ድለ

ወለንተይናታት ናይ መወዳእታ ነጋድያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ምስጋር ቅዱስ ኣፍደገ

ኣብ እዋን እቲ ዕለት 6 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘዛዘምዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ንልዕሊ 33 ሚልዮን ነጋድያን ተስፋ ንዘሰንዩ ልዕሊ 5,000 ወለንተይናታት ዕለት 5 ጥሪ ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ቅዱስ ኣፍደገ ብምስጋር፡ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ተዛዚሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ብቀጠልያ ጃኬቶም ዚልለዩ ወለንተይናታት ተመክሮታትን ሻቕሎትን ትጽቢታትን እቶም ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ብቕዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እተሳገሩ ነጋድያን ተስፋ ዘሰነዩ፡ ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ 5,000 ወለንተይናታት ብዝገበርዎ ቐጻሊ ዕዮ እተደገፉ ልዕሊ 33 ሚልዮን ሰባት ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ምሸት ዕለት 5 ጥሪ ምስ ኣባላት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይዚ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ሓቢሮም ናይ መወዳእታ መደብ ምስጋር ብቅዱስ ኣፍደገ ከም ዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ንገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን

እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ መስቀል ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ሒዞም ዝመርሕዎ ንወለንተይናታት እተወፈየ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ መዛዘሚ መዓልቲ ዕለት 5 ጥሪ ምሸት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ መንጎ እቶም ወለንተይናታት "ኣብ ድሕንነትን ሕውነትን ሃዋሁ" ከም ዝነበረን ኣብዚ ክቡር ዋጋ እዚ ዝጸንዐ ኣገልግሎት ከም ዝፈጸሙ ኣስተብሂሎም፡ ብስም ቤተ ክርስቲያን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ጽሞናዊ ኣስተንትኖ

እቶም ወለንተይናታት ኣብ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ በጽሑ፡ ኣብ 2033 ንበዓል ኢዮቤል ቅድሚ ምኽፋቱን፡ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ጥሪ ኣብ ዝዓጸውዎ ቅዱስ ኣፍደገ ፊት ናይ ጽሞና ኣስተንትኖ ከም ዘካየዱን፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 እቶም ወለንተይናታት ነቶም ብቕዱሳት ኣፍደገ ጳጳሳውያን ባዚሊካት ዝሓልፉ ንዝነበሩ ነጋዲያን ተስፋ ይከታተሉን የሰንዩን ሓበሬታ ይህቡን ከም ዝነበሩን፡ ኣብቲ ናይቶም ነጋድያን ተስፋ ጸሎት እውን ይሓብሩ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

"ባህ ዜብል መንፈሳዊ ቅያ"

እቲ እቶም ወለንተይናታት ዝፈጸመዎ ምስናይ ንጋድያን ተስፋ ኣብ ማእከል ቤተ ክርስትያን ዓቢይ ትርጒም ዘለዎን ብሓቂ ድማ ናይ ተቐባሊት ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ እቲ ብሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ዝተመርሐ ንግደት ኢዮቤል ወለንተይናታት፡ ቅዱስ ኣፍደገ ክሰርጉ እንከለዉ ከምቲ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወሰንዎ ስነ ስርዓት ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ፈጺሞም ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣማኪሎምን ከምኡ እውን ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ፍሉይ ጸሎትን ደጊሞም ቡራኬ ከም ዝሃቡን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነቶም ወለንተይናታት እቲ ዝነበርዎ ተመክሮ "ባህ ዘብል" ተስፋ ወትሩ ኣብ ጉዕዞና ከም ዘሰንየና ዘረጋግጽ እዩ፥ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ በዚ ድማ እቶም ወለንተይናታት ብዝገበርዎ ናይ ተስፋ ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ከም እተዛዘመን እቶም ወለንተይናታት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ናይ መወዳእታ ነጋዲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

08 Jan 2026, 16:20