ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ርክባት ይቕጽል
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ቅድስቲ መንበርን ዘተ ንምቅጻል መደብ እውን ተታሒዙ እንተሎ፡ እቲ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደስቲ ጳጳሳት ክሰምይ ምዃኑ ዝሃቦ መግለጺ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ መብርሂ ከም ዝሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ መንጎ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ቅድስቲ መንበርን ዝካየድ ርክባት ይቕጽል ከም ዘሎን፤ እቲ ዕላማ ነቶም ዝቐልቀሉ ጉዳያት ብዝምልከት ምፍንጫል ወይ ብሓደ ወገን ንዝወሃብ ፍታሕ ንምውጋድ” ዝዓለም እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብምምልካት፡ እቲ ዕለት 2 ለካቲት ኣብ ፍላቪኒ - ሱር - ኦዘርይን ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ናይ ማሕበረሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ኩራተ ዘ ኣርስ ዕለት 1 ሓምለ ሓደስቲ ጳጳሳት ክሰምይ ምዃኑ ዝሃቦ መግለጺ መሰረት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ናብ ቅድስቲ መንበር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጠቒሱ "ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንቐጻሊ ኣገልግሎት ጳጳሳቱ ንምርግጋጽ ፍሉይ ኣድላዪነት" ከም ዘለዎ ዝሕብር እውን እንተኾነ፡ "እቲ መልእኽቲ ግና ንሕቶታት ቅድስቲ መንበር ምላሽ ዘይህብ እዩ፣ እዚ ድማ በቲ ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ዝተመልከተ መገዲ ዘይስጉም ኣገባብ እዩ” እንክብል መልሲ ከም ዝሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
04 Feb 2026, 14:41