግን ምስቲ ሓጺር ትካላዊ ሓበሬታ፡ ዝፈጸምዎ ዓቢይ ታሪኽ ውን ተገሊጹ ይርከብ።
እዚ ዛንታ እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ካብ ሮዝጋፌሮ ዲ ቪላፍራንካ ናይ ቬሮና፡ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝሰልጠኑ ካህን፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ከምቲ ንሶም ዝገለጽዎ "ነበር ወተሃደር ውግእ" ኰኑ፣ ኣብ መጀመርታ 2000 ኣብ ኮት ዲቭዋር፡ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶ ድሕሪኡ ኸኣ ካብ 2004 ክሳዕ 2008 ኣብ ስሪላንካ፡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ናይ ዘገልገሉ ዛንታ ፈጸሙ። ብ2008 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብዕለት 30 ታሕሳስ ቅብኣ ጵጵስና ምስ ተቐበሉ፡ ናብ ሶርያ ዝኸዱሉ ቀዳማይ እግሮም ነበረ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ሶርያ ካብቲ ሎሚ እንፈልጣ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየት ሃገር እያ ዝንበረት። ብዙሓት ሶርያውያን መንእሰያትን፡ ሕጻናትን ከኣ፡ ብዘይካ እቲ ውግእ ዜምጽኦ ጸበባን ዜስካሕክሕ ነገራትን ኣብ ህይወቶም ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ሶርያ ርግኣት ዘለዋን፡ ንቍጠባዊ ዕብየት ክፉት ዕድል ዘለዋን ሃገር ኢያ ነይራ። ቱሪዝም ከኣ ኣብ ምዕባዩ እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ዝነበረ ብማሕበራዊ ውጥረት ግን ተሰናኺሉ ኢዩ ነይሩ። ብ2011 እቲ ግጭትን ናዕብን ጃምላዊ ቕትለትን ናይ ISIS ተባርዐ። ካርዲናል ዜናሪ ድማ ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ነቲ ግጭታት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ዲፕሎማስያውን ናይ ሽምግልናን ዕዮ ንኽዓዩ ኵሉ ጊዜ ኣብኡ ነበሩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ባዕሎም "ናይ ምድሪ ገሃነም" ኢሎም ዝጸውዖም ኩነታት፡ ናብቶም ሕዝቢ ዝያዳ ብምቅራብን፡ ብምጽንናዕን ናይ ሰብኣዊ ሓልዮት ጻዕርታት ይገብሩ ነበሩ።
ኵነኔን ጸገማትን
ካርዲናል ዜናሪ ነቲ ኣብ ሶርያ ዘጋጠሞም ጸገማት እንተላይ ነቲ ብሕታዊ ጸገማት ፈጺሞም ኣይሓብኡን። ሎሚውን እንተኾነ፡ ፖሎቲካውን ሕብረተሰብኣውን ለውጢ እኳ እንተሎ፡ ኣብቲ ናይ ደም ምፍሳስ ማእከል ዝኾነ ቦታ፡ ብዛዕባ እቲ “ሰብኣዊ ጥፍኣትን” ብዛዕባ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት "ዝሞተ ተስፋን" ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይበሉን። ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ግጭት ዘሎ ኣህጉራዊ ተነጽሎን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ እገዳን፡ ነቲ ሰባት ንሓንቲ ቝራስ እንጌራ ክብሉ ኪሎ ሜተራት ተሰሪዖም ናይ ዚቆምዎ ኩነታትን ወይ ከኣ ንነዳዲ ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዝ ኪኸፍሉ ዜገድዶምን፡ ብዛዕባ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ድኽነት ንምዅናንን ፈጺሞም ኣይፈርሁን።
እዚ ሓያል ግን ከኣ ፈጺሙ ብሓያል ድምጺ ዘይወጸ መግለጺታት እዩ ነይሩ፣ እቶም ካርዲናል ኵሉ ሳዕ ብልስሉስ ቃና እዮም ዜቕርብዎ ዝነበሩ። ኣብ ገጾም ግን ንዅሉ እቲ ዝረኣይዎ ነገራት ዝገልጽ ስቓይን፡ ድኻምን ብፍልይ ዝበለ መግለጺ ይርአ ነበረ። ውግእን፡ ደብዳብ ቦምባታትን፡ ጥሜትን ከይኣክል ከኣ፡ ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ 2023 ንሰሜናዊ ዞባታት ዘዕነወ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካርዲናል ዜናሪ ብኡንብኡ ካብ ደማስቆ ናብ ኣሌፖ ብማኪና ብምጕዓዝ፡ ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እኳ እንተነበረ ነዳዲ ዝመልአ በርሚል የመላልሱ ነበሩ።
ሲመተ ካርዲናል ኣብ 2016
ካብ 2016 ኣትሒዞም ካርዲናል ዜናሪ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ብዝሃብዎም ናይ ካርዲናልነት መዓርግ፡ ቐይሕ ልብሲ ተኸዲኖም ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር መጠን ግዲኦም ኣበርኪቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እዚ ኵነት እዚ ቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውሳኔ እዩ ዝንበረ፣ እዚ ልምዲ እዚ ብገለ መገዲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበረ ልምዲ ዚጥሕስ እዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ነቶም ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዝሰርሑ ናይ ሊቀ ጳጳሳት መዓርግ እምበር ናይ ካርዲናል መዓርግ ካብኡ ናብ ካልእ መዝነት ድሕሪ ምቕያር ጥራይ እዮም ዝረኽብዎ ነይሮም።
ኣብ ታሪኽ ምስራቃዊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እውን ሓድሽ ነገር እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ንመጀመርታ ግዜ ካርዲናልነት ንሓደ ኣባል ናይቲ ከባቢ ጳጳስ ዘይኰነስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ናይ ቫቲካን ክወሃብ ኢዩ ተራእዩ። ካርዲናል ዜናሪ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወሰድዎ ውሳኔ፡ ብሒደት ቃላት "ምልክት ፍቕሪ" ክብሉ ገለጽዎ። ብተወሳኺ ድማ፡ "ነቶም በጃ ዝኾኑ ህዝቢ ሶርያ ናይ ፍቕሪ ምልክት” ከምኡውን ንዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዝድግፍ ምልክት ኢዩ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናቶም ልኡኽ ናይ ካርዲናል መዓርግ ምሃቦም፡ "ነዚ ህላዌ እዚ ከምኡውን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ተወሳኺ ዋጋ ሃቦ። ኣብ ኣገልግሎተይ ከኣ ምትብባዕ እዩ ዚስምዓኒ" ክብሉ ወሲኾም ገለጹ። ብርግጽ ከኣ እቲ ናይ ካርዲናልነት መዓርግ፡ ብፁዕ ካርዲልና ዜናሪ ኣብ ደማስቆ ከም ዝጸንሑ ዜመልክት እዩ ነይሩ። ከምቲ ባዕሎም ዝበልዎ ከኣ፡ ናብ ካልእ ቦታ ንኽሰጋገር ሓሲቡ ነይሩ ማለት ኣይኰነን "ሓደ ተወካሊ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ካብቲ ኣዝዩ ኣድላዩ ዝኾነሉ ቦታ እንተ ሃዲሙ ከመይ ኢሉ ኢዩ እሙን ኪኸውን ይኽእል? ንዓይ እዚ ተልእኾ እዚ ኣምላኽ ዝሃበኒ ፍሉይ ጕንዖ እዩ፡ ብዕምቆት ዝትንክፈካ ሰብኣዊ ተመክሮ ውን ኢዩ" ይብሉ።
ካርዲናል ዜናሪ ኣብ ሶርያ ናይ ዝጸንሕዎ እዋን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ጊዜ ኢዩ ነይሩ፣ ነቲ ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብኻልእ ምትካእ ኬስዕቦ ዚኽእል ፖለቲካዊ ጸገማት እውን ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 መንግስቲ ባሻር ኣል-ኣሳድ ክወድቅን፡ ብኣሕመድ ኣል-ሻራ ዝምራሕ ሓድሽ መሪሕነት ክወጽእ ከሎ እውን ክምስክሩ ክኢሎም።
በዚ ናይ ሎሚ ካብ ምዝነት ምስንባት ከኣ፡ ተልእኾ ናይቶም ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ዲፕሎማሰይናን፡ ጓሳ ናይቲ በጃ ዝኾነ ሕዝብን ይዛዘም።