መበል ዓሰርተ ሓደ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ማእከላይ ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝበለጸ ብዝተመሓደሩ መጠን፡ ኣብ መላእ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ረብሓ ክህልዋ እዩ” እንክብል ቅዱስ በርናርዶስ ኣብቲ ድርሳኑ ብምርግጋጽ፡ በርናርዶስ ነቲ ወዲ ማሕበሩ ዝነበረ እሞ ድሓር ር.ሊ.ጳ. ኮይኑ ንዝተሓረዩ ር.ሊ.ጳ. ኤውጀኒዩስ ሳልሳይ ናይ ቀረባ ተሓባበርቱ ክህልዎም ዘለዎ ባህርይ ብሰፊሕ ዝሕብር ከም ዝኾነን ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ነዚ ሓሳብ እዚ መሰረት ገይሮም ዕለት 27 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም የቅርቡ፡ (ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጽማሬ)።
እቲ ድርሳን ከም መሳርሒ ትንተናን፡ ንርእስኻ ንምምርማር ዝሕግዝ፡ ከምኡ’ውን ንእግዚኣብሔር ከተስተንትንን ከተምልኽን ዘርህወካ ምዃኑ ጳጳስ ቫርደን ኣስተብሂሎም፡ እቲ ድርሳን እብቲ እዋን ብሉጽ መጽሓፍ ተባሂሉ ከም እተዘርገሐ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድማ ብመሰረቱ ንሓደ በርናርዶስ በዓል ፓጋኒየሊ ዝስሙ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ኣብ 1145 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ንዝተሓረየ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መጸውዕ ስሙ ኤውጀኒዩስ ሳልሳይ ዝብል ክኸውን ንዝመረጸ ዝጸሓፎ እዩ። ኣብዚ ድርሳን እዚ፡ በርናርዶስ "ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ትካላዊ መድሃኒት ኣይኮነን ዘቕረበ እንታይ ደኣ ብብሉጻት ሰባት ክኸብባ ይመኽሮ። እቶም ክደልዮምን ከማዕብሎምን ዝሓቶ ባህርያት ኩሉ ግዜ ቅኑዓት እያቶም፡ እቶም ዘድልይዎ ተሓባበርቱ "ዝተረጋገጸ ቅንዕና ዘለዎም፡ ንኽእዘዙ ፍቓደይናታት ዝኾኑ፡ ትዕግስትን ለዋሃትን፤ ጽኑዕ ካቶሊካዊ እምነትን ዘለዎም፡ ኣብ ኣገልግሎቶም እሙናት፤ ኣፍቀርቲ ስኒት፡ ሰላምን ሓድነትን፤ ኣብ ምኽሪ ጥንቁቓት፡ ኣብ ምምሕዳር በላሓትን ብሱላትን፡ ኣብ ዘረባኦም ምቝሉላት ክኾኑንን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት "ንጸሎት ዝፈትዉን ዘስተማቕሩን ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ወይ ስራሕ ንላዕሊ ድማ ኣብኡ ተስፋኡ ዘወክፉ” እንክብል ይምዕዶ።
እግዚኣብሔር፡ "ልዑል በረኸት"
"ቤተክርስትያን በዚ ቃላት እዚ ክሳብ እትሰርሕ ድማ ንኣወዳድባ መላእኽቲ ስርዓተ-መሰረት እተንጸባርቕ ትኸውን። ሽዑ ዚሓስብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብኡንብኡ ነቲ ቐንዲ ተልእኾኡ ኺርኢ እዩ። እዚ ድማ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ እዩ"። ብተወሳኺውን "ንምድራዊ ድሌታት ብቕንዕና ምእንቲ ኽንምርምሮ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብእኡ ኣቢልና ኽንደልዮ ኣሎና" ብምባል ኣጕሊሖም። እቲ እንደልዮ ድማ እግዚኣብሔር እዩ። ቅዱስ በርናርዶስ "ኣምላኽ እንታይ እዩ? እቲ ዅሉ ዚኽእል ፍቓድ፣ ሓልዮት ዝመልኦ ገባሬ ሰናይ፣ ዘይልወጥ ርትዓዊ" እንክብል ከም ዝገለጾ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ "ብፍቕሪ ተደሪኹ መለኮቱ ኼካፍለና ዚደሊ" "ልዑል ብጹዕነት - ልዑል በረኸት" እዩ። "ክንምነዮ እዩ ፈጢሩና፣ ክንቅበሎ የስፍሓና፣ ብቑዓት ክንከውን የጽድቐና፣ "ብፍትሒ ይመርሓና፣ ብሕያውነት ይቐርጸና፣ ብፍልጠት የብርሃና፣ ንዘለዓለማዊ ህይወት ድማ ይሕልወና።"
ስለዚ "እቶም ጳጳሳት ዘጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ነገር - ብዙሓት እውን ኣለዉ - እዚ ክውንነት እዚ ፈለማ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ብዛዕባ ግብራዊ ጕዳያት ዘለዎም ሕቶታት እውን ብርሃንን ስርዓታውን በረኸትን ፍርያምን ኪኸውን እዩ።" ከምቲ በርናርዶስ ባዕሉ ዝበሎ ሓደ ጳጳስ "ስርዓታት ኪህልዎ ቕዱስን ጽኑዕ ኪኸውን ኣለዎ ግናኸ ዓርኪ መርዓዊ (ኢየሱስ) ኪኸውን ከምኡውን ነዚ ዕርክነት እዚ ንኻልኦት ኬካፍሎ ኸሎ ክሕጎስ ኣለዎ" እንብሉ የጒልሑ።
ናይ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ትምህርቲ
ጳጳስ ቫርደን ኣስዒቦም ኣተኩሮኦም ናብ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ መንፈሳዊ ኣቦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣተኲይሮም "መብዛሕትኡ ግዜ ንቤት ጽሕፈት ኤጲስቆጶስ ከም ጾር ማለት ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ኣብ ጉዕዞ ዝስከሞ ኣብ ህይወት ውትህድርና ዘድሊ ኩሉ ተሰኪምዎ ዝጓዓዝ - ሸኽሚ ገይሩ እዩ ዝገልጾ። እዚ ቍሩብ ተሪር ዝኾነ ምስሊ ክኸውን ይኽእል ብፍላይ ነቲ ኣብ ስሜን ኣፍሪቃ እተገብረ ወፈረታትን ብድመታትን ምድረ በዳ "ብቝሩብ ጭካነ ዝመልኦ" ምስሊ ኢዩ "ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እተገብረ ወፈራታት ምድረ በዳ ብድመትን ጽምዋን ብዝፈልጥ ሰብ ዝተሓስበ ምዃኑ ምፍላጥ ድማ የድሊ።
ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ ኣብ ስብከቱ "ጾርካ ኽሳዕ መወዳእታ ጹሮ። እንተ ኣፍቂርካዮ ብርሃን ኪኸውን እዩ፣ እንተ ጸሊእካዮ ድማ ከቢድ ኪኸውን እዩ" ከም ዝበለ ብምዝኽካር ጳጳስ ቫርደን፡ "እቲ ጉስነት ጾር ዜፍርህ ትርኢት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ነቲ ጾር መን ኣብ መንኵብና ኸም ዘንበሮ እንተ ዘይኣስተብሂልና ጥራይ እዩ ዜፍርህ - ቢሎም - እቲ ብሕድሪ እተዋህበና መስቀል ብሩህን ብርሃንን ምዃኑን ክንካፈል ምኽኣልና ምንጪ ሓጐስ ዝገብሮ ኣብቲ ልዙብ ኣርዑት ክርስቶስ ምስታፍ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ዕለት 27 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዝለገስዎ ስብከት ዓቢይ ጾም ይዛዝሙ።