ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ውድባትን ዘለዋ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ውድባትን ዘለዋ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት  (@VATICAN MEDIA)

ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ውድባትን ዘለዋ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ምስ ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮትን ሰላምታን ንምልውዋዕ ዕለት 9 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድስቲ መንበር ምስ 184 ሃገራት ዝምድና ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘለዋን ብጀካ እዚ እውን ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን እውን ብልኡካን ደረጃ ዝምድና ከም ዘለዋ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ቅድስቲ መንበር ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ደረጃ ዝምድና ዘለወን 184 ሃገራት ከም ዝኾናን፡ ብተወሳኺ ሕብረት ኤውሮጳን ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን እውን ብልኡካን ደረጃ ምስ ቅድስቲ መንበር ዝምድና ከም ዘለወን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ 93 ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብ ሮማ ቀዋሚ መንበር ዘለዎ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘለወን ክኾና እንከለዋ፡ ከምኡ እውን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታትን ኣብ ሕቡራት ሃገርት ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ሽማግለ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዝተዋህቦም ኣብ ሮማ ዝቕመጡ ልኡካን ከም ዘለዉ የዘኻኽር።

12 Jan 2026, 17:03