ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ህጻናት ዝምልከት ዘመሓላለፍዎ ውሳነ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ቘልዑ ኣብ ትሕቲ ናይ ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክጠቓለል ድሕሪ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ፡ ዕለት 13 ለካቲት ነቲ ውሳኒኦም ተግባራዊ ክኸውን ድማ ነቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ዝከታተል ጳጳሳዊ ሽማግለ ከም ዝሰረዙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኮሚተ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 ቆይሙ ነቲ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ቈልዑ "ቤተ-ክርስትያናዊ ምንቅስቓስ ከምኡውን ጉስነታዊ ውዳበ" ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ክህልዎ ከም ዝገበሩን እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት እዚ ንኣሰር ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብምስዓብ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑ ኣብ መዝሙርን እምነትን ምስክርነትን ንኽዋስኡ ናብ ሮማ ዝምጽሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽምብል ምዃኑ የዘኻኽር።
ሓላፍነት ንዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት
እዚ ተበግሶ ብቐጻሊ ክኽበር ምዃኑን፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ካልኣይ ሕታም ዓለም ሓቆፍ ቅነ ህጻናት ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 27 መስከረም 2026 ኣብ ሮማ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ከም ዘሎን፡ ይኹን እምበር ሕጂ እቲ መደብ ናይ ምውዳብን ምውህሃድን ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ብካርዲናል ኬቪን ፋረል ዝምራሕ ኣቐዲሙ ናብ ዘተጠቐሰ ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም እተሰጋገረን፡ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ጳጳሳዊ ሽማግለ ምዃኑ ተሪፉ ኵሉ ጉዳያት ሓላፍነት ናይዚ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ክኸውን እዩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ከም ዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ምትሕብባርን ብቕዓትን ምድንፋዕ
እቲ ውሳነ፡ ነቲ ምስቲ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2025 ብጽሑፍ ዝተመልከተ ኣንፈት ዘቀጽል ኮይኑ፡ “ብግቡእ ድሕሪ ምምኽኻር፡ ነዚ ክቡር ተበግሶ ንምትግባር ዝያዳ ምትሕብባርን ኵላዊ ዕዮን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዘብርሁን፡ ብተወሳኺ፡ “ዝኾነ ኣቐዲሙ ነቲ ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ሕጻንት ተግባራትን ስርዓታትን” እውን ይስረዝ፣ “ኣብ ክልቲኡ ቀኖናውን በርገሳውን ስርዓታት ዝነበሮ ሕጋዊ ጽልዋ የቋርጽ” ካብዚ ሓሊፉ ኣቦ መንበር፡ ምኽትል ኣቦ መንበርን ካልኦት ኣባላት ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት ብኡንብኡ ተራኦም ከቋርጹ ዝእዝዝ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናፍን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።
ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ “ነቲ ዘይተፈጸመ ጉዳያት ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓይልዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ነበር ክገልጽን ናይ መወዳእታ ኵለ መዳያዊ ብፍላይ ቍጠባን ንብረትን ብዝብልከት ምሉእ ጸብጻብ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ከቕርብ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቀዳማይ ሕታም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ዕለት 25 ግንቦት 2024 ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኦሎምፒክ ናይ ስፖርት ሜዳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተረኽብሉ ልዕሊ 50 ሽሕ ህጻናትን መንእሰያትን ገሊኦም ካብ ኩናት ዝተሃስየ ከባቢታት ዝመጹ ኣሳቲፉ ምክያዱ የዘኻኽር።