ድለ

2026.01.21 Parolin Antonianum2 2026.01.21 Parolin Antonianum2 

ካርዲናል ፓሮሊን ንመንእሰያት፦ ካብ ድኻምነታትኩም ተምሃሩ ኣብ ፖለቲካ ውን ተሳተፉ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ኣደራሽ ኣንቶንያኑም ደል’ኦብዘርቫቶሪዮ ብዛዕባ “ናጻ ኣተሓሳስባ” ናብ እተገብረ ጉባኤ መንእሰያት ተሳቲፎም፣ ካብ ገለ ተመሃሮ ንዝቐረሎም ሕቶታት መልሲ ብምሃብ፣ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሓደጋታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ኣቓልቦ ከም እትገብር ደጊሞም ብምርግጋጽ ከምኡውን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ "ህንጸት ህዝባዊ ርእይቶ" ዘለዎ ሓላፍነት ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ጀሚርካ ኽሳዕ ጽፈትን ሓላፍነትን መራኸቢ ብዙሓንን፣ ካብቲ ኣብ ህይወት መንእሰያት ዜሕድሮ  ፍሽለትን ጽልዋን ኽሳዕ እቲ ኣብ ዓለም ሰላም ብኸመይ ከም ስፍን ከም ዝኽእል ዘትዮም። እዚ ኣርእስትታት እዚ በቲ ትማሊ ምሸት ዕለት 21 ጥሪ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ኣንቶንያኑም ምስ 700 ኢጣልያውያን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ብምርኻብ፣ ኣብ ክንዲ ዅሎም እቶም ብኦብዘርቫቶሪ ዝተኻየደ “ብነጻነት ምሕሳብ” ዘተባብዕ ውጥናት ምስ ዝስዕቡ መንእሰያት ክራኸቡ ዝኸኣሉ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እውን ዝተሳተፍዎ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝንበረ። እቲ "ንመንእሰያት ምስ መጻኢ ንምትእስሳር ዝግበር ኣህጉራዊ ዘተ" ዘርእስቱ ጉባኤ ንመበል 25 ዓመት ምምስራት እቲ ኦብዘርቫቶሪዮ ናይ መዕጸዊ መደብ ኰይኑ እዩ ተኻይዱ።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ኣገልግሎት ሰብ

ኣብቲ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ዘተ ዓሚቝን ብግቡእ እተሰናደወን ብዙሕ ሕቶታት ዝቐርበሉ ቦታ ኢዩ ዝንበረ። ቐዳማይ - ማትዮ ቱራቶ ዝስሙ ወዲ 18 ዓመት ተመሃራይ ቤት ይምህርቲ ጀሞና ደል ፍሪዩሊ - ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ሕቶ ኣቕረበ፣ ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ "ኣዝዩ እዋናዊ" ኣርእስቲ ክብሉ ገለጽዎ። ብፁዕነቶም "ንቤተ-ክርስትያን እውን ዘተሓሳስባን ዜጨንቓን ከም ምኻኡኑ ከነስተንትነሉ እንጽዕር ዘለና ፍረ ነገር እዩ በሉ። ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣተሓሳስባ መንገድታት ድማ ክንሃንጽ ንደሊ ኢና። ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ኣበርክቶ ስነ-ምግባራዊ መስመር እዩ፦ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት AI ንሰብኣዊ ክብሪ ዘገልግል ደኣ እምበር ሓደገኛ ክኸውን የብሉን" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ሃናጽን ሓበሬታ ዝህብን  መራኸቢ ብዙሓን

ስዒቡ ድማ ብዛዕባ "ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ" ከምኡውን ሓላፍነት መራኸቢ ብዙሓን ኣመልኪቶም ተዛተዩ። ካርዲናል ፓሮሊን ንሓንቲ ኣብ ጀሞና እትነብር ጓል 18 ዓመት ተመሃሪት ኣሊስ ፒያ ዚራልዶ ንዘቕረበትሎም ሕቶ እንክምልሱ "መራኸቢ ብዙሓን ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ፦ ኣብ ሓበሬታ ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ ህንጸት ደቂ ሰባትን ሓሳባትን ሓልዮታትን እውን ሓላፍነት ኪህልዎ ኣለዎ” በሉ።

ጉባኤ መንእሰያት ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምስረታ ኦብዘርቨአቶሪዮ ኣብ ከተማ ሮማ
ጉባኤ መንእሰያት ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምስረታ ኦብዘርቨአቶሪዮ ኣብ ከተማ ሮማ

ጌጋታትና መምህራን ህይወት ኢዮም

ኣብ ግሮሴቶ እትነብር ኣርያና ምስ መዛኑኣ ኮይና ብዛዕባ ህላወ ጕዳያት ትሓትት፣ ውድቀት ኣብ መንእሰያት እንታይ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ድማ ሓተተት። ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መልሶም "ፍሽለት ክፍሊ ህይወት እዩ፣ ስለዚ ህይወት መንእሰያት ህይወት በዚ ዜሳቒ ክፍልታ ከም ዝቘመ ኣብ ግምት ኬእትዉ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ኣብቲ  መንእሰያት ብዙሓትዚሓትት ሕብረተሰብ እውን እተመርኰሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዕዮኦም ዘይፍጽሙ ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። እዚ ሎሚ ኣዝዩ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።" ቀጺሎም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ እዋን ውድቀት ምስጢር ቅኑዕ ኣቃውማ ይገልጹ - "ውድቀት ካብ ህይወት ንኽንመሃር ዝቐርበልና ሓደ ኣጋጣሚ እዩ። ካብ ውድቀታትና ክንመሃርን ስለምንታይ ከም ዝደኸምና ክንርዳእን ንኽእል ኢና" ክብሉ ውን በለሱላ።

ኣብ ፖለቲካ ምስታስፍ ዓስቢ ኣለዎ

ቀጺሎም ድማ ጭንቀትን ትርጕምን ክርዳእ ዝደሊ ሕቶታት ኣቕረቡሎም፦ ጂያኮሞ ዲኤልያ ኣብ ካስቴላማሬ ዲ ስታብያ ኣብ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚመሃር መንእሰይ ተመሃራይ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓያሎ ግጭታት ከም ዜተሓሳስቦን ካብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዜገርም መልሲ ኸም ዝረኸበን ገለጸ። ብጹዕነቶም ብወገኖም "ንስኻትኩም መንእሰያት ኣብ ፖለቲካ ክትሳተፉ ኣለኩም፣ ንገዛእ ርእስኹምን ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ንምግልጋል ከም መሳርሒ ደኣ እምበር ከም ሓደ ጐሲኻ ዝሕለፍ ጌርኩም ኣይትርኣይዎ። ፖለቲካ፡ ንዓለም ንምቕያር ከም ውጽኢታዊ መሳርሒ ጌርኩም ክትርድእዎ ኣሎኩም፣ ንገዛእ ርእስኹም ድማ ከተወፍዩ ትኽእሉ ኢኹም።"

ቅድስት መንበር ንሰላም ዝገበረቶ መንጐይናነት

ኣብ መወዳእታ ሓንቲ መንእሰይ ብዛዕባ ተስፋ ምቑራጽ ሓተተት። ካብ ቢሲናኖ ዝመጸት ቬሮኒካ ሜሪንጎሎ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ውጽኢታዊ ዝዀነን ሓቀይና መገዲ ሰላም ዝኸፈተሉን ገለ ኣብነታት ትሓትት። ካርዲናል ፓሮሊን ከአ ብወገኖም ክልተ ዕዉት ናይ መንጐይናነት ስጕምትታት ቅድስቲ መንበር ጠቐሱላ። ተዘክሮኦም እንክገልጹ "ኣብ 1980ታት ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ቺለን ዝነበረ መትረብ ቢግል ከም መንጐይና ኮይና ተሳሪፋ ነበረት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከኣ ነቲ ሽዑ ናብ ሰላም ዝመርሐ ናይ ዘተ ሽምግልና ንኽገብሩ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐበሉ። ከምኡ ውን ነቲ ኣብ መንጎ ፔሩን ኤኳዶርን ዝነበተ ጉዳይ ዶብ እውን ከይተረፈ ቅድስቲ መንበር ንክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ስምምዕ ክገብራ ሓጊዛተን ኢያ" ብምባል ብፁዕነቶም ነቲ ኣብ ገጻ እታ መንእሰይ ዝንበረ ጭንቀት እፎይታን ለገሱ።

22 Jan 2026, 09:27