ራብዓይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
‘ናጽነት’ ዝብል ኣምር ኣብ ህዝባዊ መደረታት ኣካታዒ እዩ፣ ናጽነት ኩላትና እንብህጎ ሰናይ ክብሪ እዩ፤ ናጽነትና ንምጉዳል ወይ ንምድራት ዘስግእ ዝኾነ ይኹን ነገር ንቃወም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ስነ - ቓላት ናጽነት ውጽኢታዊ መጋበርያ ጣቋ መደረታት ይኸውን። ናይ ሓደ ጕጅለ ናጽነት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ ዝብል ሓሳባትን መግለጽታትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምስ ዝዝርጋሕ ብኡንብኡ ቝጥዓ ዘለዕል ይኸውን እሞ፡ ንሰባት ናብ ጎደናታት ክወጹ እውን ዝገብር ክኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዕላማታት ነቲ ናጽነት ዝብል ቃላት ክምዝምዙ ይረአ። ወጥሪ ይለዓል፡ ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ "ሓራ ዘውጽእ" ኢሉ ዝሓስቦን ዝገልጾን ብኻልኦት ድማ ከም ጨቋኒ ይቑጸር። ተጻረርቲ ግንባራት ይለዓሉ፣ ካብ ኩሉ ወገን "ናጽነት" ከም ሰንደቕ ዕላማ የንበልብሉ። መሪር ግጭታት ካብቲ ንሓርነት ተባሂሉ ዚእመነሉ ካብ ዘይቃዶ ዝክረ ከገራት እዩ ዚመጽእ።
እዚ ዅነታት እዚ ንክርስትያን በዳሂ እዩ ዚዀኖም። ኣብ ዓውዲ እምነት ብዛዕባ ሓራ ምዃን ክንዛረብ እንኮለና እንታይ ማለት ምዃኑ ንጹር ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ በርናርዶስ ‘ካብ መጻወድያ ሃደንትን ካብ መሪር ቃልን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ’ ዝብል ርእይቶ ዝህብ። ንቕዱስ በርናርዶስ ሓቀይና ሓርነት ንዝወደቐ ሰብ "ባህርያዊ" ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ። ባህርያዊ ዝመስለና ነገር እንተሃልዩ ነገራት ብገዛእ ርእስና ክንገብሮ፡ ድሌታትና ከነዕግብን ውጥናትናን ሸቶናን ብዘይ እደ ኣታውነት ኣብ ፍጻመ ብምብጻሕ ብናይ ገዛእ ርእስና ብልሒ ምምካሕን እዩ። በርናርዶስ ኣብ ከምዚ ናይ ሓሶት ኩነታት ንዝነብር ንሓደ ሰብኣይ ክዛረቦ እንከሎ፡ ‘በሊሕ ዝኾንካ ኮይኑ ይስመዓካ?! ንመፈንጠራ ጎይቶት ሸውሃት ኮይንካ ኣለኻ’ እንክብል ከም ዝመለሰሉ ሲታዊ ጳጳስ ቫርደን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ብምምልካት፡ ብቐሊሉ እንዕንቀፍ ምዃንና ኣብ ሓደ ዓይነት ኣረጊት መጻወድያታት ምውዳቕና ኣበይ ከም ዘለና ኣጸቢቕና ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ናጻ ከም ዘይኰንና ናብ ናይ ሓቂ ሸቶ ህይወትና ብቐጻሊ ዕብየት ክንገብር ከም ዘይንኽእል ኣብ ክንዳኡስ ናብ ኵሉ ዓይነት ዕንቅፋታትን ኣቓልቦ ንዚሰርቕ ነገራትን ከም እተጠንጠንና ዘረጋግጽ እዩ።
ቅዱስ በርናርዶስ ብዛዕባ ናጽነት ዝነበሮ ርድኢት ኣብቲ ወልድ ንፍቓድ ኣቦ እነኹልካ ዝብል ፍጹም ተኣዝዞ ሱር ዝሰደደ ሰውራዊ እዩ። ክርስትያናዊ ናጽነት ማለት ንዓለም ብሓይሊ ምስዓር ዘይኮነስ ንዓለም ብዝተሰቕለ ፍቕሪ ምፍቃር እዩ፤ ንሕና ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ሓራ ክነውጽኣ መታን ገዛእ ርእስና ኣሕልፍና ክሳብ ምሃብ ለጋሳት ምዃን ማለት እዩ። እዚ ድማ ብደረት ኣልቦ ፍቕሪ ምፍቃር ማለት እዩ። ናጻ ንኽትከውን፡ ብሓይሊ ጅሆ ዝተታሕዘ ናጽነት፡ ንተግባራት ከም “ውድብ”፡ “ቁጠባ” ወይ “ታሪኽ” ዝኣመሰሉ ስብእና ዘይብሎም ኣካላት ሕጋውነት ንምሃብ ዝሕግዝ መጋበርያ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ጥንቃቐ ይጠልብ። ብክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ፡ ዝኾነ ጨቋኒ ስርዓት ንስነ ሓሳባዊ ናጽነት ብምምሕጻን ኣየድሕንን እዩ። እቲ እንኮ ትርጉም ዘለዎ ናጽነት ውልቃዊ እዩ፤ ከምኡ’ውን ናይ ሓደ ሰብ ናጽነት ናይ ካልእ ሰብ ክስርዞ ኣይክእልን እዩ። ክርስቲያናዊ ሓሳብ ናጽነት ምቕባል ማለት ስቓይ ንምቕባል ድልው ምዃን ማለት እዩ። ክርስቶስ "ንኽፉእ ኣይትቃወም" ክብለና እንከሎ፡ ዘይፍትሓውነት ንኽንጻወሮ ኣይኮነን ዝሓተና፣ ሓደ ሓደ ግዜ ንጉዳይ ፍትሒ ብዝበለጸ ምግልጋል ማለት ምእንትኡ መከራ፡ ብሓይሊ ንሓይሊ ምላሽ ኣይፋል ብምባል ዝግለጽ እዩ። በዚ መገዲ እዚ ምንባር ማለት እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።