ድለ

2026.01.07 Concistoro Straordinario 2026.01.07 Concistoro Straordinario  (@Vatican Media)

ጉባኤ ካርዲናላት፦ ካርዲናላት ብዛዕባ ሲኖዶውነትን ተልእኾን ንምስትንታን መሪጾም

ትማሊ ዕለት 7 ጥሪ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፣ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም 170 ዝዀኑ ካርዲናላት ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ወንጌላዊ ተልእኾን ንምስትንታን ድምጺ ኸም ዝሃቡ ገሊጹ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንካርዲናላት "ኣባኻትኩም ኪውከል ከም ዘለኒ ኮይኑ ይስምዓኒ" ክብሉ ከም ዝነገርዎም እውን ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተጸውዑ 170 ካርዲናላት "ሲኖዶስን ሲኖዳውነትን" ከምኡ'ውን "ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ቤተ-ክርስትያን  ብብርሃን ናይ ወንጌል ሃሴት" ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት፣ ኣብዘን ክልተ መዓልትታት ጉባኤኦም ከስተንትኑ ድምጺ ሂቦም።

ብምኽንያት ሕጽረት ግዜ ነዘን ክልተ ኣርእስትታት እዚኣተን፣ ካብተን ዝቐረባሎም ኣርባዕተ ኣርእስትታት መሪጾም፣ እዚ ኸኣ ሥርዓተ ሊጡርጊያን፣ ሓዋርያዊ ቅዋምስብኩ ወንጌለ ብዛዕባ ናይ ኩርያ ሮማናን ምስ ኣብያተ-ክርስትያን ዘለዎም ርክብን ዘጠቓልላ ኢየን ዝንበራ።

ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ትማሊ ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ "ሓደ ፍረ ነገር ነቲ ካልእ ኣየልግሶን እዩ" ድማ በለ። "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንገሊኡ ኣርእስትታት ህጹጽነት ከም ዘለዎ ወይ ኣድላዪ ምዃኑ ዝሕብር ምልክታት እውን ተቐበሉ። ኣብ ውሽጢ እቶም ካልኦት ሓሳባት ድማ መፍትሔ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ክንረክብ ኢና" በልዎም።

ሜላ ሲኖዳውነት

ካርዲናላት ኣብ ጉባኤኦም፣ ንክልቲኡ ማለት ብዛዕባ ሲኖዳውነት የስተንትንትኑን፣ ነቲ ሲኖዶስ ዘዳለዎ ናይ ዘተን ናይ ምስማዕን ሜላ ድማ ይጥቀሙሉ ኣለዉ፣ እዞም ካርዲናላት እምበአር ዓብ ክቢ ሰደቓ ኮፍ ኢሎም ኣብ 20 ቋንቋታት እተመስረተ ጕጅለታት ተመቒሎም ኣለዉ። ነፍሲ ወከፎም ሓሳባቶም ብምክፋል ሰሰለስተ ደቒቕ ዝወስድ መደረ ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካርዲናላት "ሲኖዳውነት ኣምላኽ ኣብ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት፣ ካብ ቤተ-ክርስትያን ዝጽበዮ መገዲ እዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም፣ ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ድማ "ኣባኻትኩም ክውከል ከም ዘሎኒ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ" ክብሉ ሓሳባቶም ኣካፈልዎም።

ጕጅለታት ዕማም

ቀዳማይ ክፋል እዚ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ እዩ ተኻይዱ፣ ብብፁዕ ካርዲናል ኣንጌል ፈርናንደዝ ኣርቲሜ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተመሪሑ ተኻየደ።

ኣብ መኽፈቲ መደብ ካርዲናላት ነቲ ነዓ ኦ ፈጣሪ መንፈው ቅዱስ ዝብል ጸሎት ዘመሩ፣ ካብ ምዕራፍ 6 ወንጌል ማርቆስ እተወስደ ጥቕሲ ውን ኣንበቡ፣ ኣፈ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሬ ሓጺር ሰላምታ ኣቕረቡሎም፣ ከምኡውን እቶም ዶመኒካዊ ብፁዕ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም።

ብድሕርዚ ብጕጅለታት ከኸፋፊሎም ኺዓዩ ናብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ገዓዙ፣ ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ዘተ ጉጅለታት ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዝቐረበ ጸብጻባት ተኻፈሉ።

ጸሓፍቲ እተን ቀዳሞት ትሽዓተ ጕጅለታት ጥራይ እዮም ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ዕዮን ካብ ኣርባዕተ ፍረ ነገር ክልተ ንኺምረጹ ዝደረኾም ምኽንያታት ዘቕረቡ። ጸሓፍቲ እቶም ዝተረፉ 11 ጉጅለታት ኣርእስትታት እቲ እተመርጸ ፍረ ነገር ኣቕሪቦም።

ሎሚ ሓሙስ እውን ዘተን ኣስተንትኖታትን ቀጺሎም ወዓሉ፣ ንግሆ ቀቅድሚ ናይ ካልኣይ መዓልቲ መደባቶም ምጅማሮም ድማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስ ጴጥሮም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርሐ መሥዋዕተ ቅድሴ ኣዕሪጎም ናይ ምሉእ መዓልቲ ምደባቶም ጀመሩ።

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም ዝገለጽዎ ኣብ መወዳእታ ዝቐርብ ጽሑፍ ኣይክህሉን ኢዪ፣ ከመይሲ እቲ ሸቶ "ብሓባር ምዕያይ" ከምኡውን "ሓድሽ ነገር ምፍጣር" ናይ ጉባኤ ካርዲናላትን ሲኖዶስን ኣገባባት ንምምሃርን ንልምምድን ክንዲ ዝኾነ።

መዛዘሚ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝሃብዎ ናይ መዕጸዊ መደረ፣ "እቲ ጕዕዞ ማዕረ እቲ መደምደምታ ኣገዳስነት ኣለዎ" ብምባል መንፈስ ቅዱስ ሎሚን ጽባሕን ንቤተ-ክርስትያን እንታይ ከም ዝደሊ ብሓባር ንምርዳእ፣ ኣገዳስነት "ተመክሮ ጉባኤ ካርዲናላት" ከም ብሓድሽ ኣጕልሑ።

"ግዜ ኣዝዩ ሓጺር እዩ" ግን ከአ ኣገዳሲ እዩ በሉ። "ኣባኻትኩም ኽውከል ከም ዘሎኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ነዚ ኣገልጋሊ እዚ ናብዚ ተልእኾ ዝጸዋዕኩምዎ ንስኻትኩም ኢኹም፣ ብሓባር ከነስተንትን ድማ ኣገዳሲ እዩ" በሉ።

ካርዲናል ራድክሊፍ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ

ብፁዕ ካርዲናል ራድክሊፍ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዚ ክብሉ ጀመሩ፦ "ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣገልግሎት ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምፍጻም ሓገዝና ንምሃብ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ተኣኪብና ኣሎና። ግን ከአ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል?"

ካርዲናል ራድክሊፍ ንወንጌል ዮሓንስ ብምጥቃስ፣ ብፍቕርን ሰላምን ኢና ክብሉ መለሱ። "ጃልባ ጴጥሮስ ንሓድሕዶም ብዚቋየቑ ደቀ መዛሙርቲ መሊኣ እንተ ትኸውን፣ ንቅዱስ ኣቦና ኣይምጠቐምናዮምን ኔርና። ኣብ ክንዳኡስ ፍልልያት ኪለዓል ከሎ እውን ከይተረፈ፣ ኣብ ንሓድሕድና ብሰላምን ብፍቕርን ንነብር እንተ ዄንና፣ ኣብቲ ኣምላኽ ዋላ እውን ዘየሎ ዝመስል እዋን እውን ብሓቂ ህላዌኡ ክገልጽ እዩ።"

ብዛዕባ እቲ "ካብ ዕጡቕ ገበን ናብ ውግእ" እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ፣ "እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምክፍፋል ሃብታማትን ድኻታትን"፣ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እተወልደ ዓለምለኻዊ ስርዓት በብቝሩብ ከም ዝፈርስ ዘሎ እዋን፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሳዕቤኑ ዘይንፈልጦ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት” ኣስተንቲኖም።

እዚ ኹሉ "ድሮ ዘየተሓሳስበና እንተ ኾይኑ ክንጭነቕ ኣሎና" በሉ። እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ "ጽምዋ ክስምዓና፣ ከም ዝደኸምና" ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና "ክንፈርህ የብልናን" ክብሉ ኣመልከቱሎም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይሕልወናን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ድማ ቀረባናን እዩ።

እታ ቤተ-ክርስትያን እውን ብ"ማዕበል" ጾታዊ ዓመጽን ስነ-ሓሳባዊ ምክፍፋልን "እተናወጸት" ምህላዋ ገለጹ። "ጐይታ ነዚ ማዕበል እዚ ኽንሓልፎን ናብ ገምገም ባሕሪ ኸይፈራሕና ብሓቅን ብትብዓትን ክንወጽእ ይጽውዓና እዩ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ፣ ከምዚ እንተ ደአ ጌርና ናባና ኺመጽእ ከሎ ኽንርኢ ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና ኣብ ገምገም ተሓቢእና እንተ ጸኒሕና ኣይክንረኽቦን ኢና" በሉ።

08 Jan 2026, 11:59