2026.02.22 ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ሃገረ ቫቲካን 2026.02.22 ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ሃገረ ቫቲካን  (@Vatican Media)

ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ዝነብሩ ኣብ ኵርያ ሮማና ዘገልግሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትቲ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእመናንን ብሓባር ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘሳተፈ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝካየድ መንፈሳዊ ሱባኤ ሱባኤ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ብዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከም እተጀመረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ሓለፍቲ ላዕልዋይ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ሓለፍቲ ኵሪያ ሮማናን ዘሳተፈ ኣብ ቫቲካን ሰንበት 22 ለካቲት ሰዓት 17 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ጳውሎስ ዓመታዊ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ምእትው ዓቢይ ጾም ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሎም ቀዳማይ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡን እዚ ናይ ለመዘበን ዓቢይ ጾም መፍንሳዊ ሱባኤ መርሕ ቃል “ብሕቡእ ክብሪ ይበርህ” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካብ ዕለት 23 ለካቲት ክሳብ ዕለት 27 ለካቲት ዝካየድ ሱባኤ ዓቢይ ጾም፡ ጳጳስ ቫርደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክልተ ኣስተንትኖ ዘቕርቡ ከም ዝኾኑን እቲ ቐዳማይ ሰዓት 9፡00 ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝቕጽል ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን እቲ ካልኣይ ኣስተንትኖ ሰዓት 17፡00 ድሕሪ ቀትሪ. ዝጅምር ኮይኑ ብኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ብጸሎተ ዘሰርክን ዝዛዘም ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጳጳስ ቫርደን ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ዓቢይ ጾም ምስ ኣገደስቲ ነገራት ከም ዘጋጥመና ኣጒሊሖም፡ "ብንዋታውን ምሳልያውን መዳይ ናብ ትርፊ ነገራት ዘለዎ ቦታ ይወስደና . . . ኣቓልቦና ኺሰርቕ ዚኽእል ነገራት ዋላ እውን ኣብ ገዛእ ርእሶም ጥዑይ ነገራት እውን እንተኾኑ ንተወሰነ ግዜ ካብኣቶም ንህዋሳትና ኣርሒቕና ነቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ከመይ ገርና ከም እንቕበል ብሰፊሕ ከም ዘብርሁንን ኣተሓሒዞም ክርስቲያን ምስ እከይን ጐዳኢ ፍትወትን ክቃለሱን ንሰላም ክስዕቡን ናይ ሰላም ሰባት ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣጒሊሖም፡ ናይ ዕለት 22 ለካቲት ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ፡ ንቅዱስ በርናርድ ብዓል ክሌርቮ ከም ኣርኣያ ጠቒሶም፡ ንሱ ድማ "ንእከይ ክንቃለስ ጽቡቕ ከነማዕብል ንሓቂ ክንድግፍ ከምኡውን ካብ ዘይሓርነት ወይ ጊልያነት ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዘውጽእ መገዲ ምጉዓዝ፣ ብጸጋ ምጉዓዝ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝተረድኦ ከም ዝነበረ ገሊጾም፡ "ፈቃራትን ንጹሃትን ወደ መዝሙር ክንከውን ድማ ይጽውዓና” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Feb 2026, 15:48