ዝኽሪ መበል 95 ዓመት ምጅማር ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ዝኽሪ መበል 95 ዓመት ምጅማር ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን  ርእሰ ዓንቀጽ

ዝኽሪ መበል 95 ዓመት ምጅማር ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን

ካብቲ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ኣብ 1931 ቀዳማይ ፈነወ ራዲዮ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ናይ ሎሚ ስነ ኣሃዝውን ዘብ ስርሖ ኣስተውዕሎን - AI ዘመን ራዲዮ ቫቲካን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ወንጌልን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረሰባትን ኣገልግሎቱ ካብ ዘበገስ ዕለት 12 ለካቲት መበል 95 ዓመት ኣብዒሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ 95 ዓመት ድምጺ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ኩሉ ቦታ ኣዋጅ ወንጌልን ተስፋን ቃል ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ንዓለም ኣብ ምቕራብ ይቕጽል ከም ዘሎ ናይ ዜና ቫቲካን ሓላፊ ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ኣብ ዘቅረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ብምዝኽካር፡ ንነፍሲ ወከፍ ዶብን ርሕቀትን ሰጊሩ፡ ንኹሉ ብሓቛፍነት መንፈስ የገልግል።

ሎሚ ሓሳባትና ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ዕለት 12 ለካቲት 1931 እቲ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ዝመስረተ ናይ ስነ ፍልጠት ሊቕ መሃዛይ ራዲዮ ናይ ዝኾነ ጉግሊልሞ ማርኮኒ ድምጺ ዝተሰመዓሉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ንማርኮኒ ነዚ ዜደንቕ መሳርሒ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ናይ ምንዳፍን ምህናጽን ሓላፍነት ብምሃብ ብወግዒ ዝተበገሰ ራዲዮ ቫቲካን ብማሕበር ኢየሱሳውያን ክመሓደር እውን ከም ዝወሰኑ ይዝከር።

መሃዛይ ራዲዮ ማርኮኒ ንመጀመርታ ግዜ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ መላእ ዓለም ብሓንሳእ ክስማዕ ከም ዝኽእል" ብምርግጋጽ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ብቛንቋ ላቲን ኣብ ታሪኽ ቫቲካን ንመጀመርታ ግዜ "ንዅሎም ህዝብታትን ንዅሎም ፍጡራትን" እተላእከ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ረድዮ ከም እተመሓላለፈን፡ ድሕሪ ቃል ፒዮስ መበል 11 ሓደ ካብቲ ናይ ቤቶቨን ድርሰት ሙዚቃ ከም እተመሓላለፈፍ መኒከቲ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ብምዝኽኻር፡ እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገምሪ ኣብ ተኽእሎታት እደ ጥበብ ንኣገልግሎት ሰብኣዊ መራኸቢታትን ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዓሚቝ እምንቶ ከም ዝነበሮም ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ግብራዊ ፈተነ ጥራይ ዘይኰነስ ቅኑዕ ናይ ጓሳዊ ምርጫ ከም ዝነበረን፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ሜላታት ተጠቒምካ ንልቢ ሰባት ንምትንካፍ ዝኣመተ እዩ።

ክሳዕ ሕጂ ሬድዮ ቫቲካን ንትሽዓተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ዝጠፍኡ ሰባት እንደገና ንኺራኸቡ ከም ዝሓገዘን። ኣብቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረሉ ጸልማት ዓመታት መብራህቲ እያ ነይራ። ብዛዕባ ኻልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ዓመተ ኢዮቤል ብዛዕባ ብድሆታት ኵላዊ ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩክረይን ማእከላይ ምብራቕ ኮንጎ ምያንማር የመን ከምኡውን ሶርያ ዘጋጠመ ብዙሕ ግጭታት ዝሸፈነን። እዚ ድማ መገዲ ጸሎትን ሓበሬታን ሕንጸትን እዩ ነይሩ፣ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ። ህብረ ባህልታት መለለይኡ ዝኾነ ራዲዮ ቫቲካን ንዓለም ንምንባብ ክቡር መፍትሕ እዩ። ሎሚ እቶም ኣብ ፈነወ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ሬድዮ ዝሰርሑ ካብ ስሳን ትሽዓተን ሃገራት ዝመጹ ኮይኖም፣ ብ34 ኣብያተ ጽሕፈት ኣሰናዳኢ ቛንቋታት ከምኡውን ብህብረ መራኸብታት ኣቢልና ናብ መላእ ዓለም ንበጽሕ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓበይቲ ናይ ከባቢኦም መራኸቢ ብዙሓን ርሒቖም ንዘለዉ ማሕበረሰባት ድምጺ ንህቦምን ንህይወት ኣብያተ-ክርስትያን ነሰንይን።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ረድዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝተኣታተወ ሰፊሕ ተሓድሶ መራኸቢታት ዓሚቝ ለውጢ ገይሩ እዩ። ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከኣተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምቛም እተፈላለያ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝያዳ ሓድነትን ምትሕብባርን ስርዓት ምውህሃድ ውድባዊ፣ ሞያውን ባህላውን ለውጥታት ገይሩ ይርከብ። እዚ ጕዕዞ እዚ ቐሊል ኣይነበረን ሕጂውን ይቕጽል ኣሎ እንተዀነ ግን ኣብ ኣገልግሎት ቅዱስ ኣቦናን ሓቅን ዘሎና ተልእኾ ብንጹር ብምፍላጥ ኣብ ውሽጢ እቲ ናውትን ቅርጽን መራኸቢ ብዙሓን ብቕልጡፍ ኣብ ዝቀያየረሉ ዘሎ እዋን ብቐጻሊ እናተወሃሃደ ኣብዚ ኣልግሎት እዚ ይቕጽል። ኣብዚ መገዲ እዚ ብቓላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዕዮና ብተደጋጋሚ ተቐቢሎምናን ኣገዳስነት ሓድነትን ንሓቂ ምግልጋልን ንህይወት ህዝቢ ኣምላኽ “ብኣጽዋር ዘራገፈን ኣጽዋር ዘፍትሕን መራኸቢ" ብምዝካር ዝያዳ ሕውነታዊ፣ ደገፍን ተቐባልነት ዘለዎን ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ሰላማዊ ሕብረተሰብ።

ረድዮ ቫቲካን ነቲ ብ56 ቋንቋታት ብጽሑፍ ብዘረባን ብቛንቋ ምልክትን ኣቢሉ ብረድዮ ማዕበላት ሳተላይት ፈነወታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ምስማዐ ርእየት ፈነወታት ከምኡውን ብስነ ኣሃዛዊ መድረኻት ኣቢሉ ንሰማዕቲ ዝበጽሖ ሓበሬታ ቫቲካን የዳሉን ይድግፍን እዩ።

ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ረድዮ ቫቲካን ኣብ መዋእል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እዩ ዝውዕል ዘሎ፣ እዚ እደ ጥበብ እዚ ንዓለም መራኸቢ ብዙሓንን መራኸቢታትን እውን ዓሚቝ ለውጢ የስዕብ ኣሎ። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ጠቓሚ ሓጋዚ መጋበርያን ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን ምዕሪት ቀመር ነቲ ሰብ ማለት ሓሳብን ፈጠራን ምምዝዛንን ክትክኦ ኣይክእልን ኢዩ ክኸውን እውን የብሉን።

ካብ 2012 ንነጀው ዝኽሪ ምጅማር ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ምስቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ትምህርቲ፣ ስነ ፍልጠትን ባህልንን ትካል - UNESCO ዕለት 13 ለካቲት ዝቘመ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ረድዮ ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መሳርሒ ደኣ እምበር ድምጺ ኣይኰነን" ንዝብል ኣርእስቲ እተወፈየ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ምስቲ ኣብ 2026 ዓለምለኻዊ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝሰማማዕ ኢዩ። እዚ ድማ ንውልቃዊ ሓላፍነትን ምስትውዓልን ከምኡውን ነቲ ዘይትካእ ሰብኣዊ ክቡር ዋጋ ዝኾነ ናይ ምርኻብ ባህርይ ዘይትከኦ ምዃኑ የዘኻኽር።

ረድዮ ቫቲካን ወትሩ ንእደ ጥበባዊ ዶባት ኣቓልቦ ብምግባር ነቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘቕርቦ ተኽእሎታት ይምርምር። እንተዀነ ግን ረድዮ ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ምርኻብ ካብ ገጽ ሕልናን ሓላፍነትን ዝምንጭው ቃል ኢዩ ዝብል እምነት ፈጺሙ ዘይርስዕ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ረድዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ እደ ጥበብ እዚ ንሰብኣዊ ኣካል ከም ዜገልግል ደኣ እምበር ብኣንጻሩ ኸም ዘይኰነ ይምስክር። ሎሚ እውን ከም እቲ ኣብ 1931 ረድዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተልእኾኡ ይቕጽል ኣሎ እዚ ድማ መልእኽቲ ወንጌልን ድምጺ ር.ሊ.ጳጳሳትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምርትን ኣብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ንማሕበረሰባት ኣብ ምርኻብን ምስማዕን ምግልጋልን ይርከብ።

(ማሲሚሊያኖ መኒከቲ)

13 Feb 2026, 15:44