ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዘይ ፈተና ኣብ ምድሪ ዝነብር የልቦን። ሓደ ኻብ ሓደ ዕረፍቲ እንተ ረኺቡ ብርግጽ ካልእ ይጽበ። ኣብ መንጎ ርግጸይናነት ሓገዝ ኣምላኽን ኣብ ድኻምና ዘይምትእምማንን ቅኑዕ ሚዛን ከነማዕብል ይግባእ፣ ንፈተናታት እናፈራሕና ግን ከኣ ዘይተርፍ ምዃኑ ምቕባል፣ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ ድማ እግዚኣብሔር ፈተናታት ንኸጋጥመና ይፈቅድ።
ብምንታይ መዳይ እዩ ጠቓሚ ዝኸውን?
ነቲ ኣቦ ሓሶት ዚድርብዮ ፍላጻታት ምስ እንጻረሮ ንሓቂ ዘሎና ቓል ኪዳን ወይ ተወፋይነት ይድልድል። ካብቲ ዘዳኽመና ሓሶት ምስ እንርሕቕ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነበራትዖም ንኽእል ኢና። ህርፋን ብፍሉዩ ንዘይሓቂ ኢድካ ምሃብ ይውክል። ህርፋን ኣዝዩ ረቂቕ ዘይኮነ መልክዕ ትምኒት ዝተላበሰ እዩ። ቅዱስ በርናርዶስ ነዚ ኺገልጾ እንከሎ። ህርፋን ስልጣን 'ረቂቕ ሕማም ምስጢራዊ ተህዋስ ስሒራዊ ተህዋስ መታለሊ፡ ኣደ ግብዝና ወላዲ ቅንኢ ምንጪ እከይ እንክብል ይገልጾ። ንገበናት የጎሃህር ክቡራት ዋጋታት የእርግ፡ ቅድስና ከም ዚምሽምሽ ልቢ ድማ ከም ዚዓውር ይገብር። ፈውሲ ናብ ሕማም ይቕየር። ካብ መድሃኒት ዘይምግዳስ የውጽእ።' ህርፋን ካብ 'ናይ ኣእምሮ ምርሓቕ' እዩ ዚምንጭው። ሓቂ ምስ እትርስዕ እዩ ዝውለድ። ህርፋን ሓደ ዓይነት ዕብዳን ምዃኑ ብዝኾነ መልክዕ ዕሽነት ይውክል፣ እንተኾነ ግን በቶም ንኣገልግሎት ዝውፈዩ ሰባት ክግለጽ እንከሎ ድማ ዝያዳ ዕሽነት ይኸውን። . . .
"ሓቂ እንታይ እዩ?"
ናይ ዘመንና ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ ብትግሃት ይሓቱዋ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘደንቕ ሰናይ ድሌት፣ ዋላ እኳ ምድንጋርን ፍርሕን ኩሉ ግዜ ሸበድበድን እንተሃለወ። ከይተመለሰ ክተርፍ ኣይክእልን። ኣብቲ ፍርሕን ከንቱ ትዕቢትን ህርፋንን ዝብል ዕሽነት ዝመልኦ ፈተናታት እነባኽኖ ጸዓት ክህልወና የብሉን። ንጽቡቕ፡ ኣገዳሲ፡ ሓራ ዘውጽእ ሓቂ ዝጻረሩ ብዝተፈላለየ ኣጋንንታዊ ተግባራት ዝትክኡ ንምስዓር ጸጋታት የድልየና። ኣብ ጽንኩር ኵነታትናን ኣጋጣሚታት ዝመልአ ኵነታትናን ንዓለም ብብርሃን ክርስቶስ ክንርእያን ክንገልጻን የድሊ። እቲ ሓቂ ዝዀነ ክርስቶስ የዕቍበና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ከንቱነት ከም እተቓልዐ እናፈለጠ ዚኸይድ ፍጥረት ብኣና ኣቢሉ ንገዛእ ርእሱ ንምግላጽ ትዕግስቲ ስለ ዘይብልና የሐድሰና።
ምስ ግዜ ኣምጽኦ እትስጉም ዓለም ማዕረ ማዕረ ኽንስጕም ኣሎና ኢልካ ምሕሳብ ፈታኒ እዩ። እዚ ዘተሓታትት ኣሰራርሓ ኢዩ ምበልኩ። እታ ቀስ እናበለት እትንቀሳቐስ ኣካል ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ግዚኣ ዝሓለፋ ካልኣይ ኢድ ዝጠዓመት ኮይና ናይ ምቕራብ ሓደጋ የጋጥማ። ይኹን እምበር ናይ ገዛእ ርእሳ ቋንቋ፡ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ስርዓታታን፡ ኣቦታታን፡ ኣዴታታን፡ ገጠምታን ቅዱሳንን ጽቡቕ ጌራ እንተተዛሪባ ግን፡ ከም ቀደሙ መበቆላውን ፍሩይን ባህሊ፡ ብሓድሽ መንገዲ ጥንታዊ ሓቅታት ክትገልጽ ድሉው ዝኾነ ባህሊ ከተቕርብ ዕድል ይህልዋ።
እዚ ስራሕ እዚ ኣገዳሲ ስነ ፍልጠጣዊ ሸነኽ ኣለዎ። ህላወኣዊ ሸነኽ እውን ኣለዎ። ከምቲ ካርዲናል ሹስተር ኣብ ዓራት ሞቶም ዝበልዎ 'ሰባት ድሕሪ ደጊም ብስብከትና ክእመኑ ዘይፈቕዱ ይመስሉ፣ ኣብ ህላወ ቅድስና ግን ጌና ይኣምኑ፣ ጌና ተንበርኪኾም ይጽልዩ። 'እቲ ኵላዊ ጻውዒት ቅድስና፡ ማለት ጻውዒት ሓቂ ስጋ ዘልብስ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ዘዜሞ ማህሌት ዶ ኣይኮነን? ኣብ ኵሉ ምይይጥታቱ ኸም መድሎ ብዜደንቕ መገዲ እዩ ዚግለጽ። እቲ ክርስትያናዊ ሓቂ ኺዛረብ ከሎ ግርማኡ ብቕድስና ብውፉይ ፍቕሪ ምስ ዚግለጽን ካብ ግዝያዊ ፈተናታት ምስ ዚነጽሕን ዜእምን ይኸውን እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ይዛዝሙ።