ድለ

2026.02.21 Mons. Paul Richard Gallagher a Tallin 2026.02.21 Mons. Paul Richard Gallagher a Tallin 

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር፦ ኣምላኽ ካብ ሓሙዅሽቲ ጽልኢ ሕዝቢ ክሓንጽ ይኽእል እዩ

ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ኣብ ከተማ ታሊን ኢስቶንያ፣ ብዛዕባ ሰማእት ስርዓት ሶቭየትን ከምኡውን ኣርማ "ዲፕሎማሲያዊ ቅድስናን" ዝኾነ ከምኡውን "ኣንጻር ኵሉ ዓይነት ጭቈና ንሓቂ ብምግልጋል" ዝፍለጥ ብፁዕ ኤድዋርድ ፕሮፊትሊች ኣማእኪሉ ኣብ እተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዋዕላ (20-21 ለካቲት) ብፁዕ ኤድዋርድ ፕሮፋይትሊች ንምስታፍ ኣብ ከተማ ታሊን ኢስቶንያ በጺሖም። ብፁዕ ኤድዋርድ ፕሮፋይትሊች ኣብ ግዜ ስርዓት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ኢስቶንያ ሃዋርያዊ መስተናብር ዝነበረ ሰማእት ሰላምን ናጽነትን ዝኾነ ትውልደ ጀርመናዊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኢዩ።

ሊቀ ጳጳሳት ፕሮፋይትሊች ብዕለት 6 መስከረም 2025 ኣብ ታሊን ብጽዕናኡ እተኣወጀ፣ ምሳልያዊ ሰብ እዩ - ንሕብረትን "ዲፕሎማሲያዊ ቅድስናን" እውን ዚውክል ተባዕ ምስክር እዩ።

ኣብ መንጎ ዲፕሎማሲን ቅድስናን ዘሎ ቀይሕ ፈትሊ

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካፈልዎ መደረ፣ ነዚ ኢየሱሳዊ ሰማእት ብምዝካር "ቀጢን ግን ከኣ ዘይብተኽ ቀይሕ ፈትሊ" ክብሉ ጠቐስዎ፣ እዚ ኸኣ "ልዑል ዲፕሎማሲ" ምስ "ተልእኾኡ ኣብዘን ሃገራት ባልቲክ ዝንብሩን ከምኡ እውን ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ምልክት ዝገደፈ ዓቢይ ጓሳ ኢዩ" ዘዘኻኽረና በሉ።

ሊቀ ጳጳሳት ፕሮፌትሊች ብ1942 ዓ.ም. ኣብ መበል 51 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኪሮቭ ሞተ፣ ኣብኡ ተኣሲሩሉ ኣብ ነበረ እዋን፣ "ግዳይ ናይቲ ንሓቅን ሰብኣውነትን ዝጸልእ ዝንበረ ስርዓት" ኮይኑ፣ ብናይ ሓሶት ብስለላ ተኸሲሱ ብጥይት ኪቕተል ይጽበ ነበረ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ከም ዝገለጽዎ፣ መስዋእቲ እዚ ኢየሱሳዊ "ከምቲ ቤተ-ክርስትያን እትርድኦ ዲፕሎማሲን ሓዋርያዊ ጉስነትን ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ዝዓዪ እኳ እንተ ዀነ፣ ሓባራዊ ሱር ከም ዘለዎ ዜርኢ እዩ፦ ንሓቅን ንፍቕሪ ኣምላኽን ደቂ ሰብን ኣንጻር ኵሉ ዓይነት ጭቈና ምግልጋል ዝዓለመ ከአ እዩ።"

ሃናጺ ድልድላትን ጅግና ታሪኽን

እዚ መበቈሉ ጀርመናዊ ዝነበረ ሰማእት ሊቀ ጳጳሳት ፕሮፋይትሊች "ብፍቕርን ምርጫን" ኢስቶንያዊ ዀነ። ኣብ ኢስቶንያ ተልእኾኡ ንምፍጻም "ወጻእተኛ" ኰይኑ ክቕጽል ከም ዘይክእል ድማ ተገንዘበ። ስለዚ ደይመደይ ኢሉ "ንዅሎም ኵሉ" ምእንቲ ክኸውን መረጸ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ቍጽጽር ሕብረት ሶቭየት ንሃገረ ኢስቶንያ ኣብ ክንዲ ከም ካልኦት "ባልቲክ ጀርመናውያን" ናብ ጀርመን ምምላስ ኣባኡ ኪጸንሕ መረጸ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ዜሕዝን ፍጻመ ህዝቢ ኤስቶንያ ተኻፊለ። ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣስዒቦም፣ "ኣባኡ ንኽጸንሕ ዝገበሮ ውሳነ እቲ ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ እዩ ዝንበረ" በሉ። አረ ከምቲ ብፁዕ ፕሮፋይትሊች ኣብ ዕለታዊ-መዝገሱ ዝገለጾ፣ ካብኡ "ዘደንቕ ሓጐስ" ከምኡውን "ዓሚቝ ሰላም" ከም ዝረኸበ ኢዩ ዝምስክር።

እዚ ሰማእት እዚ፣ ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ቅዱሳን፣ "ንገዛእ ርእሱ ኻብ ሃገራውን ባህላውን ማሕበራውን መንነቱ ከናግፍ" ክኢሉ እዩ። ስለዚ ካብ ሓዋርያዊ ጉስነት ንላዕሊ እዩ ዝነበረ፣ ኣብታ ካቶሊካውያን ውሑዳን ዝኾኑላ ሃገር "ሓቀይና ጳጳስ"፡ "ፍሉይ ሃናጺ ድልድላትን መንጐይናነትን" እዩ ዝንበረ።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ከም ዝገለጽዎ እዚ ኢየሱሳዊ ሰማእት፣ "ንመላእ ህዝቢ ክብ ንምባል ዚሕግዝ ሰብኣውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ይፈልጥ ነበረ። ተልእኾኡ ፖለቲካዊ እኳ እንተ ዘይነበረ ዓብዪ ፖለቲካዊ ጽልዋ ግን ነበሮ" ክብሉ እውን መስከሩሉ።

ብፁዕ ፕሮፋይትሊች "ዓብዪ ምልካዊ ስነ-ሓሳባት መንነት እታ ሃገር ኺጭፍልቑ ኣብ ዚጽዕሩሉ ዝንበሩ እዋን፣ ንኢስቶንያ ስነ-ምግባራዊ ድምጺ ኮይኑ እዩ።" በዚ ምኽንያት እዚ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ሎሚ ከም "ዓብዪ ጅግና ታሪኽ ሃገረ ኢስቶንያ" ጌርካ እዩ ዝርአ ክብሉ እውን ኣሞገስዎ።

ሓቂ - ነፍሲ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ደቂ ሰባት ኢያ

ኣብቲ ጭካኔ ዝመልኦ እዋን፣ መርመራን ማእሰርትን እውን ከይፈርሀ ብምፍራህ ትብዓት ብፁዕ ፕሮፊትሊች ፈጺሙ ኣይነከየን። "ነታ ንእከይ ክትስዕሮ እትኽእል ፍቕሪ ከም እንኮ ሓይሊ ጌሩ ብምሓዝ፣  ነቲ ልዑል ዝኾነ ሓቂ እሙን ኰይኑ ቀጸለ።”

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብቲ ግጭትን ምፍርራህን ዝመልኦ መዋእል ታሪኹ፣ "ብህጹጽ ይዛረበና ኣሎ" ብምባል "ኣብ ተልእኾ ቅዱሳን ልክዕ ከም ኣብ ልዑል ዲፕሎማሲ፣ ሓቂ ሓላፊ ዘይኰነስ ነፍሲ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢያ" ብምባል የዘኻኽረና።

ናይ ቤተ-ክርስትያን ዲፕሎማሲ ንምክፍፋል ክንስዕሮ ጻዕርታት ይገብር

እዚ ሊቀ ጳጳሳት ኢስቶንያ ዝንበረ ሰማእት፣ "ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ካብ ስቕ ምባል ንላዕሊ ካልእ ሓደገኛ ነገር ከም ዘየለ ስለ ዚፈልጠ፣ ብቓልን ብግብርን ሓቂ ኻብ ምግላጽ ድሕር ኣይበለን። እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ንናጽነትን ሓርነትን ኣብ ዝተገብረ ቓልሲ ንብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዓዒሉ እዩ።

"እዚ መንፈስ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ዲፕሎማስያዊ ስጕምትታት ቤተ-ክርስትያን፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ንምክፍፋላትና ንምስጋር ዝዓለመ እንገብሮ ጻዕርታት ክመርሕ ኣለዎ። ቅዱሳት ጓሶት ነፍሳት ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓቂ ኣይደራደሩን እዮም። መልሶም ድማ ንህይወት ብቘራጽነት እወ ንጭቆና ድማ ጽኑዕ ኣይፋል እዩ" ክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ሓዋርያዊ ጉስነትን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን "ኵሉ ሳዕ ኣብ ርሕቀት ድልድል ንምህናጽ፣ ካብ ምክፍፋል ንምውጋድ ከምኡውን ንዘተን ርክባትን ቦታ ንምርካብ ዕላማ ክገብሩ ኣለዎም፣ እቲ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ድማ ወትሩ ንረብሓ ሰብኣዊ ህይወት ክኸውን ኣለዎ። ሓቀይና ሰላም ፍረ ናይዚ መንፈሳዊ ሓይሊ ማለት ኣብቲ ተዓዋቲ ወይ ተሰዓሪ ዘይብሉ ኩነት ክርከብ ኣለዎ።"

እቲ ዘይከኣል ነገር ተኽእሎ ይኸውን

በዚ ኸምዚ ድማ "ንኣህዛብ ካብ ሓሙዅሽቲ ጽልኢ ኣልኢሉ ዳግም ኪሃንጽ ዚኽእል ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ እዩ" ቢሎም ንምምስካር ድሉዋት ዝዀኑ፣ "ኢደ ጥበበኛታት ሰላም" ንኽንከውን ዝቐረበልና ጻውዒት ይኸውን። ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ነታ ኣብ ሃገረ ኢስቶንያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንእሽቶ ማሕበረሰብ እኳ እንተ ዀነት "ማእለያ ዘይብሉን ዓብዪን ስቓይ ዘሕለፈት" ቤተ-ክርስትያን ብምዃና ነኣድዋ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ መንደቕ በርሊን ድሕሪ ብምፍራሱ ድሕሪ ሓደ ዓመት ጸኒሖም፣ ናብ ፕራግ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብምዝካር "መለኮታዊ ምሕረት፣ ፍጻመታት ብፍልቀት ኪህሉ ፈቒዱ፣ ንእምነት እውን ከይተረፈ እንደገና ክውለድ ከም ዚከኣል ገይርዎ እዩ" በሉ። "ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኵሉ ሰብ ዘይከኣል ኰይኑ ዝስምዖ ዝነበረ ተክእሎ ኮይኑ እዩ" ድማ በሉ።

እቲ ቐንዲ ነጥቢ እዚ እዩ፦ ሓደ ዘይሕሰብ ዝመስል ነገር ምስ ኣምላኽ ይከኣል እዩ። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ወሲኾም ኣብኡ ኽንውከል ከም ዘሎና እቲ ሎሚ "ዘይከኣል" ዝመስል ሰላም ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ ኢዩ ክብሉ ተማሕጸኑ።

24 Feb 2026, 13:12