ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል ተሓቲሙ፣ 'ልቢ ክርስቶስ ግና ኵሉ ሳዕ ክፉት እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 16 ጥሪ ክቡር የኔታ ኦራዚዮ ፔፐ ዋና ጸሓፊ ኣገልግሎታት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ቅዱስ ኣፍደጌ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ምሕታሙ፣ ብዛዕባ እቲ ብሊቀ ኻህናት ብዚሊካ ቅዱስ ጴርጥሮስ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲን ከምኡውን ሓለቓ ጳጳሳዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዲየጎ ጆቫኒ ራቬሊ ዝመርሕዎ ወግዓዊ ሥርዓት ኣመልኪቶም ምስክርነቶም ኣካፊሎም። እዚ ካህናትን ሰብ ሞያን ሰብ ኢደጥበብን እተተኽቡሉ ክቡር ጽምብል፣ ኣብ 2025 ኢዮቤል ተስፋ ዝተዛዘመሉ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዩ ዝንበረ፣ እዛ ዓመት እዚኣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነጋድያን ናብ ልቢ ክርስቲያናዊ መንነት እተሳሕቡላ ዓመት ኢያ።
ጸሓፊ ኣገልግልግሎታት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝገለጽዎ "ምዕጻው ቅዱሳት ኣፍደገታት እቲ ናይ መወዳእታ ተግባር ዓመተ ኢዮቤል ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን መንደቕ ብምህናጽ ኢዩ ዝሕተም" በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እቲ ናይ ወጻኢ ማዕጾ፣ ማለት እቲ ብነሓስ እተገብረ ማዕጾ፣ ብዕለት 6 ጥሪ ብቅዱስ ኣቦና ኢዩ ተዓጽዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። እዚ ጽምብል እዚ ተግባራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፣ ከመይሲ "እቲ ቅዱስ ኣፍደገ ምስ ኵሉ ምሳሌታቱ መንፈሳዊ ክውንነቱን ወትሩ ክዝከር ዘለዎ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ምእመናን በዚ ማዕጾ እዚ ክሓልፉ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ምስ ኣምላኽ ዝራኸቡሉ ቅዱስ ቦታ ከም ምዃኑ እዩ።"
እቲ ብክቡር የኔታ ፐፐ "ኣዝዩ ተራ ዝመስል" ክብሉ ዝገለጽዎ ሥርዓተ ምሕታም ቅዱስ ኣፍደገ ንባዕሉ ብብፁዕ ካርዲናል ጋምቤቲ ሊቀ ኻህናት እዚ ባዚሊካ እዚ ኢዩ ተመሪሑ፣ መደባት ጸሎትን ቡራኬታትን ድማ ዘጠቓልል እዩ ዝነበረ። ኣባኡ ድማ " ዝተፈላለዩ ጸሎታትን ምሕረለና ወትሩ ምስ ትርጕምን ዕላማን እቲ ማዕጾ ጸጋ ኣምላኽ ዝተተሓሓዘ ኢዩን ምእንቲ እቶም ኣብዚ ኣፍደገ እዚ ይሓለፉን" ኢዩ ተጌሩ። ከም ሥርዓቱ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓድሽ እተሃንጸ መንደቕ ብፍሉይ እተዳለወ ሳጹን ብምቕማጥ ተዛዘመ። እታ ሳጹን ድማ ኣብ ውሽቲ እቲ መንደቅ ብምንባር ብማቶኒ ተሓትመት፣ ኣብቲ ሳጹን ድማ "መፍትሕ እቲ ቅዱስ ማዕጾን፣ ናይ መዕጸዊ ዓመተ ኢዮቤል ሰነዳትን፤ መዳልያታት ናይዞም ሕጂ ዘሎው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፤ ብቅዱስነቶም እተባረኸ መቝጸርያን፤ ገለ ካልኦት መዳልያታትን ጳጳሳትን፤ ከምኡውን እቲ ቤተ ክርስትያን ብሊቀ ኻህናት ኣቢሉ ናብ ታሪኽ ዘመሓላለፎን ንዝቕጽል ዓመተ ኢዮቤል እንደገና ምስ ተኸፍተ እንደገና ዝወጽእን ኣርባዕተ ብወርቂ እተለበጠ ሕጡብን ዘሓዘ ኢዩ።"
"እዚ ኽቡር ህሞት እዚ ዋላ እውን ብእተወሰነ ደረጃ ብሕታዊ እኳ እንተ ዀነ፣ ክፍሊ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝዀነ፣ በቲ ዓብዪ እዋን ጸጋ ኣዝዮም ተዋሒጡ ኢዩ ዝሓልፍ" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ብዓብዪ ግን ብመንፈሳዊ ውዕዉዕ ስምዒት ኢዩ ዝተኻየደ" በሉ።
ብዛዕባ ውርሻ ዓመተ ኢዮቤል እንከስተንትኑ ድማ ክቡር የኔታ ፐፐ "ምእንቲ እቲ ኣገልግሎታት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ንብምሉኡ እቲ ባዚሊካን... ልዕሊ ዅሉ ድማ ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ከም ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኢዮም በዚ ኣፍደገ እዚ ዝሓለፉ፣ እቶም ኣብ ህይወቶም ናይ መወዳእታ ለውጢ ክገብሩ ዚደልዩ ክርስትያን ምእነናን ይኹኑ እቶም በዚ ጸጋ እዚ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ናብ ኣምላኽ ከም ዘቕርቦም ዝኽል ከም ምዃኑ ዝገልጽ ነበረ።"ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ቦታ ንግደት መጠን ዘለዎ ነባሪ ግደ ውን ኣጕልሑ - "ዋሕዚ ነጋድያን ብርግጽ ክንኪ እዩ፣ እንተዀነ ግን ኵሉ ሳዕ ናብ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ቦታ ንግደትን መቕደስን ምብጻሕ ከም ሓያል ዕድል ኣብ ህይወቶም ዝረኸቡ ሰባት ዝቕበልዎ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።"
እቲ ቅዱስ ኣፍ ደገ ተሓቲሙ እኳ እንተኾነ መንፈሳዊ ልቢ ኢዮቤል ግና ወትሩ ክፉት ኢዩ። የኔታ ፔፐ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ቃላት ብምዝካር "በቲ ሓደ ሸነኽ ቅዱስ ኣፍደገ እኳ እንተ ተዓጽወ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ማዕጾ ወትሩ ኽፉት እዩ" በሉ። ኣብ መደምደምታ ድማ "ኵሎም እቶም ብቐጻሊ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጹ ምእመናን ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ልቦም ዝቕበልዎን ንህይወቶም ኣገዳሲ ዝኾነ መንፈስዊ ስምዒትን ድሌታትን ንምርካብ ድሉዋት ኪዀኑ ተስፋ እገብር" ክብሉ ቃለ መሕትቶም ዛዘሙ።