ቤት ጽሕፈት ዕዮ ቫቲካን፡ መሰል ሰራሕተይናታት ፈጺሙ ከይግሃስ ኢና ንሰርሕ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ቫቲካን፡ መሰል ሰራሕተይናታት ፈጺሙ ከይግሃስ ኢና ንሰርሕ  (AFP or licensors)

ቤት ጽሕፈት ዕዮ ቫቲካን፡ መሰል ሰራሕተይናታት ፈጺሙ ከይግሃስ ኢና ንሰርሕ

ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዕዮ ሓዋርያዊ መንበር (ULSA) የኔታ ማርኮ ስፕሪዚ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ሰራሕተይናታት ዘይዕግበት ከምዘሎ ዝሕብር ዘንብሮ ሓሳብ ኣማእኪሎም መብርሂ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዕዮ ሓዋርያዊ መንበር (ULSA) ምስ ሰራሕተይናታት ቫቲካን ምስ ትካላትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘለዎ ርክብ ዝኽተሎ ቐንዲ ስርዓታት ምይይጥ ምስማዕ ምትሕብባር ደኣ እምበር ግጭትን ውድድርን ቅሬታን ዝብል ከም ዘይኮነ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዕዮ ሓዋርያዊ መንበር የኔታ ማርኮ ስፕሪዝ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ የነጽሩ።

እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዕዮ “ኩሉ ግዜ ክፉት ማዕጾታት ዘለዎ” ቤት ጽሕፈት እዩ - ቢሎም - ብተወሳኺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ኣስታት 250 ካብ ልዕሊ 6,000 ሰራሕተይናታት - ጡረተይናታት ሓዊሱ - ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሰራሕተይናታት ቫቲካን ንዘሎ ኩነታት ዘይዕግበትን ዘይፍትሓውን ምትእምማንን ዝኹንኑሉ ዘቅረቦ ናይ  መጽናዕቲ ሰነድ ኣማእኪሎም ሰፊሕ መብርሂ ይህቡ።

ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ነቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለዎም ኣቓልቦ ዘጉልሕ ሓድሽ ሕጊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዕዮ ሓዋርያዊ መንበር (ULSA) ኣጽዲቖም እዮም። እዚ ሓድሽ ስርዓት ነቶም ሎሚ ኣብ ቫቲካን ዝሰርሑ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፡ ክሳብ ሕጂኸ እንታይ ለውጢ ኣምጺኡ?

ብርግጽ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣተገባብራ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ቅድስቲ መንበርን ንኹሎም ሰራሕተይናታት ኩርያ ሮማና ዝተኣሳሰሩ ኣካላትን ኣመሓዳሪ ቫቲካንን ሓዋርያዊ መስተናብር ሮማን ብዝምልከት ዓቢ ቆላሕታ ዝሃቡሉ ምልክት እዩ።

ዝተኣታተዉ ለውጥታት ኣገደስቲ እዮም፤ ንኹሎም ኣይዝርዝሮምን እየ፣ እንተኾነ ግን ውክልናን ተልእኾን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ከም ተልእኾ ሓድነትን ምዕባይን ዝያዳ ተጠናኺሩ፣ ምስ ራእይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ምስ ናይቶም ስዒቦም ዝመጹ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ዝሰማማዕ ምዃኑ ከስምረሉ እፈቱ። ሓድነት ማለት ኣብ ሓደ ኣንፈት ምጉዓዝ፣ ሓባራዊ ሓላፍነት ዝስምዓካ፣ ኣብ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ምክፋል ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ዕቝባ ሰራሕተይናታት ምንካይ ማለት ኣይኰነን የግዳስ ብመንፈስ ዘተን ሓባራዊ ምትእምማንን ምትብባዕን ምስዓብን ማለት እዩ።

ሕቶ፡- ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ቫቲካን ናይ ዘይዕግበት ሃዋህውን ጸብጻባትን እኹል ዘይኮነ ኣካይዳ ከምዘሎ ይሕብር። እንታይ ርእይቶ ትህቡ?

ኣነ እውን ነቲ መጽናዕቲ ኣስተብሂለዮ እየ። ብግብረኣዊ መዳይ ካብ 5 ሚእታዊት ዚውሕዱ ሰራሕተይናታት ስለ ዘጠቓልል ኣብ ኣዝዩ ንእሽቶ መርኣዪ እተገብረ መጽናዕቲ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ንዅሉ ድምጺ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ ዋላ እውን ድምጺ ሓደ ሰራሕተይና፡ ኣቓልቦ ዘይምሃብ፡ ዘተ ዘይምግባር፡ ወይ ንሕግታት ኣኽብሮት ዘይምርኣይ ቢሉ ቅረታኡ ዘስምዕ።

ማዕጾ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኩሉ ግዜ ክፉት እዩ፣ ምኽንያቱ ንሕና ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ናይ ዘተ መሓውር ስለዝኾንና ንኹሉ ክንሰምዕ ድሉዋት ኢና። መሰል ሰራሕተይናታት ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዕሽሽ ዝበሃለሉ ወይ ዝግሃሰሉ ኩነታት ከይህሉ ንሰርሕ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ስልጠና፡ ኣብ ሓደ ተልእኾ ናይ ምስታፍ ንቕሓት ንምዕባይን ክእለት ንምምሕያሽን ጽኑዕ ተወፋይነት ኣሎና። ስለዚ ነቲ ዳህሳስ ብዕቱብነትን ብኣኽብሮትን ኢና ንርእዮ። ምስ ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ኣሎና -ከምቲ ባዕሎም ዝገልጽዎ - ሃናጽን ተደጋጋምን ዘተን፡ ንኹሉ ጸብጻባት ድማ ብዕቱብ ንወስዶ።

ዕማምና ድማ ብመንጽር ሕግን ማሕበራዊ ትምህርትን ቤተ ክርስቲያን ክንምርምሮምን ክንግምግሞምን፡ ምስ ዝምልከቶም ምምሕዳራት ኣብ ዘተ ምውህሃድን እዩ። እዚ ድማ ንረብሓ ዅሉ ሰብ ማለት ንሰራሕተይናታት ዝጠቅም መፍትሒ ንምምርማር ተግባራዊ ናይ ስራሕ ጕጅለታትን ግዝያዊ ሽማግለታትን ምፍጣር እውን ዘጠቓልል ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጡ ዘይማዕርነት ወይ ዘይፍትሓዊ ዅነታት ክኡል ዘይኮነላ ቅድስቲ መንበር እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ስለዚ ነዚ ውጽኢት እዚ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎ። ብደረጃ ውልቀ-ሰባት ጭቡጥ ጕዳያትን ኣብ ሕግታት ምምሕያሽ ክንገብርን ንደሊ ኢና። ነዚ ተልእኾ እዚ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ፣ ከመይሲ ከም ክርስትያናንን ካህናትን መጠን ንሕልናና ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ። ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ነዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።

ሕቶ፡- 71 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ጸገማት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ከም መወከሲ ነጥቢ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዕዮ ሓዋርያዊ መንበር (ULSA) ዝውከሱ ድማ 10% ኣዮም። እዚ ትኸክለይና ኣሃዝ ድዩ?

መዓልታዊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጉዳያት ይመጹና፤ ሰራሕተይናታት ብቐጻሊ ናባና ይመጹ፡ ከምኡ’ውን ምምሕዳራት። ኣምላኽ ይመስገን ናይ ስራሕ ሕጽረት የብልናን። ኣብቲ ናይ ማሕበር መግለጺ 80 ሚእታዊት ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ምላሽ ዝሃቡ ኣባላት ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ምዃኖም ካብዚኣቶም 71 ሚእታዊት ጥራይ ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ከም ዝውከሱ ኣንቢበ ኣለኹ። ስለዚ ከም ሓቂ ኵሎም ኣባላት እውን እንተ ዀኑ ፈለማ ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበር እዩ ዝኸይድ።

ይኹን እምበር ነዚ ብዓይኒ ውድድር ኣይንርእዮን ኢና። ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ኣገዳስን ሃናጽን ግደ ኣለዎ፡ ንሕና ድማ ሓንጎፋይ ቢልና ንቕበሎምን ነተባብዖምን፡ ስለቲ ዝገብሮ ድማ ነመስግኖ። ንኹሉ ድሌታትን ሕቶታትን ጠለባትን፡ ብመንጽር ስርዓታትን ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ግቡእን ንጠለባት ፍትሒ ዝምልስን ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ብሓጎስ ክንቅበሎን ክንድግፎን ኢና።

ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ሓላፍነት ምምሕዳር ቫቲካን፡ ከምኡ’ውን ኩሎም እዞም ሕቶታት ነቕርበሎም ተሃዋስን ንዘተ ክፉታትን ምዃኖም ወሲኸ ከረጋግጽ እፈቱ። ብተወሳኺ ንመርሕነት ዝምልከቶ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ወከልቲ ማሕበር ዓለማውያን ሰራሕተይናታት ቫቲካን - ADLV ኣብዚ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትና ዘራኸቡ ተግባራውያን ናይ ስራሕ ጉጅለታት ኣጣይስና ኣሎና፣ ብሽምግልናና።

በዚ መገዲ ምይይጥን ሓባራዊ ፍትሓውን መፍትሒ ምድላይን ክንቅጽል ኢና። በዚ መገዲ እዚ ንቕድሚት ክንስጕም ኣሎና።

ናይ ክርክርን ግጭትን መገዲ ካብ ራእይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካብ ናይ ተልእኾ ኣቀራርባ ቅድስቲ መንበር እተፈልየ እዩ። እቶም ንቅድስቲ መንበር ዚሰርሑ ተልእኾ እዮም ዚቕበሉ፦ ንግጭት ቦታ የሎን፡ ኣብ ክንዳኡስ ነፍሲ ወከፍ መጋበርያ፡ ብመሰረት ባህርያቱ ክዋሳእ ዘለዎ ጉጅለ ስኒት ኢና።

ድምጺ ሰራሕተይናታት ዘተሓሳስቦም ነገራት ብኣኽብሮት ምስማዕን ምላሽ ዚረኽቡሉን ውሁድ ምላሽ ኣብ ምድላው ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ ኪህልዎ እውን ኣለዎ። እዚ ተልእኾና እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ሜላታት እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሰብ መልሲ ንምሃብ ጻዕሪ ኸም ዚገብር እየ ዝኣምን።

እቶም ነቲ ጉድያት ገንዘብ ዚቈጻጸሩን ቍጠባዊ ቀጻልነት ዚግምግሙን ሓድሓደ ግዜ ነቲ ናብ መፍትሒ ዚመርሕ መገዲ ክደንጒይ ዘኽእል መልስታት ይህቡ ምንባሮም እውን ሓቂ እዩ። እዚ ሓደ ኽፋል ሕግታት ናይቲ ዕዮ ኢዩ - እቶም ንቝጠባ ዝቈጻጸሩ ሰባት ሓድሓደ ግዜ "ደረት" የውጽእ። እዚ ግን ደው ከብሎ የብሉን የግዳስ ነቲ ምወላ ንምርካብ ዘኽእል ፈጠራዊ መፍትሒ ንኽንረክብ ከተባብዓና ኣለዎ።

ሕቶ፡- እምበኣር፡ እቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዘይዕግበት ካበይ እዩ ዚመጽእ|

ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ምስ ሰራሕተይናታት ካብ ዝረኸብክዎ ተመኩሮ መሰረት፡ እዚ ሓፈሻዊ ዘይዕግበት እዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ሰፊኑ ዘሎ ስምዒት ምናልባት እወታዊ እዩ ዝብል እምነት እውን ኣሎኒ።

ኣብ መላእ ዓለም ይኹን ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ መንግስታውን ውልቃውን ጽላታት፡ ለበዳ ኮቪድ - 19 ምስ ተላዕለ ብዙሕ ሰብ ስራሕ ምስ ሰኣነ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር፡ ዝተሰጎገ ወይ ደሞዙ ክቕንስ ዝረኣየ ሰብ ግን ከም ዘይነበረ ኣይንረስዕ።

ሰራሕተይናታት ነዚ ይፈልጡ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ንቝጠባዊ ሃብቲ ቅድስቲ መንበር ኣጸቢቑ ዝነከየ ለበዳ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዘይወድቕ ንምርግጋጽ ዝጸዓሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ የመስግኑ። ካልኦት ብዙሓት ንኣሽቱ፡ መዓልታዊ ነገራት እውን ኣለዉ፡ መዋእለ ህጻናት፡ መውሃቢ ክንክን ጥዕና፡ ዳግማይ ምኽፋት ቤት መሸጣ ኣገዳስነታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ሓቀይና ተበጻሕነት ስንኩላን ኣብ ማሕበረሰብ ስራሕ ዝምልከት ዘቕረብዎ ሰነድ፡ ንጡረታ ትኹረት ምሃብ (ዋላ’ኳ ሓደ ሓደ ግዜ ጸጋታት ክንድኡ ብዙሕ እንተዘይኮነ)፡ ከምኡ’ውን ምሕያል ዳርጋ ነጻ ዝኾነ ስርዓተ ክንክን ጥዕና።

ብዙሕ ነገራት ብሓጺሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቫቲካን ክሰርሑ ዝደልዩሉ፡ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ እቲ ኣተሓሕዛ ጽቡቕ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ስለዚ ብሓፈሻ ዘይዕግበት ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ፣ ግን ፍጹም ቆላሕታን ምምሕያሽን ዘድልዮም ጉዳያት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን።

ንኣብነት ደረጃ ደሞዝ ምስቲ ብጭቡጥ ዝተፈጸመ ስራሕቲ ምትዕርራይ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ብሰንኪ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኩነታት፡ ወይ ድማ ምቁራጽ ጸጋታት፡ ወይ ንዝኾነ ሰብ ስራሕ ከይስእን ምእንቲ፡ ኣድላዪ ምትዕርራይ ኣይተገብረን። ነቶም መሰል ዘለዎም ሰባት ፍትሒ ንምርግጋጽ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

ሕቶ፡- ዕስለ ምጉጅጃል እውን ይጥቀስ . . .

ብውልቀይ ዝኾነ ይኹን ናይ ዕግርግር ጉዳይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን። ብርግጽ ንመሰላት ዝጎድኡ ስጉምትታት ንምሕባርን ይግባይ ንምባልን ሕጋዊ መከላኸሊታት ኣሎ። ተጽዕኖ ወይ ግህሰት ዝፍጸመሎም ጉዳያት እንተሃልዮም፡ ብርግጽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ጸብጻብ ክወሃቦም ኣለዎ ከመይሲ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ግብረ ገባዊ ፍትሒ ዘድሊ ብቕዓታት ካብቲ ልዮን መበል 13 ሓደስቲ ነገራት - Rerum Novarum.  ኣትሒዙ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር ኰይኑ ኣሎ።

ሓደ ነገር ቤላቤለው ኪኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሓቂ ምርግጋጽ እዩ። ርግጽ ኢዩ ኣብ ትሕቲ ድርኵዂት ናዕቢ እውን ከይተረፈ ህስያ እንተ ዝህሉ ነይሩ ቅዱስ ኣቦና እዚ ከይከውን ንምርግጋጽ ቀዳማይ ባዕሎም ዝምልከትዎ ጉዳይ ምኾነ ነይሩ። እዚ ክኸውን ኣይክእልን ክኸውን እውን የብሉን።

ሕቶ፡ ብዝኾነ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ገለ እወታዊ ምልክታት የጉልሕ፡ ከም ምኽፋት ናይ ሓባር መንገዲ ዘተ . . .

እዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ነገር እዩ። ኣብ መላእ ቤተክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓዋርያዊ መንበር ሎሚ "ሲኖዶውነት" ኢልና እንጽውዖ ናይ ማሕበረሰብን ሓድነትን መንፈስ ከነስፍሕ ር.ሊ.ጳ. የተባብዑና እዮም። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝከኣል ደረት ምስ ሰራሕተይናታት ብውልቀ - ሰብ ኰነ ብማሕበራቶም ከምኡውን ምስ ኵሎም ሰራሕተይናታት ዝቘጽሩ ትካላት ዘተ ንምድንፋዕ ሎሚ ከም ቀደም ቅርጺ ፍቓድ ኣሎና። እዚ ኣብ መንጎ ሰራሕተይናታትን ምምሕዳራትን ዝግበር ዘተ ኣብ ብርሃን ወንጌልን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያንን እተመስረተ ብመንፈስ ናይ ዓቕለሲያዊ ሕብረትን መሰላት ሰራሕተይናታት ብምኽባርን ዝያዳ ሃናጽን ህዱእን ምእንቲ ክኸውን ከም ድልድል ኴይና ኽንዓዪ ንጽዕር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

23 Jan 2026, 14:18