ሃገረ ቫቲካን ንቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስ እተወፈየ ሓድሽ መተግበሪ (App) ተዳሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ሓድሽ ወግዓዊ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ንቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስን ናይ ኮምፕዩተር ክእለቱን እተወፈየ እዩ። እቲ ኣፕሊኬሽን ትሕዝቶ ናይዚ ተቕዋም ከም ናይ መርበብ ሓበሬታ www.vaticanstate.va የቕርብ፣ ከምኡውን ካብ ናይ ኢድ ተሌፎናትን ካልእ ተንቀሳቓሲ መሳርሒታትን ሓበሬታ ንምርካብ ቀሊልን ስሉጥን ጥቕሚ ንኽህልዎ ተባሂሉ እተዳለወ እዩ። እዚ ሓድሽ መተፍበሪ (ኣፕሊኬሽን) ዜናታትን እዋናዊ ሓበሬታትን ናይ ወግዓዊ መራኸቢታትን ብቕልጡፍን ስሉጥን መንገዲ ንኽትረክብ የኽእል፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሓበሬታትን መዘኻኸርን ናይ ምርካብ መንገድታት ንምምሕያሽ ዘኽኣለ መተፍበሪ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ቀንዲ መዳያት ናይዚ መተግበሪ - እዋናዊ ዜናን ትካላዊ ሓበሬታትን ዚኸውን ከምኡ ውን ኣገዳሲ መግለጺታት ኣብ ናይ ኢድ ተሌፎን ብቐጥታ ንምክትታል ዝቐለለን እተመሓየሸን ኣንፈት ኮይኑ፤ ዝያዳ ተኽእሎን ኣጠቓቕማ ትሕዝቶን ዘለዎ ኮይኑ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ክፋላት ናይቲ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን)
እዚ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ተኸፋፊሉ ድማ ይርከብ፦ ናይ ዕለቱ ቅዱሳን፣ ዕለታዊ ዜናታት፣ ቃለ-መጠይቓት፣ ቪድዮታት፣ ምስ ካልኦት ትካላት ምሕደራ፦ CFN፣ ቤተ-መዘክር ቫቲካን፣ ፋርማሲ ቫቲካን፣ ኣገልግሎት ፖስጣ ቫቲካን፣ ጳጳሳዊ መንበሪ ገዛውቲ፣ ናይ ቫቲካን ኦብዘርቫቶሪ ዝበሃሉ ክፋላት ድማ ኣለዎ። ተወሳኺ ኣርእስትታት ድማ ጸኒሑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኢዩ። እዚ ተበግሶ ብክፍሊ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ዲጂታላዊ ፈጠራ እዩ፣ ዕላማኡ ድማ ግልጽነትን ተሳትፎን ዝርጋሐን ንምክያድ ከምኡ ውን ትካላዊ ሓበሬታ ብዘመናውን ሓቚፍን መሳርሒታት ንምድንፋዕ እዩ። እዚ ሓድሽ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ኣብዚ እዋን እዚ ብናጻ ናብ ግላዊ መሳርሒታት ንምውራድ ተዳልዩ ኣሎ።