ካርዲናል ፓሮሊን ምሕዝነታዊ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ንምሕያል ናብ ኩዌት ዑደት ኣካይዶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገረ ኩዌትን ቅድስቲ መንበርን ነቲ ካብ 15 - 16 ጥሪ 2026 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሃገረ ኩዌት ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ብሓጎስ ከም እተቐበልዎን ኣብ’ቲ ዑደት ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፓሮሊን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃገረ ኩዌት ልዑልነቶም ሸኽ ኣሕመድ ዓብደላ ኣል - ኣሕመድ ኣል - ሳባህ ክሌኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱን፡ ዕለት 16 ጥሪ ኣብ ኣሕማዲ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘኣረብ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነታ ቤተ ክርስትያን ናብ ንኡስ ባዚሊካ ክብ ከም ዘበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እዚ ዑደት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኩዌትን ኣብ 1968 ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝተሃንጸ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ርክብ ንምድልዳል ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኩዌት ምስ ቅድስቲ መንበር ከምዚ ዓይነት ዝምድና ዝፈጠረት ናይ መጀመርያ ናይ ምትሕብባር ባይቶ ሃገራት ዓረብ ወሽመጥ ከም ዝኾነትን፡ እቲ ዑደት ነቲ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ዓረብ ንሃገረ ኩዌት ብቐጻሊ መለለዪ ዝኾነ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ህይወት ንምምስካር ዝዓለመ እውን ምንባሩ የመላኽት።
ቀዳመይቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብታ ሃገር
እዚ ዑደት እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ ኩዌት ከተማ ኣሕማዲ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ዘኣረብ ናብ ንኡስ ባዚሊካ ክብ ንምባል እውን ዝዓለም እውን ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ ኩዌትን ዞባ ወሽመጥ ዓረብን ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምዃና፡ እዚ መዓርግ እዚ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዘለዎ ታሪኻውን መንፈሳውን ትርጉም ብምግንዛብ ዕለት 28 ሰነ 2025 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘጽደቅዎ ውሳኔ መሰረት ዝተኻየደ እዩ።
እዚ ታሪኻዊ ስያመ - ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ናይ መጀመርታ ብዓይነቱ - ቤተክርስትያን ቅድስተ ማርያም ዘኣረብ ከም ኣደ ቤተክርስትያን ኩዌት ዘለዋ ፍሉይ ተራ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝተሃንጸት ናይ መጀመርታ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምዃና ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ።
እቲ መበቆላዊ ቤተ ጸሎት ኣብ 1948 ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ 1957 ብናይቲ ከባቢ ለገስቲ ተዛዚማ፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ናይቲ ቤተክርስትያን ውህሉል ሓልዮትን ደገፍን ክሳብ ሎሚ ይቕጽሉ ምህላዎም ይሕብር።
ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብር
ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገረ ኩዌት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ዝብል ጽኑዕ መትከላታ ደጊማ ተረጋግጽ፡ እዚ ድማ ካብ መጀመርታኡ ኣብ ስርዓታትን ድሒሩ ድማ ኣብ ቅዋም ሃገር ዝተቐመጠን ክብርታት ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን እዚ ዑደት’ዚ፡ ነፍስሄር ልዑል ሃገረ ኩዌት ሸኽ ሳባህ ኣልኣሕመድ ኣልጃበር ኣልሳባ፡ ዕለት 6 ግንቦት 2010 ናብ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ንምዝካር ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ዝምድና ሃገረ ኩዌትን ቅድስቲ መንበርን ኣገዳሲ ምዕራፍ እውን ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ዑደት ኣካል ናይቲ ተኸታታሊ ብላዕለዎት ኣካላት ዝፍጸም ወግዓዊ ምብጻሕ ኮይኑ፡ መሪሕነት ኩዌት ምስ ቅድስቲ መንበር ርክብን ዘተን ንምሕያል ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸን፡ ቅድሚ 2009 መራሔ መንግስቲ ነበር ልዑል ሼክ ናስር ኣል-መሓመድ ኣል-ኣሕመድ ኣል-ሳባህ ኣብ ሃገረ ቫቲክን ዘካየድዎ ምብጻሕ ስዒቡ ድማ ኣብ 2015 ናይ ሽዑ ናይ ኩዌት መራሔ መንግስቲ ልዑል ሼክ ጃበር ኣል - ሙባራክ ኣል - ሃማድ ኣል - ሳባህ ኣብ ሃገረ ቫቲክን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።