ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ርክብ ቅድስቲ መንበርን ማልታን ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ርክብ ቅድስቲ መንበርን ማልታን  (© Archdiocese of Malta)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ርክብ ቅድስቲ መንበርን ማልታን

ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማልታን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት መበል 60 ዓመት ኣብ ዘኽብራሉ ዘለዋሉ እዋን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሃገረ ማልታ ከተማ ቫሌታ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት “ድሮ ዝነበረ ህያውን ብሓድነትን ዘተን” ዝጸንዐ ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ናብ ሪፓብሊክ ማልታ ዑደት ብምክያንድ ኣብ ወግዓዊ መደብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ክሌኣዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማልታን ከም ዝሓበሩን፡ ሰንበት ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ቫሌታ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ነቲ ሃዋርያ ኣህዛብ ናብ ሮማ ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ ዝተመክሮ ብምዝካር፡ “ማእሰርትን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝኾነ ሓይልታት እንተጋጠሞን ብማዕበል እንተተናወጸ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህቦብላ” ነገራት ብንጹር ክርኢ፡ ብስልጣን ክዛረብን ንሰራሕተናታት ናይታ ዝጓዓዘላ ዝነበረት መርከብን ተጓዓዝትን ከተባብዕን ተስፋ ከስርጽን ክኢሉ እዩ። ኣምላኽ እሙን ስለ ዝዀነ፡ ህይወት ከም ዘይትጠፍእ፡ ዘረጋግጽ ዓሚቕ ሓቂ እናበሰረ፡ ‘ኣይትፍርሁ’ እንክብል ከም ዘበራተዐ ብምዝኽካር፡  ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዚ ዘለዎ ስልጣን ካብ መዓርግ: ካብ ሽመት: ወይ ካብ ሓይሊ” ዘይኰነስ “ካብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ካብ ዘለዎ ናይ ሓላፍነት ስምዒትን” ከም ዝብገስ ብምርግጋጽ፡ ተቓላዕን እሱርን እኳ እንተነበረ፡ መምርሕን ምንጪ ሓይልን ኮይኑ ከምዝነበረ ገሊጾም፡ እቲ ንሎሚ ዚኸውን ትምህርቲ፡ “ሓቀይና ስልጣን፡ ማለት መንፈሳዊ ይኹን፡ ጓሳዊ፡ ወይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ካብ ምቁጽጻር ዘይኰነስ፡ ካብ ተኣማንነት ዝውለድ፡ ፍታሕ ምጽዓን ዘይኰነስ፡ ኣብ ህሞታት ፈተና እሙን ምዃን ዝብል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ እቶም ነተን ሓደጋ ዘጋጠመን መራኽብን ተጓዓዝንትን "ዘይተለምደ ለውሃት" ዘርኣዩ ተቐማጦ ማልታ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ተወኪሶም "ኣብ መሬት ማልታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊ ተግባር ምቕባል ኣጋይሽ” ምዃኑ ብምምልካት፡ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ክርስትያናዊ ታሪኽ ማልታ "ነቲ ኻልእ ናይ ምቕባል ምስ ሓደጋ ናይ ምርኻብ ፍርሂ ድማ ናብ ርክብ ናይ ምቕያር" ክእለት ዝተነብሮ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ጓና ኰይኑ ይመጽእ ኣብኡ ድማ ኣቦ እምነት ኮይኑ ብምትራፍ ካብ ማልታ ይጓዓዝ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ኣማእኪሎም "እቲ ንቅዱስ ጳውሎስ ናብ ማልታ ዝተጓዓዘሉ ባሕሪ ካብቲ ህዝብታት ሎሚ ዝጐዓዙሉ ባሕሪ ታሪኽ እተፈልየ ኣይኰነን፡ ዓለም ብውግእን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን ብማሕበራዊ ምግምማዕን ዝተዓብለለትን ብዛዕባ መጻኢ ፍርሂ" ዝመልአት ምዃና ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ "ሓላፍነትና ንኽንሓድግ ወይ ድሕንነት ብሓይልና ንምድላይ" ኪፈታተነና ይኽእል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ ብምስማዕን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብምዝታይን ህይወቶም ኣገዳስነት ከም ዘለዎን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዘሎን ብምዝኽኻር፡ ካልእ መገዲ የርኢ እዩ። እዚ ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም እውን እዩ። ቅድስቲ መንበር ንነፍሲ ወከፍ ህቦብላ የህድኦ እየ ኣይትብልን እያ። ግናኸ ብትሕትናን ብጽንዓትን፣ ሓደ ሰብ ክጠፍእ የብሉን፣ ሰላም ይከኣል እዩ፣ ዘተ ንኸንቱ ፈጺሙ ኣይከውንን ዝብል እምነት ህያው ክትገብር ትደሊ - ቢሎም - ኣብ መንጎ ማልታን ቅድስቲ መንበርን ቅድሚ ስሳ ዓመት ዝጀመረ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ፍረ ናይቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ዝኾነ ናይ ክልተ ሽሕ ዓመት ምትእስሳር” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ምስ ግዜ፡ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን፡ ነፍሲ ወከፎም ንርእሰ - ምሕደራን ልኡላውነት ናይቲ ካልእ ኣብ ዘኽብርሉ እዋን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ምትሕብባር ከም ዝኽእሉ ኣርእዮም እዮም - ብትሕትናን ብንጹርን ብጽንዓትን” እንተተገይሩ። ምስታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብቐረባ ዝሰማማዕን ንመንግስታዊ ትካላት ዘኽብርን “ኣቓልቦን ሰማዒን ህላወ” ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብምዝኽኻር፡ ድሕሪ ናጽነት ማልታ ናብ ኤውሮጳዊ ውህደት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ፡ ቅድስቲ መንበር፡ ዘይምርድዳእ ንምውጋድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምኽንያትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሰናይ ድሌትን ዝተሰረተ ፍታሕ ንምስፋሕ ኣብ ቀጻሊ ዘተ ከም ዝሓገዘት ኣመልኪቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ሓዳር፡ ንብረት ቤተ ክርስቲያንን ምቛምን ዝግበር ስምምዓት፡ ከም “ተራ ሕጋዊ መሳርሒ” ዘይኮነስ ከም “ምልክት ብትዕግስቲ ዝተሃንጸ ምትእምማን” ክረአ ኣለዎ። እዞም ስምምዓት እዚኣቶም፡ ንሕብረተሰብ “ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነት ብምኽባር ንምግልጋል” ዘለዎም ናይ ሓባር ድሌት ዝገልጹ እዮም፡ ኣብ ሓደ ግርጭት ወይ ቄስሳውነት ዘይኮነ ዝምድና፡ ግን ከኣ ኣብ ዘተን ክውንትን ዝጸንዐ እዩ፡ ንዑደት ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ማልታ ብዝምካር ነዚ ድማ “ናይ ጸጋ ህሞታት” እንክብሉ ገሊጾም፡ ተቕዋማዊ ምትእስሳር ብፍቕርን ጸሎትን ሓባራዊ እምነትን ምዃኑ ዘብርህ እዩ፡ "ማልታ ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ንቅዱስ ጳውሎስ እተቐበለቶ ብፍርሂ ዘይኰነስ ብዓብዪ ውዕዉዕ ስምዒትን ልግስን ሓንጐፋይ ኢላ ትቕበል” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጢ።

02 Feb 2026, 15:52