ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ኒውማን ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዕለት 9 ሕዳር ክኸውን ተወሲኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ሊቅ ቤተ-ክርስትያን ዝኽረ በዓል ኣብ ሮማዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዕለት 9 ጥቅምቲ ክኸውን ከም ዝወሰኑ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን እንግሊዛዊ ኣንግሊካዊ ካህን ነበር ናብ እምነት ካቶሊክ ዝቐየረ ጸኒሑ ድማ ካርዲናል እተሰምየ ኣብ 2010 ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብጽእና ዝተኣወጀሉን ኣብ 2019 ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ እንክብሉ ዝኣወጅዎ፡ ዕለት 1 ሕዳር 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ቅዱስ ቶማስ ኣኲይናስ ተሓባባሪ ጠበቓ ትምህርታዊ ተልእኾ ቤተ - ክርስትያን ከምኡውን ሊቅ እንክብሉ ከም ዝኣወጅዎ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ጆን ሀንሪ ነውማን ኣብ 1845 እምነት ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን እተቐበለሉ ዕለት 9 ሕዳር ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 9 ሕዳር ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዓመታዊ ዝክረ በዓሉ ክኸውን ከም ዝወሰኑ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንቤተ ክርስቲያን ዝበርህ ብርሃን
"እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንኽጽግው ናብዛ ዓለም ዝመጸ ለውሃት ዝመልኦ ብርሃን ጸጋ ኣምላኽ ንጆን ሄንሪ ኒውማን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰላም ንኺረክብ ደረኾ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርታዐ ስለ ዝሃበ ድማ 'ኣምላኽ ንኸገልግል ከም እተፈጠረ ክስቆረ ገበረ። ኣብዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ እሳተፍ፣ ኣነ ሓደ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ ሰባት ናይ ዘሎ ሰንሰለታዊ ምትእሳር እየ፡ ንባዶነት ኣይፈጠረንን” እንክብል ገዛእ ርእሱ ዝገለጸ ቅዱስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ካርዲናል ኒውማን ኣብ ብምሉኡ ነዊሕ ህይወቱ ንድኻታት ብኸመይ ብቐጻሊ ኸም ዘገልገለን ቃል እምላኽ ከም ዝሰበኸን ከም ዚምሃረን፡ ኣብ "ስነ ፍልጠታውን ቲዮሎጊያውን ምርምር" ከም እተሳተፈን የጕልሕ። እቲ ናይ ስርዓት ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ኣብ ዚግበር ጕዕዞ ዜንጸባርቕ ብርሃን" እንክብል ነቲ ኒውማን ገዛእ ርእሱ ዝገለጸሉ ሓሳብ ተርጒምዎ ኣሎ። እቲ ኣዋጅ ቀጺሉ "እቲ ህያው ኣእምሮኡ ኣብ ዓውዲ ቲዮሎጊያን ስነ - ዓቕለስያን ከምኡውን ኣብ ስነ ግጥምን ተወፋይነትን ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ውርሻ ገዲፉልና እሎ፡ "እቲ ኻብ ጽላሎትን ምስልን ናብ ምልኣት ሓቂ ከምርሕ ወትሩ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ንነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ናይቲ ዝተንስአ ኣርኣያ ዀይንዎ ኣሎ" እንክብል የስተብህል።