ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመትን ጉባኤ ካርዲናላት ክካየድ ኢዩ!"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀዳማይ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናት ካብ ዕለት 07-08 ጥሪ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ተዛዚሙ፣ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ቘጸራ ድማ ድሮ ተመዲቡ ኣሎ፦ ኣብ ወርሒ ሰነ ንክልተ መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ምስ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ብምዝማድ ክኻየድ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽን ፍልይ ዝበለን ጉባኤ ከካይዱ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ።
ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ፣ 170 ካርዲናላት ድምጺ ምርጫ ዘለዎምን ዘይብሎምን ተጋቢኦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝካፈልዎም ናይ መደምደምታ መደረ፣ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ክረምቲ አወጁሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎም ሓሳባት እዚ ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ ጉባኤ ምስቲ ቅድሚ ኮንክላቭ (ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት) ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ዘቕረብዎ መሕትት "ቀጻልነት" ዘለዎ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ካብ ሰለስተ ኽሳዕ ኣርባዕተ መዓልቲ ዚወስድ ዓመታዊ ጉባኤ ከካይዱ ከም ዝደልዪ ውን ኣመልከቱሎም። ኣብቲ ትማሊ ዘቕረቡሎም ቃለ ምእዳን ቅዱስ ኣቦና፣ እዚ "ናይ መጻኢ ጕዕዞና መርኣያ" ከም ምዃኑ ብምግላጽ፣ ነዚ ኣቐዲሞም ከም እተጸብይዎ ውን ኣመልከቱሎም።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት እተኣወጀ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን እውን ኣጽደቕዎ።
ምስጋና ንተሳተፍቲ ነቶም ዘይተረኽቡ ድማ ቅርበቶም ገለጹ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ተጋባእቲ ስለቲ ዝገበርዎ ተሳትፎን ደገፍን ኣመስገንዎም። ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ካርዲናላት ስለቲ ንምምጻእ ዝገበርዎ ጻዕሪ ድማ ፍሉይ ሞሳ ኣቕረቡሎም።
"ምስክርነትኩም ክቡር እዩ" ውን በልዎም፣ ምስቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሮማ ክርከቡ ዘይክእሉ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ካርዲናላት ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ክገልጹ ከለዉ ድማ "ምሳኻትኩም ኢና ኣብ ቅርበትኩም ድማ ይስምዓና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ተክኒካዊ ዘይኰነስ ሲኖዳዊ" ማለት ኣብዚ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ዓሚቝ ስኒትን ሕብረትን ከም ዘሕለፉ እውን ገሊጾም፣ እዚ ኸኣ እቲ ዘለዎም እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ተመክሮን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝሓሸ ሓባራዊ ፍልጠት ንምምዕባል እተመርጸ ሜላ እዩ ዝነበረ። ካብዚ ድማ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ዝገበረ መገድን ምሕዳስን ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን እተን ትማሊ ኣብ ጉባኤ ዝቐረባ ወይ እተን ዝተረፉ ኽልተ ኣርእስትታት፣ ማለት ቅዳሴን ሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለን” (Praedicate evangelium) ምስ እዚ ጉባኤ ኣጸቢቐን እተኣሳሰራን ክንርስዓ ከም ዘይግባእን መብርሂ ተዋህበ።
ኣብ መወዳእታ ብወገን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላትን ንሓፈሻዊ ዅነታት ዓለም ብጥንቃቐ መርሚሮም፣ እዚ ድማ ካብ ቤተ-ክርስትያን ዝወሃብ ምላሽ "ዝያዳ ህጹጽ" ከም ዝገብሮ ዝገልጽ ኢዩ ዝንበረ። ኣብ ውግእን ዓመጽን ንዝሳቐያ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን እትቐርብ ቤተ-ክርስትያን ምዃን ዝብል ሓሳብ ድማ ኢዩ ዝንበሮ።
ሓሳባት ብዛዕባ ቬንዙዌላ
በዚ ምኽንያት እዚ ፍረ ነገር እቲ ጉባኤ ካርዲናላት ኣዝዩ እተፈልየ እኳ እንተ ነበረ - ትማሊ ብዝበዝሐ ድምጺ ካርዲናላት ዝጸደቐ ሲኖዳውነትን ተልእኾን ኣብ ግምት ብምእታው “ንናይ ወንጌል ሃሴት” (Evangelii gaudium) - ብፍሉይ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ካርዲናላት ላቲን ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ቬንዙዌላ ዘሎ ዅነታት ፍሉይ ቆላሕታ ገይሮምሉ ኢዮም።
እዚ ብሊቀ ጳጳሳት ቦጎታ ኮሎምብያ ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ሆሴ ሩኤዳ ኣፓሪስዮ፣ ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መገለጺ፣ ድምጺ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ጆሃንስበርግ ብፁዕ ካርዲናል ስቲቨን ብሪስሊን ከምኡውን ጳጳስ ሰበኻ ካሎካን ፊሊፒንስ ብፁዕ ካርዲናል ፓብሎ ዴቪድ እውን ተሰሚዑ።
እቶም ኮሎምቢያዊ ካርዲናል ኣብ ዝሃብዎ መገለጺ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 4 ጥሪ ድሕሪ እቲ ዘሰንብድ ፍጻመታት ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት "ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ቬንዙዌላ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ዓሚቝ ሻቕሎት ከም ዘለዎም ከም ዝገለጹን ከምኡውን ኣብ ሓደ እዋን ኣጽዋር ዘዘራግፍን ኣጽዋር ዘጥፍእን ሰላም ንምህናጽ ዘተ ንምትብባዕን ሓባራዊ ስምምዕ ንምድላይን ቃል ኣትዮም ኢዮም" ብምባል ኣዘኻኸሩ። እዚ ድማ ንሰብኣዊ መሰላትን ሉዓላውነትን ንምኽባር፣ ኣብ ህዝብታት ሓድነት ንምስራጽ ከም ዝጽዕሩ ዘመልክት ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።
ብፁዕ ካርዲናል ሩኤዳ ብወገኖም፣ "ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካፈልዎ መልእኽቲ፣ ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ንዘስተንተናዮ ሓሳባት ቃና ዝሕብ ነበረ" በለ። እዚ ወግዓዊ ፍረ ነገር ናይቲ እተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ኣይነበረን፣ እንተዀነ ግን ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት "ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ክጭነቑን"፣ ብዛዕባ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ኣንፈት ጂኦፖለቲካ ላቲን ኣመሪካ ብኸመይ ይቀያየር ከም ዘሎን ከምኡውን ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ናብ ህዝቢ ከም እትቐርብ "ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ"፣ "ዘይተርፍ ኢዩ" ዝንበረ። ንሃገረ ቬንዙዌላ "ኣብ ልብና ስለ ዝሓዝና፣ ንዅላትና የጕህየና ኢዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ብሉጽ ምዕባለታት ንደሊ ኢና" ኢሉ ካርዲናል ሩኤዳ ገለጹ።
ሲኖዳውነት ከም "ብጾት ኣብ ጕዕዞ"
እቶም ሰለስተ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘካፈሉ ካርዲናላት፣ ብዛዕባ እቲ ፍረ ነገርን ሓፈሻዊ ሃዋሁን ጸብጻብ እቲ ጉባኤ ኣቕረቡ፣ እዚ ድማ ትማሊ ሓሙስ ንካልኣይ መዓልቲ፣ ንግሆ ተጀሚሩ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐጸለ ብመዝሙርን ጸሎትን እተሰነየ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ምሳሕን ዕረፍትን ግዜ ዘጠቓልል ጉባኤ ከም ዘካየዱ መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብኡ ኸም ዝተሳተፉ ውን ገለጹ፣ ንነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ድማ ናይ ዘመነ ጵጵስናኦም መዳልያ ኣወፈዩሎም።
እቶም ጕጅለታት ዕማም ኣብ ሲኖዶሳዊነት ዘተኰረ ዕዮ ኢዮም ዘካየዱ፣ ከም "ብጾት ኣብ ጕዕዞ" ኴንካ ምንባር ኣድላዪ ምዃኑ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣንን፣ ኣብ ሥነ መዕበያን፣ ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበርን ክንጸባረቕ፣ ከምኡ ውን ኣብ ኩሪያ ሮማና "ብዝዓበየ ኣህጉራውነት" ክንበርን፣ ስዒቡ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘቕረብዎ ሓዋርያዊ ማዕዳን “ናይ ወንጌል ሃሴት” (Evangelii gaudium) እንደገና ምንባቡ— ገና "ግዜኡ ስለ ዘይሓለፎ" ከኣ ንተቕዋማት ቅድስቲ መንበርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈቱን ብድሆ ከም ዘቕርብ ገለጹ።
ኣብቲ እተኻየደ ጉባኤ ኣስታት ዕስራ ጕጅለታት ነበራ፣ ዓሰርተው ሓደ ናይቶም መረጽቲ ካርዲናላትን ትሽዓተ ድማ ንድምጺ ምርጫ ዘይንበሮም ካርዲናላት ሓዊስካ ገና ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡን ከም ዝነበሩ ውን - ዋና ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ገሊጹ።
"ር.ሊ.ጳ. ነጥብታት ይሕዙን ንቕሓት ይከታተሉን ነበሩ"
ብፁዕ ካርዲናል ብሪስሊን ብግዲኦም ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳብት፣ እቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ "ኣዝዩ ዜሀብትም" ክብሉ ብምጽዋዕ፣ ሳላ እቲ ብዛዕባ ድሌታት ዓለም ዓሚቝ ምርዳእ ንኺህልወና ዘኽኣለ እተፈላለየ ኣረኣእያታት፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንሓድሕድና ንኽንፋለጥን ንኽንረዳዳእን ኣጋጣሚ ኸፈተልና ክብሉ መስከሩ። ኣብ ወርሒ ሰነ ካልእ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ክካየድ ምዃኑን፣ ቅዱስ ኣቦና ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ መጠን ኣብ ዘለዎ ተልእኾ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኣርዚንካ ዝርእዮ ከም ምዃኑ ዝሕብር ምልክታት እውን ከም ዘሎ ገለጹ።
"ደድሕሪ እዚ ጉባኤ ሸሞንተ ወርሒ ጸኒሑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንደገና ክንሰምዑና ክንእከብ ደልዮም ኣለዉ" ክብሉ ውን ብፁዕ ካርዲናል ሩኤዳ ደጊሞም ኣቃልሑ። እዚ ድማ "ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን የበርትዓና" በሉ። ብዛዕባ እቲ ውቁብ ኣቀማምጣ ጉባኤ ካርዲናላት እውን ብፁዕ ካርዲናል ዴቪድ ፈለማ ነቲ ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ እተጠቕመሉ ቅርጻ ከም ዝሰዓበ ምርኣዮም ሓጐሶም ገለጹ፣ ኣስዒቦም ድማ ነቲ "ኵሉ ሰብ ሓሳቡ ክገልጸሉ ዚኽእል" ብመንፈስ ዚግበር ዘተ ውን ኣድናቖቶም ተለጹ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ይሰምዑ ምንባሮም" ድማ ብሞሳ ዘከርዎ - "ነጥብታት ብምውሳድ ይጽሕፉን ነበሩ፣ ኣዝዮም ድማ ብንቅሓት ኢዮም ተሳቲፎም። እቲ ዘካፈሉና ቃለ ምዕዳን እውን ንዅላትና ኣዝዩ ዘሃብትም እዩ ዝንበረ" ክብሉ ውን መስከሩ።
ንሓድሕድና ኽንፋለጥ ኣገዳሲ እዩ
ሓደ ካብ ጋዜጠይናታት ኣብ ክልቲኡ ጉባኤታት ሲኖዶስ ብሰፊሑ ስለ እተዘተየሉ ኣብዚ ኣርእስትታት ዝቐረበ፣ ካብዚ ጉባኤ ካርዲናላት ዝርከብ ብሓቂ ሓድሽ ነጥብታት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓተተ።
ብፁዕ ካርዲናል ብሪስሊን ከም ዝገለጽዎ እቲ ሓድሽ ነገር "ኣብ ዘተ ጥራይ" ዘይኰነስ "ንሓድሕድና ንኽንፋለጥን ንሓድሕድና ንኽንሰማምዓሉን ኣብ ዝረኽብናዮ ኣጋጣሚ ክድለ ኸም ዘለዎ" ገለጹ።
"እዚ ኣገዳሲ እዩ" ድማ በሉ፣ እዚ ድማ ንሕና ካርዲናላት "ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጻእና ክንዲ ዝኾና እዩ። ገሊኦም ሓደስቲ ካርዲናላት እዮም፣ ገሊኦም ከኣ ንነዊሕ እዋን ካርዲናላት ኰይኖም ዝጸንሑ እዮም።"
ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ጆሃንስበርግ ብወገኖም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምሳና ክሓብሩ ይደልዩ ኣለዉ፣ ክሰምዑናን ካብ ተመክሮን ፍልጠትን ናይቶም ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ክጥቀሙ ድማ ይደልዪ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ንቤተ-ክርስትያን ንኽመርሑ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።" እቲ ተሳተፍቲ "እተፈልዩ" እኳ እንተ ዀኑ፣ እቲ ዕዮ ግን "ብውህደት ጥራይ ዘይኰነ ብስኒት" እዩ ተፈጺሙ ክብሉ ውን መስከሩ።
ምእመናንን ደቂ ኣንስትዮን
እንደገና ውን ብዛዕባ ኣርእስትታት እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ተሳትፎ ምእመናን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደን ብገለ መገዲ ኣብቲ ምይይጥ ዝተኻተተ እንተ ዀይኑ ሓቲቶም።
ኣብዚ ነጥቢ እዚ ብፁዕ ካርዲናል ዴቪድ መግለጺ እንክህቡ፣ "ከመይ ጌርና ኢና ንግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎተንን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣፍልጦ ክንህበሉ ዘይንኽእል?" በሉ። እቶም ፊሊፒናዊ ካርዲናል ድማ ብወገኖም፣ ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተሓትመ እማም ናይ መጽናዕቲ ኮሚሽን ብዛዕባ ሕቶ ዲያቆናት ደቂ ኣንስትዮ ብምዝካር፣ "ብርግጽ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ዘተሓሳስብ ጕዳይ ኢዩ" በሉ። ብፁዕ ካርዲናል ዴቪድ እውን ወሲኾም ብዛዕባ "ቀሲሳውነት" ጠቒሶም፣ ነቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተወስደ "ሓባራዊ ክህነት" ዚብል ሓሳብ ከም ኣስፊሖም ገለጹ።
"ብዛዕባ ኣካል ቤተ-ክርስትያን ኢና እንዛረብ ዘሎና፣ ቤተ-ክርስትያን ርእሲ ኣለዋ፣ ርእሲ ጥራይ ግን ኣይኮነን ዘለዋ፣ ኣካላት እውን ኣለዋ። ሰባት ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ኪሳተፉ ስልጣን ኣለዎም"።