ድለ

2026.01.28 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኩነታት ሚኒያፖሊስ “ቅቡል ኣይኮነን!” 2026.01.28 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኩነታት ሚኒያፖሊስ “ቅቡል ኣይኮነን!” 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኩነታት ሚኒያፖሊስ “ቅቡል ኣይኮነን!”

ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ዕለት 28 ጥሪ ‘ስነ-ምግባርን ቁጠባን’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጎድኒ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡን፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ጸጥታ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓመጽ ብትሪ ከም ዝነቐፉን ከምኡ እውን ብዛዕባ መደባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ዕቃበታት ከምዘለዎምን ብዛዕባ ግሪንላንድ ዝምልከት ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ እውን እወንታዊ መልሲ ከም ዝርከብ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዘጋጠመ ፍጻመታት “ዘይቅቡል” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ሚኒያፖሊስ ናይ ስደተይናታትን ግምሩኽን ሕጊ ኣኽባሪ ሓይሊ ጸጥታ (ICE) ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት ክልተ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝቐትሉን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝተሓተቱ ብጹዕነቶም እንክምልሱ፡ "መርገጺ ቅድስቲ መንበር ብርግጽ ኩሉ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ምርሓቕ ዝብል እዩ። ከምዚ ዓይነት ጉዳያት እዚ ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና። ጸገማትን ዘይምስምማዕን ብዓመጽ ዘይኮነ ብኻልእ መንገዲ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ፡ እንክብሉ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዘይቅብሉ እንክብሉ ነቲ ተግባር ዝኾነነሉ መልኽቲ ከም ዝድግፉ የረጋግጹ።

ማእከላይ ምብራቕ፡ ብዛዕባ "ሽማግለ ሰላም" ዝምልከት ጥርጣረታት

ካልእ ኣገዳሲ ኣርእስቲ፡ ቫቲካን ኣብ ትሕቲ ዶናልድ ትራምፕ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወጠነ "ሽማግለ ሰላም" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣካል ዳግመ ህንጸት ወሽመጥ ቓዛ ኣባል ክትከውን ዝቐረበ ሕቶ ዝምልከት ኮይኑ፡ ካርዲናል ፓሮሊን ሓደ መርበባዊ ጉጅለ ካህናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንጻር ጃምላዊ ቅትለት፡ ቫቲካን ናይቲ ናይ ዶናልድ ትራምፕ “ናይ ሰላም ሽማግለ” ኣካል ከይትኸውን ዝምሕጸን ዘቕረቦ ቅሉዕ መልኽቲ ብምዝካር ናይቶም ካህናት ስኽፍታ ዝርድእዎ ምዃኖም ገሊጾም፡ ኣባል ምዃን ዘይምዃን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝውሰን ጉዳይ ኣይኮነን መመያ ዝሓትት እዩ - ቢሎም - ነቲ ኣቐዲሞም ዝሃብዎ መግለጺታት ተወኪሶም፡ "ነቲ ወሳኒ ነጥብታት ናይዚ ውጥን ክንርስዖ የብልናን፡ ብዛዕባ ስነ ስልታዊ ኣንፈት ናይቲ ናይ ኣመሪካ እማመ ግን ዕቃበታት ልዑል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግሪንላንድ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ ቅድሚት ኣሎ

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፓሮሊን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዴንማርክ ዝገበርዎ ጉዕዞ ዝያዳ እወንታዊ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብኡ ድማ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዴንማርክ ላርስ ሎከ ራስሙሰን ከም እተራኸቡን ናብ ዝርዝር ከይኣተዉ፡ ምስ ዋሽንግተን ብዛዕባ ግሪንላንድ ዝካየድ ዘሎ ህሉው ኩነታት እውን ከም ሓቢሮም፡ እቲ መፍትሒ ከቢድ ኣይኮነን፡ "ስለዚ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ እዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ እቲ ዘተ ኣዝዩ ተስፋ ዘለዎ ይመስል። ከምኡ ክኸውን ድማ ተስፋይ እዩ” እብክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስክፍታ ብዛዕባ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቫቲካን

ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት ቫቲካን ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝትንክፍ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ሳን ጂዮቫኒ ሮቶንዶ ዘሎ ቤት ሕክምና ቫቲካን፡ ዘጋጠመ ቅልውላው ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር እንክምልሱ “ነቲ ቤት ሕክምና ካብቲ ዘጋጠሞ ጸገማት ንምውጻእ ቫቲካን ብኹሉ መዳይ ትጽዕር ኣላ - ቢሎም - ቍጠባዊ ግሉጽነት ዘይምህላዉ ንዝቐርብ ነቐፌታ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ምዃኖም ገሊጾም፡ ስክፍታ ናይቶም ካብ ስራሕ ክለዩ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰራሕተይታት ጉዳይ ብዕቱብ ይከታተልዎ ከም ዘለዎውን እዚ ጉዳይ እዚ እውን ዓሚቕ ክትትል ዘድልዮ እዩ” እንክብሉ ንጋዜጠይንታት ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

29 Jan 2026, 16:18