ኣቡነ ቫርደን ኣብ ሱባኤ ዘመነ ጾም፦ ቅዱስ በርናርዶስ ምሳሊያዊ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ በርናርዶስ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ዝነበረ? ካበይ እዩ ኸ መጺኡ? ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ምንቅስቓስ ማሕበር ሲታውይን ዝመርሕ ዝነበረ እዩ፣ እዚ ኸኣ መግለጺ ባህርያቱን ትግሃቱን እዩ ዝነበረ።
ብዙሓት ሰባት እንተላይ እቶም ዝያዳ ፈላጣት ዝነበሩ ሰባት፣ ነቲ ማሕበር ከም ዝቕጽል ከም ዝገበሮ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ ዝንበሩ። ርግጽ እዩ ከምኡ ግን ኣይገበረን። ብ1113 ዓ.ም. ወዲ 23 ዓመት ምስ ኮነ ምስ ሰላሳ ዝኾኑ ብጾቱ ኮይኑ ሓደ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመረ ግን ዝዝከር ኢዩ።
እቲ ንሱ እተጸምበረሉ ገዳመ ሲቶ፣ ተሓድሶኣዊ ምንቕስቓስ ከካየድ ሓድስቲ ውጥናት ነበርዎ። እቶም ኣብ 1098 ዓ.ም. ነዚ ገዳም ዝመስረቱ መነኮሳት ነቲ ገዳሞም፣ ሓድሽ ገዳም ክብሉ ሰመይዎ። ሓድስቲ ነገራት ድማ ይገብሩ ነበሩ፣ ብቐዳምነት ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ነገር ተቓውሞ ኣየርኣዩን፣ ምኽንያቱ ከአ ናይ ተቓውሞ ውጥናት ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሓመዱ ከም ዝምለስ ስለ ዝፈልጡ ኢዩ ዝንበረ።
ኣብ ቅድሚ እዚ ኽርአ ኸሎ ውጥን ሲታውያን ዓቃባዊ እዩ ዝነበረ። እንተ ኾነ ግን እቶም ቀልስቲ ዝነበሩ መነኮሳ ሓደስቲ ነገራት ኣተኣታተዉ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ፍረ ኣፍርዩ እዩ።
በርናርዶስ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ዝነበሮ ምትእምማን፣ ነቲ ዝሕድዎ ዝነበረ ትውፊት እቲ ማሕበር ኣብ ምሕላው ሥርዓታቱ ተዓጻጻፊ ኸም ክገብሮ ይኽእል ነበረ። ብዛዕባ እቲ ንቤተ-ክርስትያን ዜድልያ ነገራት ዝነበሮ ኣረኣእያ ሓድሓደ ግዜ ሓያል ኣድልዎ ዜጠቓልል ተሪር ኣቕዋም ንኺሕዝ ይድርኾ ነበረ።
እንተኾነ ግን ንሱስ ግብዝ ኣይነበረን።
ሓቀይና ትሑት፡ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እተወፈየ፡ ጽኑዕ ለውሃት ዝንበሮ፡ ዓርኪ እኳ ድኣ ምስ ናይ ቀደም ጸላእቱ ዕርክነት ኪምስርት ዚኽእል ከምኡውን ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ እሙን ምስክርነት እዩ ዝነበረ። ወትሩ መሳጢ ኣብነት ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ።
ካብ 1948 ክሳዕ 67 ዓ.ም. ኣብ ገዳመ ጌተሴማኒ ኣበምኔት ዝነበሩ ክቡር ኣባ ጄምስ ፎክስ ሓደ እዋን ብዛዕባ ኣባ ቶማስ መርተን ዝተሰምየ ብጻይ ቅዱስ በርናርዶስ ብቝጥዓ ከምዚ ክብል ጸሓፈ፣ 'ኣእምሮኡ ኣዝዩ ብርቱዕ ከም ኤለክትሪክ እዩ ዝነበረ' በለ። መርተን ንፎክስ ብሓሳባቱን፡ ተቕዋማቱን በስገዳድ ኣቖጢዕዎ ስለዝነበረ ኢዩ። ፎክስ ግና ሓቀኛ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። የኽብሮ ምስኡ ይራኸብ እውን ነበረ (ኣብ ማእከል እቲ ከቢድ ክርክሮም ኣብ ዘይነበሩሉ እዋን) ንመብዛሕትኡ ዘመነ መሪሕነቱ ድማ ንኑዛዜ ናብ መርተን ይኸይድ ነበረ።
ቶማስ መርተን ምስ በርናርዶስ ብዓል ክሌርቮ ምምስሳል ዕሽነት እኳ እንተ ዀኖ፣ ናይ ባህርያት ምምስሳል ግን ነበሮም። በርናርዶስ ብዛዕባ ኤለክትሪክ ፈጺሙ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፣ ነቲ ዓብዪ ውጥረት ዝቈጻጸርን ሚዛኑ ክሕሉን ዜድልዮ ቅልጡፍን ክትግምቶ ዘይትክእልን ባህርያት ኢዩ ዝንበሮ።
በርናርዶስ ብዛዕባ ተሓድሶ ዝመሃሮ ትምህርቲ ካብ ቅዱስ መጽሓፋዊ ትውፊት ብግቡእ ኣስተንትኖን ስነ-መለኮታዊ ልምምድን እተወልደ እዩ ዝንበረ። ብተወሳኺውን ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ካብ ብሕታዊ ቓልሲ ዝተወሊዱ ኢዩ ዝንበረ፣ ከመይሲ መገዱ ወትሩ ቅኑዕ መገዲ ምዃኑ ብተመክሮን ብጕድኣትን ብቝጥዓን እተማህረ፣ ቅኑዕ መገዲ ምዃኑ ክምርምር እንከሎ፣ ንገዛእ ርእሱ ጽድቂ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ቅድሚ ምሕረት ዝመልኦ ፍትሒ ኣምላኽ ክድነቕ ኢና እንረኽቦ።
በርናዶስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ስስዐን ትዕቢትን ንምንጋፍ ናይ ዘመነ ጾም ጕዕዞ ዝጅምር ሰብ፣ ንሓቅነት ናብ ኵሉ ብርሃን ፍቕሪ ኣምላኽ ብጥምረት ክስዕብ ዝደሊ ሕያዋይን ጥበበኛን ብጻይ እዩ።
* ጳጳስ ሰበኻ ትሮንድሃይም ኖርወይ ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ቫርደን ነቲ ካብ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 27 ለካቲት ኣብ ዝጸንሕ ናይ 2026 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኩርያ ሮማና ዝኾኑ ካርዲናላትን ኣስተንትኖታት ከካፍሉ ተሓቲቶም ኣለዉ። ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሰበኻኦም ንምኻድ ኣብዚ ጠውቑ።