ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ኣብ ግጭታት ዓለም ሰላም ንምህናጽ ዘለዎ ተልእኾ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀዳም ዕለት 17 ጥሪ ሓዋርያዊ ህንጻ ሃገረ ቫቲካን ንነባሪ ተልእኾ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላስያዊ ሥነትምህርቲ እተወፈየ ሰፊሕ ጉባኤ የአንጊዱ። እቲ ብብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሳልቫቶሬ ፐናኪዮ ዝተመርሐ ጉባኤ፣ ምርኡያት መራሕቲ ቤተ-ክርስትያንን ዲፕሎማስይናታትን እተረኽቡሉን፣ ብዛዕባ እቲ ተቕዋም ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግጭታት ሰላምን ፍትሕን ኣብ ምምዕባል ዘለዎ ግደ ንምስትንታን ዝተኻየደ ጉባኤ ኢዩ ዝነበረ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፐናኪዮ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ፣ እዚ ተቕዋም እዚ "ድልድላት ሰላምን ፍትሕን ምህናጽ፣ ሓቀኛ ርክባት ንምምላስ ከምኡውን ኣብ ፍቕርን ኣኽብሮትን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብን እተመስረተ ስልጣነ ንምድንፋዕ" ብምባል መምርሒ ስርዓታት ሥነ ትምህርቲ ከም ዘማዕብል ገለጹ። እዚ ተቕዋም እዚ ነቲ ቅድስቲ መንበር ኣብዛ "ግጭትን ጂኦፖለቲካዊ ለውጥታትን ባህላዊ ውጥረትን ሥነ ኣከባብያዊ ቅልውላውን" እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ተሳትፎ ንምግባር ዘለዋ ዘይነቓነቕ ቈራጽነት ዘጠቓልል ኢዩ።
እቲ ጉባኤ ብብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተዳለወ ናይ ትምህርቲ ደረጃታትን፣ ብፕሮፌሰር ሲልቫኖ ጆርዳኖ እተዳለወ ታሪኻዊ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡን፣ ከምኡውን ብፕሮፌሰር ቪንቸንዞ ቡኦኖሞ ዝቐረበ ብዛዕባ ተቕዋማዊ ተሓድሶ ዝገልጽ መደረታት ኣቕረበ። ኣምባሳደር ጆርጅ ፑሊደስ በዓል መዚ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣህጉራዊ ስፍሓት ናይቲ ተቕዋምን ጽልዋኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕረበ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፐናኪዮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ድማ ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር "ብርታዐኡ ካብ ክርስቶስን ወንጌልን ዝውሰድን ከምኡውን ብጭቡጥ ቅርበት ጽንብምባል ብጥንቃቐን ብቐጻሊ ዝርርብን ዝግለጽ ናይ ሕብረት ኣገልግሎት ኢዩ" ብምባል ገለጽዎ። ሓዋርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር፣ ኣገዳሲ ህላወ ኸም ዘለዎም እውን ኣጕልሑ፣ "ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ሓልዮቶምን ... ካብ ርሑቕ ኣይኰነስ ብቐረባ ብምልምማድ ዝግበር፣ ኣብቲ ህዝብታት ዝነብሩሉ ሓቀይና ኩነታት እተመስረተ እዩ" በሉ። ሊቀ ጳጳሳት ፐርናኪዮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ስጕምቱ ናብ ሰላምን ምይይጥን ኣኽብሮት ሰብኣዊ ሕብረትን ዘተኰረ ምስትውዓልን ትዕግስትን ማእከላይነት ስለ ዘለዎ" ኣገዳሲ ተቕዋም ምዃኑ ገለጹ።
ብፁዕ ነቶም ወሲኾም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ተሓድሶታት እዚ ተቕዋም ብምስትንታን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘዳለዉዎ ናይ ተሓድሶ መልእኽቲ “ተልእኾ ቅዱስ ጴጥሮስ” ዘርእስቱ ናይ ኢድ ጽሑፍ፣ ምዕቡል ዲፕሎማስያዊ ስነ-ፍልጠትን ዝሓትት ምዃኑ ኣጕልሑ፣ "እዚ ተሓድሶ እዚ... ንተመሃሮ ጳጳሳዊ ተቅዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ንምምስራት ዘተባብዕ ሰፊሕን ኣገዳስን መገዲ ይገልጽ" ክብሉ ውን ኣትሪቶም መስከሩ፣ - "ሓደ ምሁር ብቐዳምነት መሳርሒ ናይ ቤተ ክርስትያንን ሕብረትን ክኸውን ዝኽእል ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ ዝኸውን ኢዩ... ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓላፍነታት ብሰብኣዊ ዕምቈትን ትካላዊ ተነቃፊነትን ድልዱል ሞያዊ ኽእለትን ክንዋጽኦ ድማ ኣሎና" በሉ።
እቲ ኻብ 1701 ኣትሒዙ ዘለዎ ታሪኽ እዚ ተቕዋም እዚ ተጻዋርነቱን ተዓጻጻፍነቱን ከም መርትዖ ጌርካ እዩ ዝዝከር። ሊቀ ጳጳሳት ፐናኪዮ "እዚ ኣገዳሲ ዝኽሪ ዓመት እዚ ንሕሉፍ ንምዝካር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም ንዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር እተመደቡ ካህናት ሥነ መዕበያ ብምሃብ ብምሕዳስን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንምትዕርራይን ብምሕዳስን ንምትብባዕ ኣጋጣሚ እዩ ዝፈጥር" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዓመተ ኢይቤል ናይቶም ኣብ ጳጳሳዊ ተልእኾ ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ኣብቲ ግጭት ዝመልኦ ኸባቢታት ሓድሽ ከስርጹ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፐናኪዮ "ንዲፕሎማሲያውያን ኣካልት ቅድስቲ መንበር፣ እዚ ተጸምዶ እዚ ኣብ ውርዝና ተስፋ እተመስረተ እዩ፣ ሰላም ልዕሊ ዅሉ ውህበት ኣምላኽ ኰይኑ ከም ዝውለድ ኣብ ምትእምማን እተመስረተ እዩ" በሉ። ኣብ መደምደምታ ድማ "ዲፕሎማሲ ሃገረ ቫቲካን ተክኒካዊ ጻዕሪ ጥራይ ዝሓትት ዘይኰነስ ካብ ወንጌል ዝምንጩን፣ መንፈስ ቅዱስ ዘነቓቕሖን ዝመርሖን ዝድግፎን ኢዩ" ብምባል ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ነዚ ተልእኾ እዚ "መብዛሕትኡ ግዜ ስዉርን ዘይፍለጥን ፍሉይን መሰል ዘለዎን ኣገልግሎት" ብምባል ገሊጾምዎ ይርከቡ።
በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እተኻየደ ዋዕላ ከም መብራህቲ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ ፣ እዚ ኸኣ እቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣውላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ንዓለም ብእምነትን ብዝርርብን ነባሪ ሰላምን ኣብ ምስፋን ንምግልጋል ዘለዎ ተልእኾ ዘረጋግጽ መብራህቲ ዀይኑ የገልግል ብምህላው ኢዩ ።