ልዕሊ 33 ሚልዮን ነጋድያን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ናብ ሮማ ከም ዝኣተዉ ጸብጻባት የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዳርጋ 33.5 ሚልዮን ነጋድያን ተስፋ ካብ 185 ሃገራት ናብ ሮማ ከምዝመጹ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ዕለት 5 ጥሪ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ኣረጋጊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ጥሪ ቅዱስ ማዕጾ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምዕጻው በዓል ኢዮቤል ብወግዒ ክዛዝሙ ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ጽበጻብ ቅድም ክብል ኣብ ምጅማር ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ብመንበረ ጥበብሮማ ትረ - ብጠቕላላ 31 ሚልዮን ነጋድያን ተስፋ ክህልዉ እዮም ዝብል ተዋሂቡ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ትንበያታት ክንየው እውን ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ቤተ ክርስቲያን ብቐረባ ዝተሓባበሩ – በቲ ብሙሉእ ድምጺ “ኣገባብ ኢዮቤል” ኢሎም ዝጽውዕዎ – ንኹሉ ፍጻመታት ንምፍጻምን ኣድላዪ ትሕተ ቅርጺ ንምትግባርን ዝተአዋስኡ ናይ መንግስትን ሰበስልጣን’ውን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩን ዓለም ብምልእታ ናብ ሮማ መጺኣ፡ ክበሃል ከም ዝከኣልን ብብዝሒ ነጋድያን ኤውሮጳ ብ62% ቀዳምነት እትሕዝ ኮይና ካብ ኤውሮጳ ብብዝሒ ተሳተፍቲ ኢጣሊያ ቀዳመይቲ ኮይና ትስራዕ። ሰሜን ኣሜሪካ ካልኣይቲ ዝበዝሐ ውክልና ዘለዋ ኣህጉር ኮይና 17% ካብቶም ነጋድያን ትሽፍን። ብሓቂ ድሕሪ ኢጣሊያ ዝበዝሑ ካብ ኣመሪካ፡ ስጳይና፡ ብራዚልን ፖላንድን ዝመጹ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንመጻኢ ዝጥምት ኢዮቤል መንፈሳውነት
ቍጽሪ ነጋድያን ኰነ እቲ 35 'ዓበይቲ ፍጻመታት' ነቲ ብቐዳምነት ንህይወት ሰባት ኣብ ምትንካፍን ብዕምቈት ኣብ ምሕዳስን ዘተኰረ ናይ ሓቂ ኣገዳስነት ምሉእ ብምሉእ ኣይገልጾን እዩ። "እቲ ኣብ ሕመረት ኢዮቤል ዘሎ መንፈሳዊ ስፍሓት ጸሎትን ምልዋጥን ዓብዪ ባህጊ ዘለዎም ሰባት ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ ንኽንርኢ ኣኽኢሉ" እዩ እንክብሉ ዝገለጹ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ኣብ ጳጳሳውያን ባዚሊካታትን ካልኦት ማእከላት ጸሎትን ከም ኣብ ሮማ ዝርከባ መካነ ንግደታትን ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጽሪ ነጋዲያን ተመዝጊቡ ኣሎ። ዓመተ ኢዮቤል ምስ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ድማ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ናይ ዝተሳተፉ ብዝሒ ነጋድያን ኣዚዩ ልዑል ከም ዝነበረ እውን ኣመላኺቶም፡ "እቲ ዓመተ ኢዮቤል እውን እተተዓጸወ እቲ ዝቐረበ ብዙሕ ናይ ተስፋ ምልክታት ግን ይቕጽል ኣሎ፡ ከምቲ ዅሉ ሰብ ዝደልዮ ብሰላምን ህድኣትን ዝመልአ መጻኢ ንምድጋፍ ድማ እቲ ማዕበል እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ብሓጺሩ እዛ ቕድስቲ ዓመት እዚኣ ነቲ ኣብቲ Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ዝብል ኣርእስቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ኣዋጅ ሰነድ ዘንበሮ ሸቶ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ተስፋ ንምሕዳስን ኣጋጣሚ ክትከውን እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ልግሲ 7000 ወለንተይናታት
ካልእ ኣገዳሲ ጸብጻብ እውን "ኣብዚ ውልቃውነት ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን"፣ ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ዘስተብሃልዎ፣ እቲ ዘይሕለል ስራሕ ብዙሓት ወለንተይናታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ኣብ ምሉእ ዓመት ኢዮቤል 5000 ወለንተይናታት ከም ዘገልገሉን ካልኦት 2000 ኣባላት ስርዓት ማልታ ድማ ኣብተን ኣርባዕተ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ቀዳማይ ረድኤት ከም ከም ዘቕረቡን ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።
ዘተን ምትሕብባርን፡ “ኣገባብ ኢዮቤል”
ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢጣልያ ኣልፍረዶ ማንቶቫኖ "ሜላ ኢዮቢርል" እንታይ ከም ዜጠቓልል እንክገልጽ፦ "ንኻልኦት ምምሕዳራት ኪመርሖም ዘይኰነስ ኬተሓባብር ዘለዎ ምምሕዳር መንግስት። ጸገማት ኣብ ክንዲ ዚፈጥር ዚፈትሖ ናይ ምትሕብባር ኣኼባታት። ነፍሲ ወከፍ ተሳትፎ ነቲ ፍረ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ዝዀነ ውጽኢት ካብ ምውናን ይቝጠብ። እዚ ዅሉ እቲ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ክፍጸም ዝነበሮ ዕዮታት ንምቕልጣፍ ኣኽኢሉ እዩ። እዚ ኸኣ ንመንፈሳውነት ዜገልግል ምምሕዳራዊ ስርዓት ማለት እዩ” ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘልኣለማዊት ከተማ ንኹሉ ሰብ ብሓጎስ ተቐቢላ
ከንቲባ ሮማን ፍሉይ ወኪል መንግስቲ ንኢዮቤል ተስፋ 2025 ሮበርቶ ጓልቲየሪ፡ ከተማ ሮማን ነበርታን ነቶም ንምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ንዝመጹ ነጋድያን ብትዕግስቲ ክቕበሉ ተራእዩ እዩ። "እቶም ነጋድያን ሮማ ንበጻሕቲ ዓዲ ንምቕባል ኣብ ዝቐርብ ኣገልግሎት ጽልዋ ከም ዘይገበረን ብኣንጻሩ ኢዮቤል ድርኺት እዩ ነይሩ - ቢሉ - “ነጋድያን ሓጐስን እምነትን ተስፋን ንልቢ ሮማውያን ተንኪፉ፣ ንሳቶም ብግዲኦም ቁጽሮም ዘይተለምደ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እንተኾነ ናይ ምቕባል ባህሊ ከተማ ሮማ መስኪሮም እዮም እንክብል ንኣብነት ኣብ ክፍለ ከተማ ቶር ቨርጋታ፣ ንዘልኣለም ኣካል ታሪኽ ከተማናን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ክኸውን ዝኽእል ፍጻመ እዩ” እንክብል ጓልቲየሪ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ኢዮቤል መንእሰያት ብምውካስ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዘጠቓለለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣበርክቶ ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን ሓይልታት ጸጥታን
ርእሰ ዞባ ላዝዮ ፍራንቸስኮ ሮካ፡ “ኣገባብ ኢዮቤል፡ ነቲ ናይ ምውህሃድ ጉጅለ ብህድኣት ክሰርሕ ኣኽኢልዎ እዩ - ምስ ኩሎም ሰራሕተይናታት ዝካፈል ናይ ህድኣት ስምዒት ዝተራእዮ እውን እዩ። ኣብ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት 580,000 ምትእትታዋት ተኻይዱ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ40,000 ዝበዝሕ እዩ። ናይ ህጹጽ ሕክምናዊ ነቑጣታት ኣስታት 1,600,000 ምትእትታው ተገይሩ እዩ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2024 ዝነበረ ክነጻጸረ እንከሎ ብ100,000 ይዛይድ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ከተማ ሮማ ህየንተ መግንስቲ ላምበርቶ ጃኒኒ፡ ንሓይልታት ጸጥታ እታ ርእሰ ከተማ ዝመርሕ መትከል፡ “ጸጥታን ቅሳነትን ስለ ዘድልየና፡ ጸጥታ ብወተሃደራዊ ምትእስሳር ዘይኮነስ፡ ጸገማት ብምክልኻል ዝተመርሐ ምንባሩ ኣመልኪቱ። ኣብ ጎልጎም ማሲማ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ምስጢረ ኑዛዜ ናይ መንእሰያት ሱታፌ ኣዚዩ ዘደንቕን ኣብ ዝኽሪ ኣብቶም ኣብ ኢዮቤል ዝተሳተፉን ነፍሲ ወከፍ ዘይሃስስ ታሪኽ ከም ዝኸውን ርግጸይና እየ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።