'ብሓቂ ታሪኻዊ': ናይ መጀመርታ ቤተክርስትያን ኩዌት ናብ ማይኖር ባዚሊካ ልዕል ኢሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ 1948 ንእሽቶ ጕጅለ ካቶሊካውያን፡ ማለት ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ኢንዱስትሪ ነዳዲ ክሰርሑ ናብ ኩዌት ዝኣተዉ ወጻእተይናታት፡ ኣብታ ካልኣይቲ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ኣል - ኣሕማዲ ንእሽቶ ንቅድስቲ መርያም ዝተወፈየ ቤተ ጸሎት ከም ዝኸፈቱን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ እታ ንማርያም ዝተወፈየት እሽተይ ቤተ ጸሎት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክብ ቢላ ብር.ሊ.ጳ. ዝተባረኸ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ዝተነብራ ኮይና እነሆ ድማ ሕጂ ናብ ንኡስ ባዚሊካ ክብ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን የመላኽት፡
'ናይ ብሓቂ ታሪኻዊ' መዓልቲ
ዓርቢ ዕለት 16 ጥሪ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ዘኣረብ ናብ ደረጃ ንእሽቶ ባዚሊካ ክብ ንኸብሉ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ካቶሊካውያንን ፖለቲከይናታትን ልኡካነ መንግስታትን ወከልቲ ኢንዱስትሪታት ነዳዲ ኩዌትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ነቲ ኣጋጣሚ “ንቤተ ክርስቲያን ኩዌት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቤተክርስትያን ኣብ መላእ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ብሓቂ ታሪኻዊ መዓልቲ” ኣንክብሉ ገሊጾም፡ “ኣብ ሑጻ በረኻ እተሃንጸት ባዚሊካ፡ ማርያም ባዕላ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰብን እንኮ ሞንጎይና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዛ ኣብኡ ዑቕባ ከም ዝረኸቡ ዘዘኻኽረና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሓቀይና ኣምላኽን ሓቀይና ሰብን
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተነበ ቃለ ወንጌል እንከስተንትኑ፣ ኣብኡ ድማ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ዝብል ዘቕረበሎም ወሳኒ ሕቶ” ጠቒሶም ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ናይ ልደት እዋን ምልስ ቢሎም እውን ብምሕሳብ፡ “ንህጻን ኢየሱስ. ሓቀይና መንነቱን እቲ ንኹሉ ዘመልክቶን እንተዘይኣለሊናዮ ኣብ ቤትና ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ክርስትያን፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ሓቂ ሰብን ምዃኑ ንኺፈልጡን ኪምስክሩን እተጸውዑ እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅድስቲ ማርያም ዘኣረብ
ዳርጋ ኩሎም ዜግነት ኩዌት ዘይብሎም ስደተይናታት ሰራሕተይናታት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኩዌት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣስታት 20% ዝሽፍን ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ብዙሓት ካልኦት ብነዳዲ ዝሃብተማ ሃገራት ወሽመጥ፡ ባሕሬን፡ ኢማራትን ቀጠርን እውን ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ካብዘን ሃገራት ኩዌትን ባሕሬንን ፍልይ ዘብለን ውሑዳት ክርስትያን ዜጋታት ዘለወን ብምዃነን እዩ። እዞም ኩዌታውያን ክርስቲያን ዳርጋ ዅሎም ዘርኢ እቶም ካብ ከም ሊባኖስን ፍልስጥኤምን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣዕራብ ዝመጹ ብዙሓት ክርስትያናት ስደተይናታት ምዃኖም ኣመላኺቱ፡ ካርዲናል ፓሮሊን ስብከቶም ኣብ ምዝዛም፡ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ኣዴና ዘኣረብ፡ ሓላዊት ናይታ ብስማ እትጽዋዕ መላእ ሓውሲ ደሴት” ተማሕጺኖም፡ “ኩሉ ግዜ ናብ ወዳ ትመርሓና፡ ንሃገረ ኩዌትን ዜጋታታን ንዅሎም ክርስትያናን ምሓለዋኣ ኣቕርብ” ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።