ቅድስቲ መንበር፡ 'ገበናት ኲናት ንምክልኻል ኣድማዒ ስጉምትታት የድልየና'! ቅድስቲ መንበር፡ 'ገበናት ኲናት ንምክልኻል ኣድማዒ ስጉምትታት የድልየና'! 

ቅድስቲ መንበር፡ 'ገበናት ኲናት ንምክልኻል ኣድማዒ ስጉምትታት የድልየና'!

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፡ ንገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣድማዕን ነባርን ምላሽ ንምምዕባል ሃናጺ ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ የስምሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ መሰናድኦ ሽማግለ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ግህሰት ቅድስና ሕይወት ደቂ ሰባት ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ብዙሕ ኵነታት ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ "ቀጻሊ ኣድማዒ ሓባራዊ ምላሽ ዘይምህላው ሳዕቤን ዘይብሉ ኣይኮነን፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ውሑዳት ብሄራትን ሃይማኖትን ስደትን ዓመጽን ሞትን የስዕብ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንኽብርን ግብረ ገባዊ ሕልና ንደቂ ሰባት ኣዚዩ ዝጎድእ እዩ።”

በዚ መንጽር እዚ ቅድስቲ መንበር ንስራሕ መሰናድኦ ሽማግለ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ነቲ ንደቂ ሰባት ዘጋጥሞ ዘሎ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ብድሆታት ንምግጣም ዝወሃቦ ኣቃልቦ ተመስግን። እቲ ቐንዲ ጕዳይ ነዚ ገበናት ኣፍልጦ ምሃብ ዘይኰነስ፡ "ከይፍጸም ንምክልኻልን ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን ተሓታትነት ንምርግጋጽን ውጽኢታዊ ስጕምትታት ምምዕባል" ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም። ገበናት ኲናት ኣብ ትሕቲ ባህሊ ኣህጉራዊ ሕጊ እተኸልከለ ምዃኑን፡ ዝዀነ ይኹን ኣብ መጻኢ ዘሎ ኣህጉራዊ መዋቕር ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ እተመስረተን ንግዳያትን መሰኻኽርን ድማ ግቡእ ውሕስነት ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ውጽኢታዊ ምላሽ ዝመርሕ ሃናጺ ዘተ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተዓዘብዎ፡ “ኣብ ዘተ ንምውፋር፡ ኣብቲ እትጠቕመሉ ቃላትን ሓሳባትን ክትሰማምዕ ኣሎካ። ትርጕም ቃላት እንደገና ምርካብ ምናልባት ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ቐንዲ ብድሆታት ኪኸውን ይኽእል እዩ” ቢሎም፡ ማዕረ ማዕሪኡ “ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ስግረ - ሃገራዊ ሸነኻት ኣብ ምፍታሕን ነተን ግዴታአን ብኣድማዒ መንገዲ ናይ ምፍጻም ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ምድጋፍን ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎ” ኣስተብሂሎም። ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ንመትከላት ምምልላእ፣ ግቡእ መስርሕን ምሉእ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ክንዲ ዘዳኽም ክሕይል ይግባእ” እንክብሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ቐንዲ ኣትኵሮ ኣብ ግዳያት ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ ከመይሲ "ፍትሓዊ ኣሰራርሓን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምሉእ ብምሉእ ከነኽብር ከሎና ድምጾም ከም ዝስማዕን ክብረቶም ከም ዝዕቀብን ከነረጋግጽ ይግባእ - ምስ በሉ - ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ቅድስቲ መንበር ንገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ውጽኢታውን ነባርን ምላሽ ዚህብ ሃናጺ ዘተ ኪህሉ ተስፋ ከም ዘለዋ እረጋግጽ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Jan 2026, 14:34