ድለ

BELGIUM PANDEMIC CORONAVIRUS COVID19 BELGIUM PANDEMIC CORONAVIRUS COVID19  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን ከም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ብራስልስ ንመበል 800 ዓመት ዝኽሪ ካቴድራል

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናላ ፔትሮ ፖሮሊን ብዕለት 11 ጥሪ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወኪሎም፣ ኣብ ዝኽሪ ዝኽሪ ናይቲ ብ1226 ዓ.ም. እተሃንጸ ካቴድራል ደብረ ቅዱሳን ሚካኤልን ጉዱላን ክሳተፉ ኢዮም። ኣባኡ ድማ ኣብ ዓመተ 2026 ዓ.ም. ብዙሕ ባህላውን መንፈሳውን ፍጻመታት ክካየድ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 11 ጥሪ ንመበል 800 ዓመት ህንጸት ካቴድራል በልጅዩም ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝካየድ ጽምብላት ንቕዱስነቶም ወኪሎም ክሳተፉ መዘዝዎም። እቲ ካቴድራል ነቶም ጠበቓታት እታ ኸተማ ዝኾኑ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ጉዱላን እተወፈየ ዀይኑ፣ ብ1226 ዓ.ም. ብውሳነ ንጉስ ሄንሪ ዳግማይ መስፍን ብራባንት ተሃኒጹ፣ ኣብታ ኣብቲ ግዜ እቲ መስቀላዊ መገዲ ናብ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝህነጽ ውን ተገብረ።

ብዕለት 11 ጥሪ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብብፁዕ ኣቡነ ሉክ ተርሊንደን ሊቀ ጳጳሳት ማሊንስን ብራስልስን ከምኡ ውን ብመላእ ጳጳሳት እታ ሃገርን ተሰንዮም ኣብ ቅድሚ ንጉሳውያን ቤተሰብ በልጅዩም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። ኣብ 2026 ዓ.ም. ነዚ ዝኽሪ ዓመት እዚ ንምክያድ ሓያሎ ባህላውን መንፈሳውን ፍጻመታት ድማ ክካየድ እዩ፣ ሙዚቃዊ ምርኢታት ጉባኤታት ብዛዕባ ታሪኽ እዚ ካቴድራልን ብሉጽ ስራሓት ብራባንት ጎቲክን ድማ ክቐርብ ኢዩ።

05 Jan 2026, 13:20