ድለ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣመሪካ ብዙሕነታዊ ዘተ ክካየድ ትጽውዕ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣመሪካ ብዙሕነታዊ ዘተ ክካየድ ትጽውዕ 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣመሪካ ብዙሕነታዊ ዘተ ክካየድ ትጽውዕ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ (OAS) ኣብ ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ውድብ ቀዋም ቤት ምኽሪ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መደረ፣ ብዛዕባ ዲሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጸጥታን ልምዓትን ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ዅዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ናይቲ ውድብ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሻምናይ ዓውደ ኣኼባ

ቅድስቲ መንበር ኣብ 1978 ኣብቲ ውድብ ብቀዋሚ ተዓዛቢ ውክልና ዘቖመት ምዃና ሓቢሮም፡ እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣመሪካ "ናይ ዘተን ምትሕብባርን ምርድዳእን ዝሕግዝ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ፖለቲካዊ መድረኽ" ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘተ ሓይሊ እምበር ድኻምነት ኣይኮነን

ሕመረት ናይቲ ሊቀ ጳጳሳት ዅዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ዘስምዕዎ መደረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኮይኑ፡ ኣብኡ ድማ ቅዱስ ኣቦና መገዲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሽምግልናን ኣህጉራዊ ሕግን "በቲ ብተደጋጋሚ ዚጥሕስ ውዕላት ንሓደጋ ዝተቓልዐ እኳ እንተ ዀነ" ሕጋውነት ምጥፋእ ዘይኰነስ ልዕለ - ሃገራውያን ትካላት ምድልዳል ኣድላይነቱ ከም ዘጉልሑ ጠቒሶም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ሊቀ ጳጳሳት ክሩዝ ሴራኖ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ "ቤት ኣመሪካ" ተባሂሉ ዚጽዋዕ ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ (OAS) ኣብ ኣርባዕተ ኣዕኑድ ማለት ኣብ ዲሞክራሲ ሰብኣዊ መሰላት ህብረ ኣድማሳዊ  ድሕንነት ከምኡውን ኵለንተናዊ ምዕባለ "ናይ ሰብን ሕብረተሰብን ምሉእ ብምሉእ ራእይ ንኼንጸባርቕ" ዝተጸውዐ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዝተሰረተ ራእይ

ሊቀ ጳጳሳት ክሩዝ ሴራኖ እቲ ነፍሲ ወከፍ ዓንዲ ናይቲ ውድብ ብድልዱል ተቝዋምን ዘተን ዝድገፍ ደሞክራስያዊ ባህሊ ኣገዳስነት ዘጉልሕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ቅድስቲ መንበር፡ "ህይወት ካብ ምጽናስ ጀሚርካ ኽሳዕ ተፈጥሮኣዊ ሞት" ዝብል ናይ ህይወት ባህሊ መሰረት ዝገበረ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ ዘለዋ ቘራጽነት ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ናይ ውልቀ - ሰብ መሰል ጥራይ ዘይኰነስ ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መሰረት ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ቅድስቲ መንበር ድኽነትን ዓመጽን ምህዳራዊ - ከባቢያዊ ዕንወትን ንምውጋድ ዝተዋደደ ምላሽ ከምዘድሊ ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ኣረጋጊጾም፡ ንፍቀ ክባዊ ስርዓተ ሕግታት ንምድልዳልን “ኣዚዩ ሰላማውን፡ ዘላቕነት ዘለዎን ንስደተይናታትን ዝተገለሉ ህዝብታትን ተቐባልነት ዝውሕስ” ሃዋሁ ንምህናጽ “ኣረኣእያታት፡ ተመኩሮታትን ተሓባብርነትን” ከተቕርብ ከምእትኽእል ኣመላኺቶም፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኰረ ናይ ብዙሕነት ዘተ ንትምኒት ህዝብታት ናይቲ ንፍቀ-ኽቢ ብውጽኢታዊ መገዲ ምላሽ ክህብ ከም ዝኽእል ኣብ ዘለዋ እምንቶ ጸኒዓ ምስ ውድብ ሃገራት ኣሜሪካ (OAS) ንጡፍ ምትሕብባር ንምቕጻል ድሉውቲ ምዃና ብምርግጋጽ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Feb 2026, 15:47