2026.01.29 ቅድስቲ መንበርን ኣካላት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ንጻውዒት ር.ሊ.ጳ. 'ዘይተዓጥቀ' ሰላም የቃልሑ 2026.01.29 ቅድስቲ መንበርን ኣካላት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ንጻውዒት ር.ሊ.ጳ. 'ዘይተዓጥቀ' ሰላም የቃልሑ 

ቅድስቲ መንበርን ኣካላት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ንጻውዒት ር.ሊ.ጳ. 'ዘይተዓጥቀ' ሰላም የቃልሑ

ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ እተዳለወ ልኡካነ መንግስታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ 2026 ዓ.ም. ዕለት 1 ጥሪ ኣብ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘማእከለ ዓውደ ኣኼባ ከም እተኻየደን ኣብዚ ርክብ እዚ ዝሓበሩ ካርዲናል ፒዛባላን ወኪል ናይ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል - ICRCን ፍትሕን ሰብኣዊ ሕግን ኣብ ዘተን ሰብኣዊ ክብረትን እተመስረተ "ሕላፍነት ዝጠልብ ተስፋ" ህጹጽ ኣድላዪ ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶሬ ባሌስትሬሮ ተመሪሑ ኣብ እተዳለወ መበል 17 ዓውደ ኣኼባ “ሃይማኖታት ንስለም” ኣስታት 300 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣሳቲፉ፡ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ቅዱስ ኒኮላስ ደ ፍሉዌ ዝተኻየደ ምስ ናይ ሉሳነን ጀነቭን ፍሪቡርግን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ናይ 2026 መበል 17 ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ሰላም ምስ ኩልኻትኩ ምኹን ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም  ዘማእከለ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዘይ ስዕረት ምስዓር

ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ኣብ ዘስምዕዎ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ፡ ንተጋባእያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓመጽን ግጭትን ኮኒኖም፡ "'ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘፍትሕን' ሰላም ብዘይ ስዕረት ይዕወት፡ ስለዚ ንውግእ ዘይኰነስ ናይ ዕርቅን ምትሕብባርን ባህሊ ምስፋሕ የድሊ” ቢሎም፡ ኣካላት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሓሳባትን ቃላትን "ኣጽዋር ምጥቃም" ክቃወሙ ተማሕጺኖም፡ ናይ ሃይማኖት ሰባትን ኣመንትን ድማ እምነት መመኽነይታ ዓመጽ ምግባር ክቃወሙን ክኽሕዱን” ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጠለብ ዝሓትት ተስፋ

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንዓመጽ ክኽሕድን ኢዱ ከይህብን ተማሕጺኖም፡ "ሰላም ምንጻግ ውግእ ኣብ ሰብኣውን ኣህጉራውን ርክባት ከም 'ንቡር ቋንቋ' ጌርካ ምቕባል ማለት እዩ - ቢሎም - ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምቕባል ናይ ገርህነት እወታዊ ኣረኣእያ ዘይኰነስ ሓያል ጠለብ ዝሓትት ተስፋ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ቅድስቲ መሬት እናሓሰቡ፡ ተዅሲ ምቍራጽ ንበይኑ እኹል ከም ዘይኰነ ኣጕሊሖም፣ "ብዘይ ፍትሒ ነባሪ ሰላም የለን ነቲ ካባኻ ዘተፈልየ ካልእ ከም ሰብ ደኣ እምበር ከም መጋበርያ ወይ ዕንቅፋት ገርካ ምርኣይ ክሳብ ዘይተወገደ ናይ ሓቂ ፍትሒ የለን" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ግዴታ

ናብቲ ጉባኤ ካብ ናብ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል - ICRC ኣደ መንበር ማርዣና ስፖልጃሪች አገር ዝተላእከ መልእኽቲ ዘቕረበ ናይቲ ማሕበር ምኽትል ኣቦ መንበር ጊለስ ካርቦኒየር፥ ኣብ መላእ ዓለም 130 ንጡፋት ዕጥቃዊ ግጭታት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣኽብሮት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ይሃምም ኣሎ እንክብል ኣጠንቂቑ፡ "ንሰላም 100 ስጉምትታት እንተሃልዮም እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ድማ ሰብኣዊ እዩ - ቢሉ - ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር ህይወት የድሕንን ናብ ሰላም ዝምለስ መንገድታት ይዕቅብን” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኵላዊ ጻውዒት

ካብቶ መራሕቲ ክርስትያን፡ ኣይሁድ፡ ኣስላምን ቡድሃውያንን ዝቐረቡ መደረታት፡ ካብቲ እቲ ሰበኻ ዝተዋጽኡ ፊሊፒናውያንን ኣፍሪቃውያንን መዘምራን ዘቕረብዎ ምርኢት፡ ኣድማሳውነት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጀነቭን ቤተክርስትያንን ዘጉልሕ ኮይኑ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሉሳነ ጀነቭን ፍሪቡርግን ጳጳስ ቻርለስ ሞረአሮድ ብዝመርሕዎ ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

30 Jan 2026, 15:59