ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ዘጋጥም ዘሎ ናይ ህልውና ቅልውላው መልሲ ይሓተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ዘጋጥም ዘሎ ናይ ህልውና ቅልውላው መልሲ ይሓተሉ 

ቅድስት መንበርን ርእሰ ቕትለት ኣብ መንእሰያት፦ መንፈሳዊ ሓገዝ ዘለዎ ኣገዳስነት

ኣብ ጀኔቫ ቀዋሚ ተዓዛቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ፡ ኣብቲ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና እተወፈየ ክፍሊ ቤት ምኽሪ ውድብ ጥዕና ዓለም መደረ ኣቕሪቦም። ኣብ ሕይወት ትርጕም ምስኣን ዜምጽኦ ግዝያዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ኣብ ጐድኒ ናይ ሞያዊ ደገፍ፡ መንፈሳዊ ደገፍ "ህያው ተስፋ" ኪህብ ይኽእል እዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ንኵነታት ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት "ብፍሉይ ዜተሓሳስብ" ከም ዝዀነን፣  "ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ርእሰ-ቕትለት ዚገልጽ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ወለዶ እዚ፡ ሳልሳይ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ሞት ምዃኑ ትገልጽ።" እዚ ከኣ "መብዛሕትኡ ግዜ ትርጕምን፡ ዓሚቝ ዋጋን ሕይወት ወድሰብ ካብ ምጥፋእ ዚመጽእ ግዝያዊ ቕልውላው ኪተሓሓዝ ይኽእል እዩ።" በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ጐድኒ ሞያዊ ክንክን ኣእምሮኣዊ ጥዕና "መንፈሳዊ ክንክን ኣብ መንጎ ጸገማት ናይ ሕይወት፡ ኣባል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዃንካ ናይ ምቕባል መሰረታዊ ስምዒትን፡ ኣብ ሕይወት ኣገዳሲ ዕላማ ከም ዘሎካ ክትኣምንን፡  ከምኡውን ብዛዕባ ተስፋ ዜእምን ዛንታ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ኣለዎ" ክብሉ፡ ነዚ መግለጺ እዚ ትማሊ 3 ለካቲት፡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኢቶረ ባለስትሮ፡  ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ጀኔቫ ኣብ መበል 158 ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ገሊጾም። ዛዕባ ናይቲ ኣኼባ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ከም ሻውዓይ ዓንቀጽ  ኣቅሪብዎ ነይሩ።

ንመንእሰያት ቅልውላው ናብ ተስፋ ምቝራጽ ኪመርሖም ይኽእል እዩ

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ፡ ኣቦ መንበር ውድብ ጥዕና ውድብ ጥዕና ንዜቕረቦ ጸብጻብ ኣፍልጦ ብምሃብ "ኣእምሮኣዊ ጥዕና ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዕሽሽ ተባሂሉ ዝርአ መዳያት ጥዕና ኢዩ" ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘለዎም ሰባት "መብዛሕትኡ ግዜ በሰላን ኣድልዎን ይወርዶም፣ እዚ ድማ ናብ ተነጽሎን ኣቃልቦ ኣብ ዘይምሃብን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።" ብፍላይ ኣብዚ ግዜና መንእሰያት "ናብ ተስፋ ምቝራጽን ርእሰ ቕትለትን ኪመርሕ ዚኽእል ብዙሕ ጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና የጋጥሞም እዩ" ክብሉ መብርሂ ሂቦም። ቀጺሎም  እቲ መልሲ ናይዚ ጸገማት "ንመንፈሳዊ መዳይን፡ ንድሌታትን ደቂ ሰብን ዋጋን  ኣፍልጦን ኣብ ምሃብን ከም ዝምርኰስ ኣፍሊጦም። መንእሰያት ብመንፈሳዊ ሓገዝ "ኣብ ዓለም ብሃንደበት ዝመጹ ከም ዘይኰኑ፡ የግዳስ ብፍቕርን ብፍቃድ ኣምላኽን፡ ብመልክዑን ኣምሳሉን ከም ዝተፈጥሩ ይግንዘቡ። ሕይወት ከኣ ኣብ ማእከል ስቓይን መከራን እውን ከይተረፈ ትርጕም ከም ዘለዋ ይርድኡ" ክብሉ ገሊጾም።

06 Feb 2026, 18:51