ቅድስቲ መንበር ምስ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ክግበር ሓሳባት ጸዊዓ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ዕለት 1 ሓምለ ክካየድ እተመደበ ናይ ቅብኣተ ጵጵስና ደው ከብል ዝኽእል ስነ-መለኮታዊ ምይይጥ ክያድ ብዝብል ሓሳብ፣ እቲ ቅድስቲ መንበር ትማሊ ሓሙስ ንማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ (SSPX) ዘቕረበቶ እማሜ ኢዩ ዝንበረ።
ከም ፍቓድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ንግሆ ኣብ ህንጻ ቅዱስ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ መንጎ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ክቡር ኣባ ዴቪድ ፓግሊያራኒ ላዕለዋይ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ተኻይዱ።
እዚ መስርሕ እዚ "ብግቡእ ኣብ እተገልጸ ሜላ" ከም ዘለዎ ኮይኑ፣ ነቲ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ሕብረት ንምምስራት ዝተሓተ ብቕዓታት ዘቕውምን ከምኡውን ቀኖናዊ ደረጃ እቲ ማሕበር ዳግም ዝምስርሕን ኢዩ።
"ልባዊ ቕኑዕን" ርክብ
ትማሊ ሓሙስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ነቲ ርክብ "ልባውን ቅኑዕን" ምንባሩ ገሊጽዎ ይርከብ ኣሎ። ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ፣ ካብ 2017 ክሳዕ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ እተጻሕፈ መልእኽትታት እዚ ማሕብር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ እዚ፣ ሓያሎ ነጥብታት ከም እተላዕለን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ዝገልጽ ሕቶ ድሕሪ ምግላጾም፣ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ዚግበረሉ ምደባት ክካየድ ሓሳብ ኣቕረቡ።
እቲ ዘተ ነቲ "ገና ብግቡእ ዘይተነጸረ" ኣርእስትታት እንተላይ ኣብ መንጎ "ተግባር እምነትን፣ ተኣዛዝነት እምነትን" ዝብል፣ ማለት ሃይማኖታዊ ተገዛእነት ኣእምሮን ድሌትን ከምኡውን ብዛዕባ እተፈላለየ ጽሑፋት ካልኣይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ቫቲካንን፣ እተፈላለየ ደረጃ ስምምዕን ትርጕሙን ዜጠቓልል ከም ምዃኑ እውን ኣመልከቱ። እቶም ኣርጀንቲናዊ ካርዲናል ኣብ ዕለት 17 ጥሪ 2019 ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ እቲ ማሕበር ዘርዚሩ ኣቕሪብዎ ዘሎ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ክምርምርዎ ሓሳባት ኣቕረቡ።
"ወሳኒ ምፍልላይ" ዜስዕቦ ሓደጋ
ይኹን እምበር ቅድስቲ መንበር ካብ ጳጳስ ናይ ሮማ ብዘይ ተረኽበ ፍቓድ፣ ጳጳሳት ምሻም ብመሰረት ዶግማዊ ቅዋም ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን “ዘልዓለማዊ ጓሳ” (Pastor Aeternus, 1870) ላዕለዋይን፡ ምሉእን፡ ኣድማሳውን፡ ቀጥታውን ስልጣን ከም ዘለዎ መጠን፣ "ወሳኒ ምብትታን ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት" ማለት "ምፍልላይ" ከም ዘምጽእ ደጊሞም ገለጹ።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ብዘይ ፍቓድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተኣወጀ ብዕለት 1 ሓምለ 2026 ክካየድ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ኤጲስቆጶሳዊ ሽመት ደው ንምባል ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ላዕለዋይ ጠቕላዊ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፣ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ናብ ጉባኤ ማሕበሮም ከቕርቡን ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር መልሲ ክህቡን ከም ምዃኖም ኣፍለጡ። እቲ መልሲ ኣወንታዊ እንተ ዀይኑ፣ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ስጕምትታትን መስርሓትን ኣብ "ሓባራዊ ስምምዕ" ኪውሰንን ኪምስረትን እዩ። ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ዝመጽእ ጕዕዞ ምእንቲ ኽሰንዮ ናብ መንፈስ ቅዱስ ክትጽሊ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
"ኣወንታዊ ውጽኢት ክህልዎ ዝኽእል ናይ ዘተ ሜላታት"
ድሕሪ እቲ ናይ ቅብኣተ ጵጵስና ምልክታ ምውጽኡ፣ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝዀነ ይኹን ምብትታን ወይ ብሓደ ወገን ጥራይ ካብ ዝግብር መፍትሔ ንምውጋድ ጸዓረት። ብዕለት 4 ለካቲት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "ኣወንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል ውጽኢታዊ መገድታት ዘተ ንምልላይ" ቤተ ክርስቲያን ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
ቅድሚ ኣርብዓን ሸሞንተን ሰዓታት ኣቐዲሙ፣ እቲ ማሕበር ብዕለት 1 ሓምለ ናይ ቅብኣተ ጵጵስና ሥርዓት ከም ዝካየድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እውን ኣፍሊጡ ነበረ። እዚ መግለጺ እዚ ነታ ናብ ቅድስቲ መንበር እተላእከት መልእኽቲ ብምጥቃስ፣ "እቲ ማሕበር ኣብ ኣገልግሎት ጳጳሳቱ ቀጻልነት ከምዘለዎ ንምርግጋጽ ዘገደዶ ፍሉይ ኣድላዪነት" ገለጸ። እቲ ኣብ ኢኮን ስዊዘርላድ ዝመደበሩ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፣ ቅድስቲ መንበር ንሕቶታቱ "ምላሽ ዘይህብ ደብዳበ" ከም ዝለኣኸት እውን ገለጸ።
ቅድሚ እቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቅዱስ ቤት ጽሕፈት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሞም ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝሓለፈ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 9 ለካቲት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሓዋርይዋዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘየድዎ ርክብ ነቲ ምስቲ ማሕበር ዝካየድ ርክብ ክመርሑ ከም ዝመዘዝዎም እውን ዝዝከር ኢዩ።