ቅድስቲ መንበር፦ ማሕበራዊ ምዕባለን ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምዕዋት ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ ቅድስቲ መንበር፦ ማሕበራዊ ምዕባለን ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምዕዋት ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ 

ቅድስቲ መንበር፦ ማሕበራዊ ምዕባለን ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምዕዋት ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፡ ሃገራት ንውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን ካልኦት ጉጅለታትን ማሕበራዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ብምስፋን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምዕዋት ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ካብ 2-10 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 64 ኣኼባ ሽማግለ ማሕበራዊ ልምዓት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ካቺቻ ረቡዕ 4 ለካቲት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ማሕበራዊ ልምዓትን ማሕበራዊ ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምዕዋት ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ፡ ሃገራት ድማ ዜጋታት ነዚ ዕላማ’ዚ ንኽበጽሑ ክሕግዛ ይግባእ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ “መንግስቲ ንሓባራዊ ረብሓ ብኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንኽረጋገጽ፡ ጥምረትን ሓድነትን ውዳበን ሕብረተሰብ ከረጋግጽ ኣለዎ። ናይ ሓባር ጥቕሚ ናይ ምዕዋት ሓላፍነት ናይ ውልቀ-ሰባትን መንግስትን እዩ። ውልቀ-ሰባትን ስድራቤትን መንጎይናታት ጉጅለታትን በይኖም ምሉእ ምዕባለኦም ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም - ቢሎም - ፖለቲካዊ ተቕዋማት ንሰባት ባህላዊ፡ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ዕላማታት ንምዕዋት ዘድሊ ንዋታዊ ጸጋታትን ናጽነትን ንምሃብ እየን ዝተመስረታ። ብተወሳኺ መንግስታት፡ ንስድራቤት “ተፈጥሮኣውን መሰረታውን ጉጅላዊ ኣሃዱ ሕብረተሰብ” ስለዝኾነት ከምኡ’ውን ከም ምጽምባርን፣ ምትሕግጋዝን ማሕበራዊ ውህደትን ዝኣመሰሉ ክብርታት ስለዘዕቢ “ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ግቡእ ሓገዝ ክገብሩ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ማእከል ምግባር

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ “ማሕበራዊ ፍትሕን ማሕበራዊ ምዕባለን ንምርግጋጽ፡ ንጽቡቕ ሰብኣዊ ፍጥረትን ምኽባር ክብሩን ኣብ ማእከል ጻዕሪ ምቕማጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ እዚ ማለት መሰረታዊ ድሌታት ሰባት ከም መግቢ፡ ማይ፡ መጽለሊ፡ ጽሬት ዘለዎ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ናጽነት ከም ዝማላእ ምርግጋጽ ማለት’ዩ” እንክብሉ ኣረዲኦም። እዚ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ መንጎን መንግስታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ከም ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ትካላት ዝኣመሰሉ መዳርግቲ ኣካላት “ውጽኢታዊ ምውህሃድ” ዝሓትት ምዃኑ ወሲኾም ድሕሪ ምግላጽ፡ “ከምዚ ዝበለ ምውህሃድ ንመትከል ትሕተ-ቅርጺ ከኽብር ኣለዎ፣ መምርሕታት ንጠለባትን ቀዳምነታትን ናይቶም ከገልግሉ ዝዓለሙ ሰባት ዘንጸባርቑ ምዃኖም ንምርግጋጽ ምስ ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ምትሕብባር ከስፍሕ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መዋቕራዊ ጠንቅታት ድኽነት ምእላይ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ “መዋቕራዊ ጠንቅታት ድኽነት” ብህጹጽ ንምፍታሕ፡ ሕብረተሰብ “ካብቲ ዘዳኽሞን ተስፋ ዘቝርጾን ሕማም ክፍወስ የድልዮ” ዝበልዎ ጠቒሶም፡ “እቲ ድኽነት፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ማሕበራዊ ምግላልን ንዋታዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ተስፋ ምቑራጽን ዓቕሊ ጽበትን ጽምዋን ዘስዕብ’ዩ - ቢሎም - ቅድስቲ መንበር ንማሕበራዊ ፍትሕን ማሕበራዊ ምዕባለን ጽኑዕ ተወፋይነት ዘለዋ ኮይና፡ ንኹሉ ናይ ሓባር ረብሓን ዘይነጻጸል ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ዘስፍሕ ጻዕርታት ትድግፍ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Feb 2026, 16:09