ዓመት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ፦ "ሥሬት ሓጢኣት ምስ ኣምላኽ ምርኻብ ደኣ እምበር መንፈሳዊ ኣቋራጭ ኣይኰነን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብዓል ኣሲሲ፣ ካብ ዕለት 10 ጥሪ 2026 ክሳዕ ዕለት 10 ጥሪ 2027 ዝካየደሉ ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ኣዊጆምልና ይርከቡ ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ብመሰረት ፍቓድ ቅዱስ ኣቦና፣ ምእመናን ኣብዚ ቅዱስ እዋን እዚ ምሉእ ሥሬት ሓጢኣት ዝረኽቡሉ ኣጋጣሚ ክኸውን እውን ኣዋጅ ኣውጺኡ ኣሎ። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ ኒኪኤል፣ ሓለቓ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እዚ ንቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ዝኾነ ፍጻመ ዓሚቝ ስነ-መለኮታዊ ሓሳባት ኣካፊሎም።
ብፁዕ ኣቡነ ኒኪኤል ንጽንብላት ኢዮቤል ናብ ተኸታታሊ ፍሉይ ፍጻመታት ከይንቕይሮ ውን ኣጠንቀቑ፣ "ዓመተ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ውን ከም ፍሉይ መንፈሳዊ ተግባራት ዝፍጸመሉ ካልእ ምዕራፍ ከይከውን እወን ይላበዉ፣ የግዳስ ካብ ውዕዉዕ ስምዒት ናብ ዓሚቝ ብስለት ካብ ዘደንቕ ጽንብላት ናብ ዕለታዊ ቅድስትና ናብራና እንሰታገረሉ ኣለዋ ክኽውን ኣለዎ" በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ምሉእ ሥሬት ሓጢኣት፣ ምስ ኣምላኽ ምርኻብ ደኣ እምበር መንፈሳዊ ኣቋራጭ ኣይኰነን" ብምባል እውን ኣጕልሑ፣ ከም ሓደ ካልዕ ዕድል "ወሃቢ ጸጋ" ጌርካ ኺርአ ኸም ዘይብሉ ድማ ኣጠንቀቑ።
እዚ ኣዋጅ እዚ፣ ነቲ ሓፈሻዊ ምሕረት ኣምላኽ ንምቕባል ዘኽእል ቅድመ ኩነታት እንክገልጽ፦ ምስቲረ ንስሓን ቅዱስ ቍርባንን ምቕባል፣ ምእንቲ ሓሳባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምጽላይ፣ ውሳጣዊ ምልቓቕ ካብ ሓጢኣትን፣ ከምኡ'ውን ገለ ገለ መንፈሳዊ ተግባር ከም ከም ናብ ናይ ፍራንሲስካውያን ኣብያተ-ክርስትያን ንግደት ምክያድ፣ ኣብ ጽንብላት እልልታ ምስታፍ ከምኡውን መንፈሳውነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘንጸባርቕ መዓልታዊ ግብረ ሰናይን ትሕትናን ምስውታር ዝብሉ ኢዮም። ብፁዕ ኣቡነ ኒኬል ብፍላይ ነቶም ብኣካል ክሳተፉ ዘይክእሉ ሰባት ኣቓልቦ ብምግባር - "ሓደ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ሰነድ፣ ነቶም ካብ ቤቶም ክወጹ ዘይክእሉ ሕሙማንን ኣረጋውያንን ዝግበር ክንክን ኢዩ። ኣብዚ ኢዮቤል እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓድነት ኪህልዎም ይኽእል እዩ…፣ ጸሎቶምን ስቓዮምን መዓልታዊ ጸገማቶምን ናብ ኣምላኽ ብምቕራብ ከምኡውን ብእተኻእለ መጠን ነቲ ልሙድ ተፍባራት ሥሬት ሓጢኣት ንምፍጻም ርእሶም ብምውፋይ" ከም ዝኽእሉ ገለጹ።
ብፁዕ ኣቡነ ኒኬል ደድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ዓቢይ ዓመት ኢዮቤል ኬጋጥም ዝኽእል ሓደጋ መንፈሳዊ ድኻም እንክገልጹ ድማ፣ "ድሕሪ እቲ ኣብ ዓብዪ ኢዮቤል ዝተኻየደ ጽዑቕን ባህ ዜብልን መንፈሳዊ ተመክሮታት በቲ 'ምብዝሓ ቅድስና' ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኩነት፣ ኣብ ሓደጋ ኼእትወና ይኽእል እዩ...፣ ኣብ ህይወት እምነት ግና ብዛዕባ 'ዕምቈት' ደኣ እምበር፣ ብቐጻሊ 'ዝበዝሕ' ጕዳይ ኣይኰነን። ምእመናን ኣብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብምስዓብ ትሕትናን ሓቅነትን ኪቕበሉ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ፦ "እዚ ድማ 'ዝያዳ ልምድታት' ዘይኰነስ ትሕትናን ሓቅነትን እዩ ዜቕርበልና፣ ናብ ብሕታዊ ንባብ ወንጌል ብምምላስ ብንኣሽቱ ነገራት ሓጐስ ኣብ ፍጻመታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ርክባት እትንበር እምነት ኢዩ ዘመልክተልና" ክብሉ ውን መስከሩ።
ብተወሳኺውን እዞም ሓለቓ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ከም ዘመልከትዎ፣ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ "ብኣረኣእያ ሓዋርያዊ ጉስነት ክርአ እንከሎ ንሒደት ሰባት ጥራይ ክርከብ ዝከኣል ሓሳብ ዘይኰነስ፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብሓቂ ዝተጸውዓሉ ናይ ልቢ ኣረኣእያ ገይርና ክንርድኦ ኣሎና" ብምባል እውስን ገለጹ። "ካብ ሓጢኣት ንምርሓቕ ዜድሊ ርድኢት ንጽህና ዘይኰነስ፣ 'ጐይታይ ንእሽቶ ሓጢኣት እኳ እንተኾነ ከም ዝጽየፎ' ብምፍላጥ ናይ ድሌት ተግባር እዩ" በሉ።
ብፁዕ ኣቡነ ኒኬል ኣብ መዕጸዊ ቃለ መሕትቶም፣ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኢዮቤል ኣጕልሑ- "ጓሶት ነፍሳት ንምእመናን ንሥሬት ሓጢኣት ከም መንፈሳዊ ኣቋራጭ ዘይኰነስ፣ ከም መድረኽ ናይ ተሓድሶ ገይሮም ንኽርእይዎ እንተ ሓጊዞምዎም ብሓቂ መሳርሒ ብስለትን ዕምቈት እምነትን ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ቀንዲ ሸቶ ዓመተ ኢዮቤል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።
እዚ ናይ ዝኽሪ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ዘመላእኽት ኣብ ፖርዚዩንኮላ ብዝተኻየደ ጽምብል ኢዩ ተኸፊቱ፣ እዚ ድማ ወግዓዊ ምጅማር እዚ መንፈሳዊ ጕዕዞ እዩ። ሕጂ ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም ምእመናን ብልግስን ትሕትናን ንሓድሽ ወንጋላዊ ተወፋይነትን ምላሽ ክህቡ ትጽውዖም ኣላ፣ ነቲ ብሩህ ኣብነት እቲ ድኻ ቅዱስ በዓል ኣሲሲ ብምስዓብ ድማ እዩ።