ድለ

ካርዲናል ፋረል፡ ከባብያዊት ቤተክርስትያን ንዓለማውያን ብመሰረታዊ ሕንጸት ክትሕግዝ ይላበዉ ካርዲናል ፋረል፡ ከባብያዊት ቤተክርስትያን ንዓለማውያን ብመሰረታዊ ሕንጸት ክትሕግዝ ይላበዉ 

ካርዲናል ፋረል፡ ከባብያዊት ቤተክርስትያን ንዓለማውያን ብመሰረታዊ ሕንጸት ክትሕግዝ ይላበዉ

ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ከቪን ፋረል፡ ነቲ ካብ ዕለት 4 – 6 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት ቅድስቲ መንበር ሳልሳይ ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስሞዎ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ንዓለማውያን ኣብ ሕንጸት ንኽሕግዛን ዓለም ሓቆፍ ኣኼባታት ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ድማ ‘ሓቀይና ተመክሮታት ርክብ ምስ ኢየሱስ’ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 4 ለካቲት ናይ ዓለማውያን ምእመና ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ከቪን ፋረል ነቲ ክሳዕ ዕለት 6 ለካቲት ዝቐጸለ ሳልሳይ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዝኸፈቱን ነቲ "ቍጽሪ እቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ሰባት ዘሰምብድ ወሰኽ" ምላሽ ንምሃብ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ምእመናን "መሰረታዊ ሕንጸት" ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ብምምልካት፡ ብፍላይ ድማ ንኹሉ ህይወት ዘጠቓልል “ሕንጸት ልቢ” ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ መበገሲ ክርስትያናዊ ሕይወት ምስቲ መጀመርታ ንልቢ ዝቐየረን፣ ድሕሪኡ ኣተሓሳስባና ዝቐየረን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መዓልታዊ ኣካይዳን ኩሉ ህይወትን ዝቕይር ኣካል ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስብከተ ወንጌልን ትምህርተ ክርስቶስን

ካርዲናል ፋረል ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት መፍትሒ መሓውራት ወይ መትከላት ካቶሊካዊ ትምህርቲ ወይ ግብረ ገባዊ ምቕያር ከምዘይኮነ ኣስሚሮም፡ ከምዚ ዓይነት ለውጥታት “ንሰባት ናብ ቅዳሴ ኣይመልስን”፣ ጸዋዕታ ኣየብዝሕን፣ ወይ ንመንእሰያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይክስሕብን’ዩ። እንታይ ደኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ሰበኻታትን ቁምስናታትን፡ ብቐዋሚ ሕንጸት፡ "መንገድታት ስብከተ ወንጌል፡ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ምስጢራት መባእታ ክርስትናዊ ህይወት ኣብ ሕንጸት እምነትን ከምኡውን ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ምትሕብባር" ከቕርቡ ኸም ዘለዎም ኣጒሊሖም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብታ ሓድሽ ናይ ተስፋ ቅጺ ምቕራጽ ዘርእቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፡ ክርስቲያናዊ ሕንጸት "ንብምሉኡ ሰብ መንፈሳዊ፣ ኣእምሮኣዊ፣ ስምዒታዊ፣ ማሕበራውን ኣካላውን" ዘጠቓልል ክኸውን ህያውን ኣዋጅ ወንጌልን ትምህርተ ክርስቶስን መባእታ ናብ ሕይወት ቅዱሳት ምስጢራት፣ ሊጡርጊያዊ በዓላት፣ ናይ ጸሎት ህይወት፣ ህይወት ብብርሃን ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር፣ ዘተን፣ ተመክሮታት ሕውነት፣ ኣገልግሎት፣ ግብረ ሰናይን ወንጌላዊ ንጥፈታትን ዘሳዄዐ ኽኸውን ኣለዎ” ቢሎም፡ ሓደ መሰረታዊ ባእታ ናይዚ ህንጸት እዚ፡ ናይ ኩሎም ቤተ ክርስቲያናዊ ባእታታት ማለት ጓሶትን፡ ዓለማውያን ምእመናን፡ ኣባይቲ ስድራ፡ ውልቀ ሰባት፡ ሰብ ወፉይ ህይወትን ዓለማውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ጉጅለታት መንእሰያት፡ መሓውራትን መደባትን ቁምስናታት፡ ዋላ’ውን ብመስመር ኢንተርነት መደብ ሕንጸትን “ሓዋርያት መርበብ ሓበሬታን” ዝገብርዎ ምትሕብባር ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕንጸት ስድራቤታትን መጻምድትን

ብተወሳኺ ካርዲናል ፋረል ክርስትያናዊ ሕንጸትን ምስናይ ኣባይቲ ስድራን መጻምድትን ብፍሉይ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም ብምምልካት፣ ኣብ እዋን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንጳጳሳት ምስማዕ፣ ከምኡ’ውን ምስ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር - ኵርያ ሮማና ዘካይድዎ ርክባት፣ ኣባይቲ ስድራ ብናይ ሓዳር መንፈሳውነት፣ ናይ ሓዳር ሕይወት፣ ስድራቤታዊ ጸሎት፣ ከምኡ’ውን እምነት ናብ ዝውለዱ ደቃቶም ንምስግጋር ዕድላት ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ካርዲናል ፋረል ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰራርሓ ብቐዳምነት በቶም ብዛዕባ ህይወቶም ምስክርነት ገይሮም ንኻልኦት መጻምድቲ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ሰብ ሓዳርን ነቶም ቅልውላው ዜጋጥሞም ሰባትን ክመርሑን ከብርሁን ክድግፍዎምን ዝኽእሉ ሰብ ሓዳር ክህልዉ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንቤተ-ክርስትያን "ቅንኣቶምን ምህዞኦምን ንብዙሓት ሰባት ናብ እምነት ንምቕራብ ዝሕግዙዎም ሓደስቲ ቅዱሳን ክትንስኡ" ከምኡውን "ንወንጌላውነትን ንትምህርተ ክርስቶስን ሓድሽ ድራኸ" ከማዕብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ዕላማታት ናይ ዓልማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር

ካርዲናል ፋረል ንዕላማታት ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓጺሩ ኣብ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናዊ ሃዋህው እምነት ኣብ ሰባት ኣይፍጠርን እዩ፣ እንታይ ደኣ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ንቡር እዩ ዝውሰድ፡ እምበኣር ክርስትያናዊ ሕንጸት እምነት ክፈጥርን ንሰባት ናብ “ምስ ኣምላኽን ምስ ክርስቶስን ህያው ርክብ” ክመርሖም ኣለዎ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሱል ክርስትያናዊ ሕይወት ከዕቢ ኣለዎ።” ጉባኤ ጳጳሳት ንሕንጸት ብሓቂ ክውፈዩ ከምኡውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ጉስነታዊ መዳይ ከባቢአን ክወስዳኦ ዝኽእላ መምርሒታት ክርስትያናዊ ሕንጸት ንምድላው ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ መሰረታዊ መዐቀኒታት ምልላይ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት

ብናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዘዳልዎ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባታት፡ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት፡ ዓለማዊ ለኻዊ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ ዓለምለኸ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ሓዊሱ -  ይብሉ ካርዲናል ፋረል፡  ባህላውን ቁጠባውን ዓውሎማውነት፡ ምውሳኽ ማሕበራዊ ምንቅስቓስን ኣብ ውስጠ - ባህልታት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ዘይምግዳስ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝዓቢ ዘሎ ድልያ መንፈሳውነት" ብምጥቃስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ዓሚቝ ለውጢ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጒስነታዊ ምህዞን ሓድሽ ኣቀራርባን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ኣኼባታት "ብወንጌላዊ መገዲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ንልቢ ሰባት ክትንክፍ ጸጋ ከመሓላልፍ ከምኡውን ኣብ ህይወቶም ነባሪ ጽልዋ ክህልዎ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ እውን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ንጥፈታት ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤት ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት

ካርዲናል ፋረል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተሓዲሱ ካብ ዝቆመሉ 2016 እትሒዙ ዝፍጽሞ ንጥፈታት እውን ገምጊሞም። ኣብ ዓውዲ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ሸሞንተ ዓመታዊ ኣኼባታት ኣወሃሃድቲ ከም ዝመረሐን ብቐጻሊ ድማ ብኣኼባታትን ምግምጋም ሕግታትን ናይ ሕንጸታት ተበግሶታትን ከም ዘካየደ ገሊጾም፡ ኣብ ዓውዲ ስድራቤትን ህይወትን፡ ክልተ ዓለማዊ ኣኼባታት ኣባይቲ ስድራ ከም እተኻየደን እዚ ድማ ኣብ ዳብሊን ኣብ 2018 ኣብ ሮማ ድማ ኣብ 2022፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2022፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይ ሓዳር ህይወት ንሓዳርን ምስናይን ምድላዋት ንምትእትታው ዝሕግዝ፡ናይ ክርስቲያናዊ ሕንጸት መንገድታት ንናይ ሓዳር ህይወት ብዝብል ኣርእስቲ ሰነድ ከም ዘሕተመን ብዛዕባ ጉስነት ስነ ህይወት፡ ኣብዚ ዓውዲ እዚ እተገብረ ሓያሎ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ዝሰርሖ ዕዮ ዘኪሮም፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ እንኮሎ ኣብ ኣገልግሎት መንእሰያት ኣብ 2019 ኣብ ፓናማ ኣብ 2023 ድማ ኣብ ሊዝበን ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ምክያዱን ኣብ 2027 ድማ ኣብ ሰውል ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምዳላዋት ይግበር ምህላዉ ኣመላኺቶም፡ ከምምኡ እውን ብዛዕባ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ንኣረጋውያን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ዘማእከለ ኣብ 2020ን 2025ን ዝተኻየዱ ክልተ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ከም ዝጠቐሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Feb 2026, 16:03