ድሕሪ ናይ ሩስያ ናይ ድሮም መጥቃዕቲ ኣብ ዛፖሪዘህያ ድሕሪ ናይ ሩስያ ናይ ድሮም መጥቃዕቲ ኣብ ዛፖሪዘህያ  

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር፦ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ስነ-ምግባራውን ሰብኣውን ውድቀት እዩ

ሊቀ ጳጳሳት ፖውል ጋለገር ኣብ ራብዓይ ዓመት ናይቲ ሩስያ ኣብ ሊዕሊ ዩክሬይን ዝኸፈተቶ ቅሉዕ ወራር ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል፡ ኣብ ዩክረይን ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምምስራት ቅኑዕ መገድታት ክርከብ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ርክባት ቫቲካን ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ፖውል ጋለገር፡ ኣብ መበል 1554 ጽኑዕ ኣኼባ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ (OCSE) ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምምጻእ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስድ ተማሕጺኖም።

"ቅድስቲ መንበር፡ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምምጻእ ዝዓለመ ቅኑዕን፡ ንዅሉ ዝሓቝፍን ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ንምቛምን ንምዕቃብን ኣድላዪ ፖለቲካዊ ትብዓት ከርእዩ ንዅሎም ወገናት ትምሕጸን" ክብሉ ብዕለት 24 ለካቲት 2026 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትኸፍት ራብዓይ ዓመት ናይ ዝሓዘሉ ዝኽሪ ንምግባር ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ነዚ ቃል ኣስሚዖም።

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር "ነፍሲ ወከፍ ውግእ ስነ-ምግባራውን ሰብኣውን ውድቀት እዩ ዜመልክት" ክብሉውን ጠቂሶም።

ጭቡጥ ስጕምትታት ክውሰድ ኣለዎ

ናብ ሰላም ዝወስድ "ጭቡጥ ስጕምትታት ክውሰድ ኣለዎ" እቶም ዝለዓለ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘለዎም ከኣ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ቀጻሊ ዲብሎማስያዊ ርክባት፡ ንሕጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ቀዳምነት ዝህቡ ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ሠናይ ድልየት ዕላማ ናብ ግብሪ ምትርጓምን፡ ንነባሪ ሰላም መገድታት ንምፍጣርን ኢዩ።"

"ዘተ ኣብ ቅንዕና ዘለዎ ርክባትን፡ ብተኣማንነት ሰብኣዊ ግዴታታት  ኣብ ምፍጻምን እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል ኣትሪሮም ተማሕጺኖ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር፡ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ (OCSE) ናይ ዘተ ርክባት ንምውህሃድን፡ ምትእምማን ኣብ ምህናጽን፡ ጸጥታ ኣብ ምሕላው ስጕምትታት ኣብ ምትግባርን፡ ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ከም ዝኽእል ከም እትኣምን ውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ድማ፡ ቅድስቲ መንበር፡ ንናይ ደቂ ሰባት ስቓይ ንምቅላል፡ ንዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ንምድጋፍ ስንድውቲ ምዃና ገሊጾም።

 

 

ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ናይ ምኽባር ኣገዳስነት

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ቀጺሎም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር ዘለዎም ሻቕሎት ውን ገሊጾም። እዚ ከኣ፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ ኵነታትን፡ ኣብ ወተሃደራውን፡ ስትራተጅያውን ረብሓታት ክምርኰስ ከም ዘይክእል ንምግላጽ ኢዩ።

ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ "ነቲ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ውግእ ንምቅላልን፡ ዳግመ ህንጸት ንምትብባዕን፡ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ህርፋን፡ ህውከት ናይ ምቝስቛስ ባህሪ ክዕብልል ኣለዎ" ንዝብል ቃል፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 9 ጥሪ ነቶም ምስ ቅድስቲ መንበር  ብምትሕብባር ንዝሰርሑ ኣህጉራውያን ዲፕሎማሰይናታት ንዝበልዎ ኣዘኻኺሮም።

ሊቀ ጳጳሳት ገላገር ኣብ መወዳእታ፡ "ቅድስቲ መንበር፡ ንቅድስና ሰብኣዊ ሕይወትን፡ ንሰብኣዊ ክብርን ኣብ ግምት ብምግባር፡ ኵሎም ወገናት ህጹጽን፡ ርሕራሐ ዝመልኦን ስጉምትታት ክወስዱ፡ ከምኡውን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ንምድላይ ብቕንዕና ተደሪኾም ኣብ ዘተ ክጽመዱ ምእንቲ ጻዕርታት ክገብሩ ጻውዒት ተቕርብ ኣላ" ቢሎም ቃሎም ዛዘሙ።

 

27 Feb 2026, 12:08